ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ(ሃኮዲለ)፡ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ሽግ ቓልሲ ተቐቢሉ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንምውዳብ ዝቐራረበሉ ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣገዳሲ ምዕራፍ ሒዙ ይርከብ። ክንዮ ምእላይ ስርዓት ዉልቐ-መላኺ፡ ባህጊ ብቕዋም እትምራሕ፡ ብስርዓተ-ሕጊ እትመሓደርን ፍትሒ ዝሰፈናን፡ ኤርትራና ክዉን ንምግባር፡ ኩሉ ደላይ ለዉጢ ዝሸባሸበሉ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ እቲ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ጥጡሕ መታን ክኸውን፡ ዕማማቱ ኣብ ምስልሳል ይርከብ።
መቐጸልታ ኣኼባና ንሰንበት ዕለት 27 መጋቢት 2011 ኣብ ሽታይን ስትራስሰ 23 ንሰዓት 15፡00 ተቖጺሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ ኣኼባና ብዛዕባ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብኡ ዝተበጽሐ ስምምዕን ተመርኲሱ ንዝቐርብ ካልእ ኣድላዪ ዝበሃል ጉዳያት ዝምልከት ሕቶታትን ክበርህ እዩ።
ብመሰረት እቲ ብዕለት 28 ጥቅምቲ 2010 ኣብ መርበባት ሓበረታን ከምኡ ዉን ብኣካል ዝተዘርገሐ ዕድመ ፣ ብርክት ዝበሉ ደለይቲ ፍትሒ ሃገራዉያን ዕድመ ኣኽቢሮም ዝመጹ ፣ከፋትን ነጻን ዝኾነ ኣኼባ ኣካይዶም።
ብቀዳም 30/10/2010 መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ምስ ኣቶ ዓንደብርሃን ተቐማጣይ ከተማ ማንቸስተር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፈን ዜጋ ብምዃን ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ምስ መንእሰያት ኣብ ከተማ ሊድስ ኣቃኒዖም።
መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ፡ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ብምትሕብባር ምስ ኣብ ኦስሎ ዝምቕማጦም ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳን ብ23 ጥቅምቲ 2010 ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ኖርወይ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንኩሉኹም ግዱሳት ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዚኾንኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ናብ ዘዳለናዮ ህዝባዊ ኣኼባ ንቀዳም 23/10/2010 ትዕደሙ።
በዓል መስቀል ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይምነ።