እግሪ እናደለየ ልቢ እናሓንገደ
ቀልቢ ብቁሩሩ ዝባን እናሞቐ
ጸጓር ንውሽጢ ወድዮ ስኒ እናሰሓቐ
ሽክና ብጥርሑ ደረት እናተነፍሓ
ሓሞት ብዝርጉ ልሳን እናነውሓ
እግሪ እናደለየ ልቢ እናሓንገደ
ቀልቢ ብቁሩሩ ዝባን እናሞቐ
ጸጓር ንውሽጢ ወድዮ ስኒ እናሰሓቐ
ሽክና ብጥርሑ ደረት እናተነፍሓ
ሓሞት ብዝርጉ ልሳን እናነውሓ
ኣብ ፍረሂ ዘሎ ትብዓት
ኣብ ስደት ዘሎ ኩርዓት
ኣብ ሃብቲ ዘሎ መዓት
ኣብ ጅግና ዘሎ ፍርሃት
ኣብቲ ጸምጸም በረኻ
መዳርግታ ንሞት
ትንፋስ ዝሃበኒ
ብስራት ናይ ህይወት
ኣበሎ ደሃይኪ
ናይ ተስፋ መለኸት?
ከምዘይ ዓሚ
ሎሚ
ዓዘቕቲ ሕስረት
ሰሪቱለይ ምረት
ንግስተይ’ ‘ንዝብላ ብእምነት ብማሕላ
ብረሃጽ ገዲፉ ብደም ዘገልገላ
‘ንጉሰይ’ ደኣ’ምበር ኣይትብሎን ‘ያ ጊላ
ልባ ኣይርስዖን ነብሱ ‘ተጎደላ
ብሳላት ብመቕደስ ብጸሎት ምህለላ
ኣምላኻ ትገብሮ ናይ መንፈስ ኣኽሊላ።
ኣየ ፕረሲደንተ
ዲሞክራሲ እንተተባህለ
ገና ትብሉ ግዚኡ ነይኣኸለ
መግቢ ተበልኹም
ነርክበሉ ካብ በልኩም
ደጊም ሲ ፈሪሄልኩም
ነ}ስመራ
ቦኽሪ ኤርትራ
ክብል’የ ከተፍ
ዘሎኒ ክውከፍ
እንቋዕ ኣርከብኩሉ
ንተመስገን
ኦኣሲስ ሕልና
ብዓል ጋማ ፍናን
ጣዕሳ ዘየፍቅድ
እንትርፎ ምሕባን።
ኮረሻ ምጥጣሕ
ዘይቀልበሶ ስራሕ
ዘይገልበጦ ኣኽባሕ
ኣሎ’ዶ ዘይበሎ ፋሕ
ዕላማ መስዋእቱ
ኣብነት ትብዓቱ
ተደፊሩ ኮንቱ
መስኪን ብብጾቱ
ኣንቲ ጸላም ወርቂ
ላምፓዲና ሓቂ
ናይ ሽደናት ዕጥቂ
ሽዳይ በጃይ
እንታይ ዘይረገጽኪ ኣብ ክንዳይ!
ነዊሕ መዓስ ኮይኑ
ትማሊ እኮዩ
ንያትካ ተዐርብ ከይጀመርካ
ተስፋኻ ተጸንቂቑ ታይእውንካ
ምስመን ኢኻታ ተዳኽር
ናይትማሊ ዘይትዝክር
ዓርከተይ ዓርከተይ ኢሎምላ፡ ብማሕላ
ከይትድፈር ብጓና ብጕሒላ
ጻሐይ ከይትህረም ክትራ ሰሪሖምላ
ንስለ ክብሪ-ቃልኪዳን ይሕልውዋ በቢታራ
ኮይኖም አብታ ዋላ!
ሕጂ ተፈከርካ እንታይ ከዓብሰላ
ንሳስ ሐዳራ ክትወጽእያ ትጽዕር ዘላ!
ትም! ግዳ በል ከይትሐናኹላ።
ሓደራ ግን ክንዲ ‘ምባ
ን “ዋያ ከይትህባ! ”
ከም መርዓት ሓብሕባ
ከይጎድላ ዓጅባ
‘ዛ ብርቂ ዕምባባ
ሓንሳብ’ ተሓሪራ
ጋዶ’ዩ ምርካባ፡
ሕልሚ ኤርትራውያን - ክገሃድ እዩ - ታሪኽና ክዛሪ - ክኸውን ነባሪ
እዚኣ ድያ ‘ታ ኢዳ
ገና መዓስ ክሒዳ
ሰኣን ድምጺ’ባ ከቢዳ
I am a traveller
I move north ;
I move south;
Up and down;
Around all corners ,
መን ኮን ሒዙኪ፡ ፈለማ
መንከ በለኪ፡ ጓል ብዳማ
ኣብ ገዛእ ዓድኺ፡ ኣብ ከተማ
ኣቦታትና ክብሉ ይብሉ
ንመወለዶም እንከይበሉ ኣሉ
ንመንነቶም ከይከወሉ
ገለ ከይነከዩ ገለ ከየጕደሉ
ካብ ርሑቕን ቀረባን ድምጺ ሂቡ
በርቅን ነጎዳን ኣዕጂቡ
ህቦቡላ ንፋስ ኣኪቡ
ሰማይ ተጻዓነ ደመና ጐልቢቡ
ከርደነኒ ሂወተይ ከቢቡ
ዓቕለይ ኣጻቢቡ ትንፋሰይ ኣቋሪቡ
መድሕን ክደሊ ትንፋሰይ ንብዓቲ ቀሪቡ
ኣረክብ ስልጣንካ ውጻእ ካብዛ ዓዲ፡
መንእሰይ ክቐስን ክድበስ ወላዲ፡
ክትከል መንግስቲ ብቅዋም ተቐያዲ።
ብዘይ ሓላይ ብዘይ ዘራይ
ምስ ረኣኹዎ ነቒዙ
ፍረ ቓልሰይ፡
ሓፊረ !
ትሩብሊ ኣንቲ ትሩብሊ
መዕቆቢ ዘይብልኪ መጽለሊ
መዕቀሊ ዘይብልኪ ማይ ክዛሪ
ዳዕሮ’ኳ ዘይብልኪ መውዓሊ
ሱሩ ነዊሕ ዝኸይድ ምድረ ምድሪ
ጎታን ብዓል ጽላል ንእምኒ ፈንቃሊ
ካብ ዓዲ ሓበሻ’ዶ ክልእከልኪ ዋሪ
ብዛዕባኺ እንታይ ከምነውሪ
ጎርዞ ክነሳ ቆልዓ
ማህጸና ተመንዚዓ
ከም ቀደማ ነቢዓ
ማዓስከ ፍሰሃ ጎሲዓ
በቲ ጓለይ ከይትቕየመኒ
በቲ ‘ሃገረይ’ ከይትጎድለኒ
ሰዓታት ቀይረ ዝተኽለሉ ብርዐይ
ለይተይ ገይረዮ መዓልተይ
ዓራተይ ገይረዮ መንበረይ
ሓበነይ ምስ ደቀሰት እብለኩም ‘ሃገረይ’
ሰብ’ዶ የለን’ዩ ንበይነይ ዝቝንዞ
እንታይ ኣምጽኦ ሎሚ’ኸ ክንድዚ ቐንፈዞ
ዒራዒሮ ዊዓ ሓድሽ ምህዞ
ኣደራዕ ዓመጽቲ ምልኪ ዝኣዘዞ
ንወዲ ሰብ ርሱን ሓጺን ዘትሕዞ
ብሂወቱ ከሎ ምስ ምዉታት ዘጐዝጕዞ
ወሰን በል እንዳለ ንለባም ዘፍዝዞ
እዚ ምንታይ ንስልጣን በይኑ ክሕዞ
ምልኪ ወዚሉ
ሰንከልከል ኢሉ
ምርኩስ ሓዙሉ
ከይወድቀኩም ናሕ ኢሉ
መሬት መድምድሉ፡ ክረግጽ ደልዲሉ
ውቃቤኡ ተተመልሶ ሽንፋእ ንጸጉሉ
ንሱ’ኳ ኣሉ’ዩ ዝብሎ ንኹሉ
ሓማዪ’ድኣ ከይትብሉኒ እምበር
ሎምስ ኣዝዩ ወዚሉ
ህግደፍ መንደፍ
ዘይብሉ መጽሓፍ
ሕዝ-ግድፍ ሕዝ-ግድፍ፡
ርሑቕ አይኮነን! ሓጺርዩ ተሪፉ
ሑሉምዩ፡ ንቡይ፡ ቃልዩ ዝጋሃድ
ስሕግ ምባል እንታዩ ፋይድኡ፡
በንጻሩ ብበለጽ ዝሃጠረ
ኣብ በለጽ ዝጋማዳሕ
ግምጥል ክብል ዘይእግሞ
ንተጋዳላይ – ከዳዕ፡ ወያነ ክስይሞ፡፡
ጽባሕ ድማ ኣብ ዳግማይ ግርንቢጥ
ሓርበኛታት ምስተኣኻኽቡ
ካብ ጎደና ህዉታተ ምስ ወጹ
እቲ ኣብ በለጹ – እቲ ኣብ ሃገሩ፡
ዜግነት ይለዋወጡ።
ዘንፍጽ ዘቕብጽ
ወረ ኣይትቦቑጽ
ነፊጽካ ኣይተንፍጽ
ቀቢጽካ ኣይተቕብጽ