ኣገናዕ ወዲ ህዝቢ!
ዚኾነ ይኹን ስነ ጥበበኛ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኪኸውን ባህርያዊ ጥራይ ዘይኮነስ ግዴታውን’ዩ። ምኽንያቱ፡ፍርያትካ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ስለ ዚኾነ በቲ ኣብ ቅድሚ ዓንኻ ዚሳቐ ዘሎ ውጹዕ ህዝብኻ ብሓሶትኪትሽቅጥ ነውሪ ጥራይ ዘይኮነስ ዘሕፍርውን ስለ ዚኾነ! ስለዚ፡ ኤልያስ መስመር ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ፡እቲ ኪኸውን ዘለዎ ቅኑዕ ስጉምቲ’ዩ። ስለዚ፡ ኣገናዕ ወዲ ህዝቢ በሉዎ። ንሕናውን ወጽዓ ህዝቢ ኪንጻወሮስለ ዘይከኣልናን ሕልናናን ሞያናን ስለ ዘይፈቐደልናን ኢና’ምበር ህግደፍ ፈቲዩና ዘይኮነስ መጋበርያመታን ክገብረና ኢሉ ኡፉኡፍ እናበለና ኢና ራሕሪሕናዮ ኣብ ጎድኒ ፍትሕን ህዝብን ተሰሊፍና ዘለና።
ድምጻውያን ኤርትራ ዓቢ ንእሽቶኹም
ንስኻትኩም እኮ ጓሶት ህዝቢ ኢኹም
ብምልኪ ክሳቐ ኣብ ማሕዩር ህዝብኹም
ፍንጭራዕ ክትብሉ ልግዐኡ ሰቲኹም
ብጓይላን ደበላን ተጥፍእዎ ኣለኹም!
ህዝቢ ኣብ ቀይዲ ከሎ ከይዕንገል ሰሪሑ
ንግሆ ምስ ቆረሰ ዘይረክብ ምስሑ
ቆፎኡን መሶቡን እንከሎ ጥርሑ
መዘምራን ህግደፍ ብሓሶት ክትረብሑ
*ጦብያ ናይ መላኺ ኣብ መድረኽ ክትነፍሑ *ኣብ ዓለም ዘየሎ ኣእምሮ ዝቐረጾ ጽቡቕ ነገር
ሽሻይ ኣሎ ትብሉ ከም ሑጻ ምብዝሑ!
ንብዓት ማይ ወዲኡ ህዝቢ ደም ነቢዑ
ኣእዛኑ ኣጽሚምኩሞ ከበሮ ክትወቕዑ
ውሑዳት ሰብ ዕጫ በይንኹም ክትበልዑ
ኣብ ጸላም እንከሎ ህዝቢ ተወጺዑ
ብርሃን ኮይኑ ኢልኩሞ ባና ተወሊዑ!
ካብ ሓደጋ ጥሜት ከድሕና ንነብሲ
ንቑጽ ባኒ ኣብ *ውጩ ጠሚዑ ኪዃሲ *ብማይን ብበርበረን ጥራይ ዝስራሕ ጸብሒ ድኻታት
ኣብታ መረበቱ ኣብ ጸላም የምሲ፡
ጐርዞ ግን ኣብ መድረኽ ምልኪ ክትውድሲ
ሓሊፉሉ ኢልክዮ ሽሻይ ኮይኑ ራሕሲ!
“ፍረ ጻማ ናይ ዓወት ትክክል’ዩ እቲ ዘረባ
ጻማና’ዩ እዚ ራህዋ ንንበሮ ብዓጀባ
ዘይውዳእ ሓጐስ ዘይረግፍ *ሕዮባ *ጻዕዳ ዕምባባ ዘሎዎ ገረብ
ትሃንና ነውጽእ ነኹድደሉ’ዚ ከብከባ!”
ይብለና’ሎ ህግደፍ ብልሳን ኣባጊዕ
ልብና ኣጐምጅዩ ቀልብና ኪዘርዕ
ኣብ ጥሙይ ከብድና ከስዐና ከጉስዕ
ተላሃዩ ኢሉና ክንዘልል ክንስዕስዕ!
ድምጻውያን ሃገርና ሓቂታት ንገሩ
ንውልቀ መላኺ ኣይትቀባጥሩ
ደጊም ነቒሉ እዩ ናብታ መቓብሩ
ብኣረጊት *ባልዋ ኣብ ራዕዲ ኣይትንበሩ *ኣርሓ መፍለስ
ከምቶም ሓርበኛታት ወትሩ ክትዝከሩ
ህዝቢ’ዩ ነባሪ ምስ ህዝብኹም ሕበሩ!
ስቓይና ክድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 04-06-2013