ካብ ርሑቕን ቀረባን ከባቢታት ኦስሎ፡ ነርወይ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ነቶ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያን ሲናይን ሕሱም ግፍዕታት ዝወርዶም ዘሎ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምርዳእን ጉዳዮም ንዓለም ንምቅላሕን ዝዕላምኡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ካብ ርሑቕን ቀረባን ከባቢታት ኦስሎ፡ ነርወይ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ነቶ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያን ሲናይን ሕሱም ግፍዕታት ዝወርዶም ዘሎ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምርዳእን ጉዳዮም ንዓለም ንምቅላሕን ዝዕላምኡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ሎሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ካብ ርሑቕን ቀረባን ብፍላይ ድማ ምስተን ዝነውሐ ጉዕዞ ሰጊረን ኣብ ማእከልና ዝርከባ ዘለዋ ኣሓት ኣብዚ ኣደራሽዚ ክንራኸብ ምብቃዕና ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝላዓለ ምስጋናን ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታ ከቕርብ ብትሕትና እሓትት።
ተወሳኪ ሐቤሬታ
መደብ በዓል 8 መጋቢት ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ
ከተማ ፍራንክፎርት ጋሉስ ቫርተ
8 መጋቢት ኣህጉራዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ፍራንክፍርት ንዕለት12.03.2011 ክብዕል ምዃኑ ኣቀዲሙ ብዕለት 27 ጥሪ 2011 ተሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።
እቲ ዒብ ዘይብሉ ነውራም ስርዓት ህግደፍ፡ መብዛሕትኦም ድርብ ደቆም ንዝተሰውኡዎም 57 ገባሮ ማዕረባ ኣምሳያ ‘ቶም ካብ ስርዓቱ ዘመለጡ ደቆምን ደቂ ደቆምን 50 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ የገድዶም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ኣብ መበል 21 ቲ’ ምዕቡል ዘመን
ኩቡዖ ዓለምና ብወዲ ሰብ ክውነን
ኣህዛብ ዓለም ንህዋ ክውንጨፉ
ኣይገርምን’ዶ ኤርትራውያን ብሕዋቶም ክጭፍጨፉ።
ዝኸበርክን ደለይቲ ለዉጢ፤ ፍትሕን ደሞክራስን ደቂ-ኣንስቲዮ ኤርትራ ተቀማጦ መልበርንን ከባቢኣን፣
ብቀዳምነት እቲ ምውቕ ዘዀነ ኤርትራዊ ሰላምታይ ተቐበሉ። ስመይ ገብረሚካኤል ኪዳነ (ጻዕደ) ይበሃል። ምቕማጠይ ኣብ ሕቡራታት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ትውልደይን ወይ መበቆለይ ኣብ ቅንሓየላ እትበሃል ዓዲ ኣውራጃ ሰራየ ወረዳ ተኸላ ኣብ ኤርትራ ይኸውን።
ኣብ ከተማ ቦን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ዓርቢ ዕለት 17.09.2010 ኢዩ።
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣
ሎሚ ብምኽንያት ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ ምዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ ካብቲ ብዙሕ መዳርግቲ ዘይብሉ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮና ብፍላይ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ኣደራዕን ንኽዛረብ ዕድል ብምርካበይ ዝስምዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን።
ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ- ኣንስትዮ፣ ኤርትራውያን ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ንውሕደት ኣብ ሽወደን፡ ምስ ስዊድናዊ-ኤርትራዊ ሕብረት ንዲሞክራስያዊ ምዕባለ፣ ንቀዳም ዕለት 6 መጋቢት 2010፡ ኣገዳሲ ሰሚናርን፡ ባህላዊ ምሸትን ኣዳልዩልኩም ሰለዘሎ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ምሸት ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድመኩም ኣሎ።
ዕለት 25 ሕዳር ዓለም–ለኸ ጸረ ግህስትመዓልቲ ደቂ–ኣንስትዮ ተባሂሉ ካብዝጽዋን ካብዝኽበርን ልዕሊ 20 ዓመት ዝኣክል ኣቑጺሩ እነሆ። እዚ መዓልቲዚ ንመዘከርታ ናይተን ጸረ ምልካዊ ስርዓት ዝተቓለሳ ሚራባል ዝተባህላ ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ዕለት 25 ሕዳር 1960 ዓ.ም ኣብ ዴሞኒካኒሸ ረፖፕሊክ ብግፍዒ እቲ ዝነበረ ዓማጺ ስርዓት ጸጥታዊ ትካል ተኣሲረን ንወርሒ ዝኣክል መግቢ ንኸይውሃበንን ከቢድ ምግፍዕን መግረፍትን ወሪድወን ንዝሞታ ተቓለስቲ ዝዝከር መዓልቲ እዩ።
እዛ ዓለምና ጓል ኣንስተይቲ ዘይብላ ክትህሉ ዘይኮነ ክትሕለም እውን ኣይትካኣልን ኢያ። ንሳ ምንጪ ህላውየናን፣ ሄወትናን፣ ባህልናን፣ እምነትናን፣ ታሕጓስናን፣ ሓዘናን፣ ፍቕርናን፣ ተስፋናን፣ ኢያ። ብሃገር ደረጃ ድማ ምንጪ፣ ሃገራውነትናን፣ ሓርበኝነትናን፣ ሓድነትናን፣ ዕርቕን፣ ፍትሕን፣ ኢያ። ንሳ ብርሃን ስድራን ሃገርን ኢያ።