ብዕለት 18 ምያዝያ ኣብ ሳንፍራንሲኮ፡ ካብ ቀረባን ርሑቕን ከተማታት ካሊፎርንያ ዝመጹ ተቓወምቲ ዜጋታት ዝተሓወስዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ውልቀ-መላኺ ተኻይዱ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ዝወዓለ ዜጋ ብዕድመ ይኹን ብብሄራዊ መልክዑ ዝተዛነቐ ብምንባሩ፡ ምዉቕ መንፈስ ሃገራውነትን ሓደነትን ዘንጸባርቕ ሃዋሁው ክፈጥር ክኢሉ። ካብ ናይ ቀደም ሰላማዊ ሰልፍታት ዝያዳ ብርክት ዝበላ ደቀ-ኣንስትዮ እውን ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣማዕሪገንኦ ውዒለን።
ምድላዋት ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ በጺሑ ይርከብ።
እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰኑይ ነሓሰ 16፡ 2010 ዓ.ም. ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፋፌት ህንጻ ናይ ከንቲባ ኣኒስ ፓርከር፡ ዝርከብ ሲቲ ሃል ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ።
….ሎሚ’ውን ሓድሕድ ተኻባቢርና: ሓሳባትና ተሰማሚዕና ንነዊሕ ዝጠመተ ልቦና ዝመልኦ ኣካይዳ ክሳብ ዘየማዕበልና መጻኢና ቀሊል ከምዘይከውንን እዚ ወልቀመላኽነት ከኣ ከምቶም ኣብ ኩሉ ክፋል ዓለምና ዝተራእዩ ምልክታት ኣብ ሓጺር ጌዜ እንተሓድሓድ ተበላሊዑ እንተ ብሰንኪ ዓንዳሪ ኣካይዱኡ ነዊሕ ከምዘይጸንሕን ክፈራኸስ ምኻኑን ገፋዕቲ ድማ ጽባሕ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ምኻኖም ደጋጊምና ክንዝክርን ከነዛኻኽሮምን ይግባእ::