ኣብ ናይ 27 ሚያዝያ ዜና ኣሰና ስርዓት ህግደፍ ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 00 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰሩዎም ሓቢርናኩም ኔርና። ኣስማቶም ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ገምጋም ናይ ዝሓለፈ ቃልሲ ምግባር። መንጠሪ ባይታ ናብ’ታ ንሓልማ ሓዳስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ድኣ ‘ምበር። ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታት ውድብ ንምውንጃል ኣይኮነን፣ ኩሉ ገምጋም ናይ እዋን ገድሊ ይኹን፡ ዓመታት ናጽነት።
ኣብ ሊብያ ተጋቢኦም ዝቐነዩ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ነቶም ንግዝያዊ መግስቲ ሶማል ንምዕላው ጽዑቕ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ኣለዎም ተባሂሉ 


ብርግጽ መራሕትና ኸዲዖሙና፡ እወ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ንዘመናት ዝሓልሞ ናጽነት ጋህዲ ምስኾነ ከም ህዝብታት ኤርትራውያን ክንብሃል ምስ በቓዕና። ነቲ ሕልሚ ጋህዲ ዝገበሩ ተቓለስትን፡ ቓልሲ መሪሖም ብዓወት ናጽነት ህያው ዝገበሩ ኣብ ጉድጓድ ሰፊሮም ሕማቕ ረኺብና “ዘመን ኣካሒዳ”።