መደምደምታ ዘይብሉ ጉዳይ የለን’ሞ፣ እዚ መበል 20 ክፋል ጽሑፍ’ዚ መደምደምታ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ክኸውን ኢዩ። ምስ እዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ጉያ ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ ወሳኒ ናይ ለውጢ ግዜ፣ ዝቕጽሉ ጽሑፋት ኣለና፦ “ዋዜማ፣ ዘመነ- ቅብጸት ኢሳይያስ!” ብዝብል ኣርእስቲ ክትክኡ ኢዮም።
መደምደምታ ዘይብሉ ጉዳይ የለን’ሞ፣ እዚ መበል 20 ክፋል ጽሑፍ’ዚ መደምደምታ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ክኸውን ኢዩ። ምስ እዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ጉያ ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ ወሳኒ ናይ ለውጢ ግዜ፣ ዝቕጽሉ ጽሑፋት ኣለና፦ “ዋዜማ፣ ዘመነ- ቅብጸት ኢሳይያስ!” ብዝብል ኣርእስቲ ክትክኡ ኢዮም።
ሰላም ኣብ ዘዘለኹሞ ክቡራት ደቂ ኤርትራ! ብፍላይ ድማ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፣ ንኹለን ኤርትራውያን ደቀንስትዮና ናይ ቃልሲን ጽንዓትን ሰላምታ ይብጻሕክን።
“ኣነ ቲፋኖስ፣ ንሱ ድጉል መንካዕ”
በታ እንምነያን እንቃለሰላን ዘለና ኣዝያ ጥዕምቲ ቃል ክፍልም። ሰላም! ክቡራት ተኸታተልቲ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ናትና ግብረ-መልሲ ዝጽበ ሰናይ ዘመን ይመጽእ ኣሎ’ሞ ቆጽሊ ሰተሰምሃር ክንንስንስ፣ ክንሕበን ከም ቀደምና ክንተሓዋወስ…ቆፎና ክንመልእ መዓርና ክንብርብርን ለጋዕና ክንሓልብን ቀሪብና ኢና!
ከምቲ ንቡር፣ ብሰላምታ እየ ክጅምር። ሰላም ንክቡራንን ክቡራትን ተኸታተልቲ ጽሑፋት ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ብድሕሪ ክፋል 16 ንኣቶ ዓብደላ ኣደም ብዝምልከት፣ ኣብ ቅትለት ስዒድ ሳልሕ ከም ዘይወዓለ ዝጸሓፍኩዎ መአረምታ፤ ብዙሓት ዜጋታት ቅዱስ ርእይቶኦም ጽሒፎሙለይ ኢዮም። እቲ ዘይጋገ እቲ ዘይሰርሕ ሰብ ጥራይ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ከኣ ኣሎኒ።
ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ ጽሑፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ብድሕሪ ክፋል መበል 15 ናይዚ ጽሑፍ፣ ንክፋል መበል 16 ብዓቢ ሃንቀውታ ክትጽበዩ ከም ዝጸናሕኩም ይስደደለይ ካብ ዝነበረ መልእኽቲታት ተገንዚበ።
ሰላም ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተኸታተልቲ። ሰላም ኣአንገድቲ ሃገራውያን ወብ ሳይታት ንጽሑፋት ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’።
ሰላም ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተኸታተልቲ። ሰላም ኣአንገድቲ ሃገራውያን ወብ ሳይታት ንጽሑፋት ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’።
ኣብ ባህሊ ብሄረ ትግርኛ፣ እቶም ጨጓራት ዳናጉ ዓርኪ ሕልፎት ብድርብ ኮቦሮ ንሸውዓተ ጎረቤት ክንቕንቑ ምስ ሓደሩ፤ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ድኻም ይስምዖም ኢዩ።
“…ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዝነበረ ዓብደላ ኣደም፣ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ዘሰከምዎ ሓላፍነት ክሒዱ ሃዲሙ ኣሎ።” ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዓመተ-2002 ብረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ዝተቓልሐ ዜና ኢዩ ዝነበረ።
ኣለና ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ መንፈስ ዘለዎ ከባቢታት ዓለም። ኣለና ኣብ ዱሮ ዕሰሌ ኤርትራ! ኣለና ኣብ ዱሮ “ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ” ኣብ ዝበሃለሉ ቅነ ጽንዓትን ጋማን!
ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ፤ ኣለና! ክሳብ እታ ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትቦቅል ተኽሊ ሰላምን ዲሞክራሲን እንርኢ…ክሳብ ምስ ገበነኛታትን ድርብ ገጻት ህግደፍን ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቤት ፍርዲ እንራኸብን ድማ ክንህሉ ኢና። እቲ ምንታይ ሎሚ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድርኩኺት ዓወት፤ ኢሳይያስን ቃፍላይ ህግደፍን ከኣ ናብ ኣፈፌት መቓብር ስለዘለዉ። ሎሚ መርድእ ኢሳይያስ ንክንሰምዕ ለይቲን መዓልቲን ኣእዛንና ኮኲዕና ጽን ንክንብል ደወልን ሃገራዊ ነጋሪትን ይሃርም ኣሎ። ሎሚ ኢሳይያስ ኣይኮነን ምውዳቕ ኣብዩ ዘሎ፤ እንታይ ደኣ ንሕና ኢና ብሰንኪ እቶም ህግደፍ ዘዋፈሮም ሳተላይታት ከም ኣሳትያ ኣኽላባት ኮይኑ ድምጽና።
ኣለና፤ ንዝተቐብረን ዝተረስዐን ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራውያን ምንጋር’ምበር ክንዮኡ ዝመጣጠር ዕላማ የብልናን። ኣለና ኤርትራዊ ትንሳኤ ኢዩ! ኣለና ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን! ኣለና ብጋህዲን ብስዉርን።
ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጨፍጫፊ ስታሊናዊ ሜላ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንበይኑ ኣብ ውሻጠ ገዝኡ’ምበር ኣብ ጽርግያ ኮይኑ ዓው ኢሉ ንክዛረብ ኣይተዓደለን።
ብ 1991 ጋማ ናጽነት ክትኣስር፣ ኣኽሊል ሓርነት ክትጉምጎም ዝተጸበናያ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ን20 ዓመታት ክርዳድ ፈርያ። ህዝቢ ኤርትራ ንዕስራ ዓመታት ብከንቱ መብጽዓታት ንከንባሁቕ ተገዲዱ።
ኣብዘን ውሑዳት መዓልታት፣ ኣብ ሙሉእ ዓለም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ከምኡ’ውን ካብ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋት ብዙሕ መልእኽቲ ተቐቢለ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንነዊሕ ዓመታት ኣንጻር ኤርትራውያን ቀጭ-ሕርሙ ኣነጻጺሩ፣ ጎበዝ ሃገር ዝወድአ ሕሱም ሰብ ኢዩ።
ኣብ ሓሙሻይ ክፋል ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ኣትየዮ ብዝነበርኩ መብጽዓ፣ ቅንጸላ ተጋዳላይ ኢብራሂም ዓፋ ብዓቕመይ ክትርኽ እየ።
እዛ ሓሙሸይቲ ክፋል ናብ መርበብ ኢንተርነት ክሳብ ዝሰደላ ዝነበርኩ ሰዓት፣ ካብ ሙሉእ ዓለም እንኮላይ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብዙሕ ናይ መተባብዒ ጽሑፋት ተቐቢለ።
ሕቡእ ታሪኽ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምጅማሩ’ምበር ኣብዚ ግዜ’ዚ ምውድኡ ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም ክሳብ ሎሚ ሰሚዕናዮም ዘለና ጉዳያቱ ከኣ ካብ ግምጃ እከይ ተግባራቱ ሓደ ዕሽር ጥራይ ኢዮም፣ ትሽዓተ ዕስሪት (9/10) ድማ ተሪፎሙና ኣለዉ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።
ኢሳይያስ ንዝገበቶ በትረ-ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ክንቅይሮ ኢና ኢልካ ምሕሳብ፤ ድግምጋም ዕሽነት ኤርትራውያን ጥራይ ኢዩ።
ስርናይ ዝተተለመት ጽግኢ፣ ስርናይ ኢያ እትፈሪ። ክርዳድ ዝተተለመት ቃድራ ድማ ከም ትልማ ክርዳድ። እነሆ’ምበኣር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ 40 ዓመታት ብዝተለሞ ዘርኢ ክርዳድ ንሕና ኤርትራውያን ክርዳድ ፈሪና።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ሎሚ ንመጀመርያ ግዜ እጽሕፍ ኣለኹ። ነቲ ብግዱሳት ዜጋታት ኤርትራ ወትሩ ዝጸሓፍ ዝነበረ ሃገራዊ ትሕዝቶ ዝነበሮን ዘለዎን ጽሑፋት ግን ከየንበብኩዎ ኣይሓለፍኩን። ሎሚ ካብ ምንጋጋ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘምለጥኩሉ ግዜ ከም ህዝበይ ዝከኣለኒ ኣበርክቶ ንክገብር ድማ እጅገይ ሰብሲበ ኣለኹ።