ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ(ሃኮዲለ)፡ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ሽግ ቓልሲ ተቐቢሉ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንምውዳብ ዝቐራረበሉ ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣገዳሲ ምዕራፍ ሒዙ ይርከብ። ክንዮ ምእላይ ስርዓት ዉልቐ-መላኺ፡ ባህጊ ብቕዋም እትምራሕ፡ ብስርዓተ-ሕጊ እትመሓደርን ፍትሒ ዝሰፈናን፡ ኤርትራና ክዉን ንምግባር፡ ኩሉ ደላይ ለዉጢ ዝሸባሸበሉ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ እቲ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ጥጡሕ መታን ክኸውን፡ ዕማማቱ ኣብ ምስልሳል ይርከብ።
ከምቲ ኩላትና ዘይንስሕቶ ብሰኪ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ዝከፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ምህላው መግለጺ ዘድልዩ ሓተታ ኣይኮነን።
ሙሴ ኤፍሬም ዝባሃል ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ዜጋ ኣባል ጸጋማዊ ሰልፊ (Vänsterpartiet) ዝኾነ፡ ኣብዚ ጽባሕ (7 ሰነ 2009) ዝውዳእ መዓልቲ ምርጫ፡ ንፓርላማ ኣውሮጳ ይወዳደር ከምዘሎ ክነላልየኩም ንደሊ፡፡ ኩሉኹም ኣብ ሽወደን ትቕመጡ ኤርትራውያን፡ መሰል ምርጫ ዘለኩም፡ ድምጽኹም ነዚ መንእሰይ ንክትህብዎ ነዘኻኽር። እቶም ከተድምጹ ዘይትኽእሉ ድማ፡ ከድምጹ ንዝኽእሉ፡ የዕሩኽትኹምን ቤተሰብኩምን ድምጾም ንሙሴ ኤፍሬም ክህቡ ከተተባብዑዎም ነዘኻኽረኩም።