Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብ.ኣበባ ኣብርሃ፡ ቶሮንቶ ካናዳ 30/03/2012 ሰላምን ቅሳኔትን ዝነገሳ ሕጊ ኣቑማ ዝዓግት ኣበሳ ፍትሒን ቅንዕናን ዝተሓወሳ ክትከውን ሃገርና፣ስኒት ነሐድሳ፡ ኣይክትሓፍሪን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ ኣይትወላወሊ ኣጆኺ ኣይትግርሒ ነግፈርግ ኣይትበሊ ኣይትማትኢ መጻወቲ ከይትኾኒ፣ ንወኻሪያ ንዝብኢ፡ ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ ኩሉ ዕጉብዩ ብኣስተዋጽኦኺ ፍርሒ የብቕዕ! ጥራሕ በሊ ኣጆኺ ኩሉ ክስለፍዩ ኣብ ጎንኺ፡ ደቃ ዝሰኣነት ዝዘኽተመት ኣደ ኩሎም ገዲፎማ ቦኽሪ ሕሳስልደ ዝጎሃየት ማህጸን ዝተዓመጸት መርዓት ደብስዋ ሎሚ

READ MORE

ኣበሳ ወዲ ሰብ እንከሎ ብህይወት፡ ጸብጺብካ ይግዘት ብዋሕስ ይዕገት፡ ብጭብጢ ይሙገት ብዳኛ ይሕተት።   ድሕሪ ህይወት …ምስ ሰዓበ ሞት፡ ነገር ሰብ የኽትም ንታሪኽ ይኽተት፡ ፍርዲ ሰማይ ይተርፍ ይዕጾ ናይ መሬት፡   …ግና ነስተውዕል…   ኣሎ ትዕዝብቲ ናይዝ’ጊ፡ ንርእዮ ንሰምዖ …መሸንጎጓ ሓለንጊ፡ ሕልናና ንገምግም …“ገ” እናበሉና ተጋጊና ኣይነጋጊ።   ነቢይ ካብ ካሊፎርኒያ 3/25/12

READ MORE

እስከ ክገጥመላ፡ ንኤልሳቤጥ ጭሩም ታ’ነሕዋታ ተውጽኦም፡ ስሒባ ካብ ህጉም ንአሓታ ተናግፈን፡ ካብቲ ጨካን ሕሱም መልእኽታ ጸላዊ’ዩ፡ ልሳና’ውን እሩም ኤልሳ! ዋዕሮ ዶ ክብለኪ፡ ዛግራ ጎይያ ዘይትደክም፡ ሕልኽላኽ ዘየብኩራ ክሳዳ ትመዝዝ፡ ትጥምት ኣዚራ ዘይትቐስን ከይገበረት፡ ኣመት ቁም-ነገራ ምጽሓፍ ዘይስልክያ፡ ዘይነጽፍ ብርዓ ትምሕጸን ተስምዕ፡ ክንደይ’ኳ ‘ድሚዓ ቁልዒ መሰል ግዳያት መላኺ፡ ወሊዓ ንመጋረጃ ፍርሒ፡ ቐንጢጣ በታቲዓ ኣብነታዊት ዜጋ፡ ንኣሕዋት ንኣሓት ጓል

READ MORE

ብገዛኢ ኪዳነ እስከ ንስማዓዮ ናይ ህዝብና ድምጺ ኣውያት ኣሎ ካብ ርሑቕ ዝፋጺ፡ ኣድሕኑኒ’ዩ ዝብል ቃሉ ስምዕዎ ዓማጺ ንወግድ ህዝብና ክርህዎ።   እቲ ንዓና ዝወለደ ማህጸን ኤርትራና ኣድሕኑኒ ይብል ኣሎ ንኽፈቶ እዝንና፡ ንስማዓዮ ድምጹ ነስተውዕል ኣውያቱ ህዝብና ብምልኪ መሰሉ ተዘሚቱ።   ኣታ መን ኢኻ ኣብ ኣመሪካ ዘሎኻ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ስደት ዝበለኻ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ርሑቕ ማዕዶ ወዮ ህዝብና እምበር ረኸበ

READ MORE

ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ  ከም ተባህለ መራሒት  ራህዋ  ኢኺ  ብድምጻ  ትልለ ተስፋ ዉጹዓት ኢኺ  ምቅርቲ ወሓለ ላዛ ዓለማዊት ማዕከን ኩሉ ናባኺ ዓሰለ ኣይኮነን  ሓበሬታ  ጥራሕ  ዝወዓለ ኣስተምህሮኺባ   ንኹሉ   ዘጥለለ ብድሆኺባ   ንተጻባኤቲ   ዘጸለለ ወላዕክናባ   ክንብል  ተሓምበለ ። ድሒርኪ ተበጊስኪ  ቅድሚት ተሰራዕኪ ታተ እናበልኪ ሎሚምበር ሰዊድኪ ቢ.ቢ.ሲ ኤርትራ ነዊሕ ኢድኪ ሓበን ተቓዉሞ  እንቓዕ ተፈጠርኪ ። ይሰምዑኺ ኣለዉ ዋላቶም ጎሓላሉ እንተላይ

READ MORE

11/03/ 2012 Norway ንህዝቢ ኤርትራ ናቐንጸለ ዓንዲሩላ ብጭካኔ ሙሩጻት ጀጋኑ ዝቐዘፈላ ንቡዛሓት ኣቦታት ኣደታት ዘንብዓላ ንምቕባር ታኣጊዱ ከምዘይ ተወልደላ ውጽዕቲ ኣደ ሎምስ መርገማ ዓሪጉላ ናይዝጊ ክፍሉ ንጥፍኣት ዝቓልስኻ ስልጣኑ ኸተናውሕ ተረጋም ጎይታኻ ንምሸቱ ከም ፈርሲ ብዕራይ ጉሒፉካ ን2ሜትሮ መቓብር ጉድጓድ ከሊኡካ መድሕንካ ዝተቐብሮ ብገዛእ መሬትካ ንምሸቱስ ታኣምራታዊ ጉድ ረኺብካ እንቋዕ ኣይትሪኦ ሓንሳብ ብድድ ኢልካ ምፈለጥካ ክንደይ ህዘቢ ከም

READ MORE

ሓላል ለዋህ በላሕ መስተውዓሊት ርህርህቲ ወላዲት ንደቀይ በሃሊት   ፍሕሹው ገጸባህራ ፍቅሪ ንረክበሉ ልሳና ጡዑም መዝሙር ሂወት ንዘርኣሉ   ደኺመ ከይበለት ደቓ ትዓናግል ንጽባሕ ተቓምት ኣርሒቓ ተስተብህል እንተ ሕጂ ግን ጻዕረ ሞት ሒዝዋ ገጻ ተጸዊጉ ሕብራ ተደምሲሱ ዓይና ደም ዝዒጉ   ፈናጅል ኣዒንታ ሕብሩ ተቐይሩ ብገበታ ንብዓት ቀይሕ ደም ኣስፊሩ   ከም ቆልቃል

READ MORE

ብገዛኢ ኪዳነ ኣደይዶ ክብለኪ ወላዲተይ ኣደይዶ ክብለኪ ሓዛሊተይ ኣደይዶ ክብለኪ ሓብሓቢተይ ኣደይዶ ክብለኪ መዕበይተይ ሓፍተይዶ ክብለኪ ካልኣይተይ ጎድነይዶ ክብለኪ ኣካላተይ መትነይዶ ክብለኪ ህዋሳተይ ብጸይተይዶ ክብለኪ መማኽርተይ ብርሃን’ኮ ኢኺ ባና ናይ ህይወተይ።   ፈራይት ጸጋይት ኣንስተይቲ ጾታ ፍንጫል ጎድነይ ናይ ልበይ ትርግታ መትኒ ልበይ ናይ ናብራይ መሰታ መሰልኪ ክሕሎ ይህበኒ ሩፍታ መሰልኪ ክገሃስ ይሓድረኒ ስክፍታ። ኣንቲ መፋጥርተይ ብርሃን ወርቂ ዘቦ ሎሚ ዘይኮነ ካብ

READ MORE

ብ ኣጋጥሚ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ን ተቓላሲት ኤርትራዊት ዜጋ ብ ዓቕመይ ሕጽር ዝበለት ግጥሚ ንከበርክተላ ካብ ውሽጢ ልበይ ዝፈልፈለ ሓጎስ ይስመዓኒ ብፍናና ከኣ ይኾርዕ:: ኤርትራዊት ዜጋ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ከም ኩሉ ኣባል ሕብረተሰብና ክትጭቆንን ክትምዝመዝን ናይ ግድን ነይሩ:: እንተኾነግን ናታ ጭቆና ፍሉይ ዝገብሮ ኩነት ኣሎ ንሱ

READ MORE

ብገዛኢ ኪዳነ ስምዕዎ እዚ ድምጺ ስምዕዎ’ዚ ኣውያት ኣብ እንዳዓለቦና ኣሎ መሪር ብኽያት፡ ወያ ኣደይ ሓዚና ንዓይ ዝወለደት ኣነ ፍረ ማህጸና ሰፊረ ኣብ ስደት።   ወደይ ጓለይ ኪትብል ዘይሙሱል መሲላ መልክዕ ጥራሕ ኮይኑ ስልማት ማሕዘላ፡ ከም ዘይወለደት በይና ተኾርምያ ሰላም ስኢናታ እታ ትምነያ።   መርዓ ውላዳ ክትርኢ ዝነበራ ሃረርታ ትምኒት ጥራሕ ኮይኑ ገዛ ሓርቢታታ፡ ጓለይ ወደይ ክትብል ናፍቖት ቀለባ ብሚሒር

READ MORE

ባይቶ  ሰሚዔ ብድሙቕ  ኣጣቒዔ ሓቂ  መሲኦሉኒ  ተሓቢነ  ኮሪዔ ጎየሉ ደኺመሉ ዘብዘብ ኢለ  ለፊዔ ኮሚሽን  ዋኒኑ  ምስ  ኣብቅዔ ብስራሕ ብሞያ ንኪዳን ምስ ኣቃልዔ ኩሉ  መሰሎ  ሽግርና  ዘብቅዔ ጸባ  ሰትዩ  ኔሩ ደም ዝነብዔ ። ደግሲ መጺኡ ሕጂ አለኹ ኢሉ ኪዳን በዝን ባይቶ በትን ኣንቆራ  ዝርጋን ንተኣከብ  ሓደ ንኹን ንዝበለ ምዉጋን ደቂ ሰብዓ ሕደጉ ይሕሸኩም ቁርባን ንስኹም ከፊኤኩማ  ሃገር

READ MORE

ብ.ኣበባ ኣብርሃ፡ ቶሮንቶ ካናዳ 04/03/2012 እዞም ዓድና ዘይብሎም ሓቦ ኣብ ደጊኡዶ ይትረፍ ወዲሓወቦ፧ ዞም ዓድና እዞም ዓያሹ ኣይመለሱ ዲዮም ዝብሉ ነቶም ዝገሹ፧ ዞም ዓድና እንታዩ ጎዶም፧ ንቡር ቀብሪ ዝኸልኡ ንወዲ ዓዶም፡ እዞም ዓድና ክብሎም ወይሌኹም! ሎሚ ንኻልእ ኣሎ፣ ጽባሕ ንዓኹም፡ ኣብምንቲምንታይ እዚ ኩሉ ኣብያ፧ ተረኛኮ ኣይትብልን ኳሕኪሓ ኣትያ የእጋሩ ዝብኢ እንዳበልዖ፡ ዝበለ ድሓን ጽባሕ ድማ ኣካሉ ኩላ

READ MORE

ጅግና ኔርካ ተቓላሳይ ተባዕ ኔርካ ተኳሳይ ኣብ ዓውዲ ኲናት ቀላሳይ ዘይተዋላዋላይ ንቕድሚት መራሻይ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ሓምባሳይ ንህይወትካ ዘይትንሕፍ ክሓልፍ በሃላይ ኣብ ክንዲ ብጻዩ ዝውፈ ዘላላይ      ታሪኽካ ተለዊጡኒ እንታይ’ዩ ወሪዱካ ሎሚ                ኩነታትካ ገሪሙኒ ጋህዲ ዲዩ ሕልሚ                  ርእስኻ ኣድኒንካ ፈዚዝካ ብጣዕሚ             መዐንዘዚ ዲዩ ተገይሩልካ ወይስ ዘልሚ   ተዳሂልካ ዲኻ ወይስ ሞይትካ ውሒጡካ ሰልሚ        ደምበርበር እምበር ኢልካ ከም በዓል ጋህሚ ሎሚ

READ MORE

  ተስፋማርያም ወልደጊዮርጊስ 03/03/ 2012 Norway እዞም መንሽሮ ሃገር መንሽሮ ህዝቦም ብጡሙዩ ዝምሕሉ ዝጸገበ ኣምሲሎም ዓዲ ንክመላለሱ ህግደፍ ከይኽልክሎም ዘየለ ዘውርዩ ድኹማት ሸየጥቲ ሕልናኦም ብህግደፍ ሪዒዶም ንህዝቦም ዝኸሓዱ ብደገን ብውሽጥን ንዑቓት ዝተዋረዱ ተቕትሉናለኹም እናተባህሉ ዘይፈግዱ ፍንፉናት ብህዝቦም ኣብ ዝኸዱ ተኸዱ እምነቶም ዘርሓቑ ፈራሓት መንደላሓቕቲ ንጥቕሞም ዝሓልሙ ብመዓቲ ብለይቲ ቆራዲድ ስሚ ሃገር መርዛማት ዓዘቕቲ ጥዑያት ዝመስሉ ናይ ጸልማት ሰለይቲ ህግደፍ ዘዋፈሮም

READ MORE

ኤርትራዊት ኣደ ባዓለልቲ ድርብ ጊደ፡ ትዋጋእ ከምሰራዊት፡ ትወልድ ትዝምድ ከም’ደ።   ናይ ገዛኣ ዘዉዲ፡ ናይ ሃገራ ዕርዲ፡ ናይ ሞራል ማኣዲ።   ኤርትራዊት ምጭዉቲ ምልክዕቲ፡ ወዘሪት ኣፍሪቃ ዓይኒ ከዋኽብቲ፡ ሰፊሕ ልቦንኣ ተማኽር ተዛቲ።   ጅግና ሓፍተይ ኤርትራዊት፡ ብረታ ተሓንጊጣ ኣብ በረኻ ዝሐደረት፡ ሞራል ተጋዳላይ ዝደረበት ዝደርዔት።   ቁልቁለት ወሪዳ ንዓቐብ ትደግም፡ ኒሕ ዝቕናታ ዘይትደክም፡ ናብ መስዋእቲ ትጎዪ ትቕድም።   ናብ ታንክታት ዝደየበት ነብሪ፡ ግንባር ጊንዳዕ ዉዒላቶ ወፍሪ፡ ጎልጎል ኣምሁር

READ MORE

ረሳዕቲ እንዲና ናጽነት ጥራይ-------- እሞ ትምጻእ ረፈረንዱም--------------እሞ ይወዳእ ቅዋም -----------እሞ ይጽደቕ ሽዑ ጉሒላ ------ኽጭፍለቕ ክብሃል ድሕሪ ምጽናሕ ኣሳቢብካ ኩናት ምስ ጎረበትካ ምኽፋት ልብኻ ብኽፋእ መሊእካ ምሽፋት፡፡ ሕጂ ድማ ሓዲሽ ጭርሖ ኩናት እሞ ደው ይበል ዓቃቤ ሰላም እሞ ይእተው ዶብናሞ ይተሓንጸጽ ብድሕሪኡኸ ዓለም ዘርያትና ወያኔ መኻልፍ ጌሮምልና ኣሜሪካ ተጻቢኣትና ሕብረት ኤውሮጳ ስቕ-ኢሎም ርእዮምና ሕብረት ኣፍሪቃ መአከቢ ዘይጠቕሙ ኮይኑና እምበር ንሕናስ---- ጽዒርና--ለፊዕና ብምግቢ ነብስና ክኢልና ጥሜት የልቦን

READ MORE

ወየ ወየ ብስማይ ይምሓርካ ወይ ናይዝጊ ክፍሉ ወየ ወየ ብስማይ ይምሓርካ ወየ ናይዝጊ ክፍሉ ወዮ ዶ ክብለልካ ወዮ ናይዝጊ ክፍሉ ከምዚ ናትካ ክንደይ ዘይበደሉ ናባኻ መጺኡ ተጠቕሊሉ ሓመድ ዓዲ ሲኢንካ ብቐሊሉ ሽማግለ የለን ዓገብ ዝብሉ ብሓደ ሰብ ኩሎም ክታለሉ ገበል ከይውሕጦም ዝተዳህሉ። ወየ ወየ ወየ ሓደ ነገር ክሓትት ናይ ግዲ እንታይ ወሪዱኩም ምስዚ ወዲ ኢድን ጓንትን

READ MORE

                      ወዮም ክልተ ተንኮላት ዝኣልሙ                       ርኢናዮም ኣብ ሞት ክጣለሙ                       ሬሳ ኣብ ሳንዱቕ ተኣጂሉ                       ወዮ ህዝቢ ሰሚሩሉ ቃሉ።                           እንታይ’ዩ እዚ ወረ ኣይድንቅን                         ኣብ ሳንዱቅ ተዓሽጉ ሬሳ ከም ሰርዲን                         ወዲ ክፍሉ ህይወት ውጹዓት ዝሃድን                         ናይዝጊ ኣርሓ ውጹዓት ሎምስ ኣይግድን።                                  ሬሳኻ ኣብ ሳንዱቅ ተዓሽጉ                              ኣብ ጉድጓድ

READ MORE

ብጴጥሮስ ተኽሉ፡ (ሓላዪ) ዘይግዶም ናይ ህዝቦም ተሪር እኩይ ልቦም ሓዊ እንዳሳወሩ ህዝቢ ዘባርሩ፣     መንዮም ንሶም ንፍለጦ’ቲ ጉዶም     ህዝቢ ዘናኽሱ ሓዊ ኣጓጊዶም     ምስ እኩይ ተግባሮም ካብ ምትሕብባር     ምቕላዕ ምድሕርሓር ኢዩ ሰናይ ተግባር፡ እታ ልምዕቲ ኣውሊዕ መጽለሊት ኩልና ቆጽላ ይረግፍ ኣሎ ስኣን ዋና ጨናፍራ ብየማን ብጸጋም ክስልዑ ይልከሙ ኣለዉ ዘይተዓደሉ ቆልዑ፣     ሃገርካዶ ከም እቶን ተቃጽለካ    

READ MORE

ከመይ ቀኒኻ ዓርከይ ሳህለ እንታይ ኣሎ ማይ ዘይጠዓመ ዕላል ሎሚ ቕነ ሓድሽ ዝጠለለ?   ኤእ መሃንዘል ዓርከይ፡ ካባኻ’ዩ ወረ ካብ ነቕጺ ብኢዱ ዶ ተረኺቡ ፍረ፡ ንገረኒ ደኣ ‘ቲ ዝብሃል ዘሎ እንዳ ገብረ-ኣዳል እንታይ ይወረ’ሎ?   ወይለይ፡ ኣንታ መንቃም ኢኻ ድሮ ‘ምብኣር ጨንዩካ ንዓኻ መቸም የለን ካብ ሳህለ ዝሕባእ ህንጥሸው ኣይተርፈካ እሑእ ኩላ’ንዳያ ናባኻ ትመጽእ?   ብኣፈ ኽዱን ድኣ’ዩ ምበር ተዓቝሩ ዘሎ

READ MORE

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርሂስ 19/02/2012 Norway ህግደፍ ይፍሕር ኣሎ ኲናት ክውልዕ ሓላው ወሰን ሎሚኸ ንመኒኻ ክትስዋእ ነዞም ሕማም ዝሓዞም ንህዝቦም ዘጽልእ ንብዓል የማነ ማንኪ ንኾንቱ ክትብጃእ ንዘይ ረብሑ ክትብል ዘርእኻ ክጠፍእ ኣስተውዕል ጅግና ዝብለካ የለን ደጊም ነብሰ ቅትለት ከይመስል ጸሊም መርገም እናፈለጥካ ኣይትጽደፍ ተኣለ ካብ ህጉም ንህዝቦም ዝተሰዉኡ ኣብቂዖም ቅድም ጀጋኑና ንዘላአለም ኣይርሳዕን ታሪኾም ህግደፍ ዝኣጎዶ ውግእ የብሉን ትርጉም ሃገር

READ MORE

ወየ ኣነ! ወየ ኣነ! ወየ ኣነ! ኣንታ ናይዝጊ ብዓል ድርብ ስረ ሓርበኛ ኤርትራ ብትብዓቱ ዝሰኸረ ኣብ ሳንጀርጆ መንደፈራ ዝጀመረ ብሓምሳታት ጀሚሩ ዘናገረ ኣንታ ጠፊእዎምዲዩ ናትካ ወረ ሩስያ ከይዱ ዝተማህረ ምስ ሰናቶር ዝመኸረ ኣመሪካ መጺኡ ዘይሓፈረ ኤናስኣ ንኽምስረት ዘዕገርገረ   ኣመሪካ ገዲፉ ንሜዳ ምስከደ ኣብኡ ጸንሕዎ ክርዳደ ምርዳደ   ኣእተዉዎ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ሓሶት ዝትምህርቱ ብኹምራ   መርዛም ጅግና ዝሓራ ንመንእሰይ ኤርትራ ኣእተወሉ ፈራ   ኣይትሕተቱ

READ MORE

ስምስም ኣለኒ ሰሊጥባ ናበለዩ ዘታለለኒ ወርቂለኒ ብሩርባ ነሓሲባ ናለ ኣዐሹውኒ ህግደፍ ነብሱ ዘይካኣለስ ንዓይ ኩኾነኒ እነሆንዶ ድሮ ተመሊሱ ሓገዝ ይልምነኒ ብጋህዲ ኣጡሚኒ ምባል ኣሕፊርዎሲ ዕሉም ለማኒ ሊኢኹ ወሓለ ኣምባሲ ከይጠፍኡዎ ሰብ ቀርኒ ኣብዑሩ ከጓሲ መሻርኽቱ ድማ እናፈጠ ንህዝቡ ክሃሲ ህግደፍ ዘባህረሮ ዘይተረኽቦ ፈውሲ ህግደፍ ሓቂ ክዛረብዩ ኢልካ ምጽባይ ይሕሸካ ኣትማን ኣራቢሕካ ምፍራይ ህግደፍዶ ሓቂ ዛረብዩ ማሕበረህባይ? ሓንጎልኩም

READ MORE

ደሞክራሲ እንታይዩ መንነታ? እስከ ዘርዝሩለይ መንገዳ ስርዓታ ግልጺ ኢዩ ጠባያ: ሓቂ’ውን ቅናታ መፈለምታ ዕርዕር ትብል: ደሓር ግን ዘይምኖ መቐረታ። *** ደሞክራሲ ንኽትውለድ ብዙሕ’ዩ ጠለባ ብስምዒት “ሆ! ምባል ቀሓር ልባ መዕለቢኡ ዘይፍለጥ ጐልጐል ዲዩ እምባ ቁም ነገር ስሒትካ ኰለል ጓል ዘረባ ከምታ ዝተሓቝነ ልኻይ ዘይጽዕየላ  ኣልባ። *** ትዕግስቲ ትሓትት ፍጹም ምጽውዋር ሰላም ተስፍን ብስርዓት ምክብባር ባህሊ ሓልዮት ትዅስኵስ

READ MORE

ሃዋርያት ናይ ሓሶት እሕሕ እንተበሉ ከተጣቕዕሎም ኣእዳውኩም ትስሕሉ፡ ስለዚ ንሳቶም እንታይ ዘይገበሩ ጉድለቶም ነቒፍካ ክንዲ ዝመሃሩ ወትሩ *ብንሕዳኹም እናተጠበሩ!                              *ብከይብሉኒ ዚብል ስክፍታኹም ሓፋሽ እንክውጻዕ ውሑዳት ክትረብሑ ሕደጉ ወደስቲ ስቓይና ኣይተንውሑ ትፈልጡዎ ምስጢር ኣብ እዋኑ *ኣንጒሑ   *በልሉ እታ ፍርዲ ከይመጸት ጸላምና ወጊሑ ደሓር ካብ ምጥዓስ ሕጂ ተናስሑ! ሕግን ፍትሕን ተሎ ከምቲ እትብልዎ ህዝቢ ካብ ሃገሩ እንታይ ኣውጺእዎ? ናብ

READ MORE

ምርድዳእ ማእረ ይገብር التفاهم سوى دان   ተማቒልካ'ያ ኣለም ተማቒልካ ንበር ህይወት ሃብ ክበር ኣይትቕበር ንበይንኻ ኣይግበርን ቁምነገር ስራሕ ጃብር ኣይኮነ ዋላ ስራሕ ጋብር። የማነ ጀብረ ሚካኤል ከምዚ ኢሉ፡ "ንፋቐር ንሳነ ንከባበር ንእብየት ብልጽግና ንቑምነገር" እሞ ሕበር ስመር ኣይትከበር ኣይተገድድ  ንታሪኽ ናይ ሓባር ኣይትግበር ንበይንኻ  ንታሪኽ ማይ ሓባር ራህርህ ለግስ ልቢ ሰብ ኣይትስበር ራህርህ ለግስ ልቢ ምእመናን ኣይትስበር። ያ ኣላህ

READ MORE

‘እዋእ!’ ዶ ክብለኪ ‘ኢዋእ!’ ንገርኒ ‘ባ እንታይ ከምዘዋጽእ? ክቐረብ ድየ ክርሕቕ ክረግም ድየ ክምርቕ ክጭክን ድየ ክድንግጽ ክዝልል ድየ ክረግጽ ጠፊኡኒ ‘ኳ እንታይ ከምዝመርጽ ኣቕቢጽኪ ከለኺ ስኢነኪ ምቕባጽ! ርኤኺ ‘ሞ ድንግርግረይ ሩሕ ከምዘለኪ ንዓኺ ምሕታተይ፡ ዛሕልኺ ካብ በረድ ቆሪሩ ዕረኺ ካብ ዕረ ዓርዒሩ ደንዚዝኪ ብዝንታ ኣእምሮ ሜትኪ ክንስኺ ድሮ ምቕባጽ ስኢነኪ ፈንጢሰ መኻሮ ናይታ ዝፈልጠኪ እንከለኺ ዋዕሮ ምግናዝኪ ገዲፈ ብኽልተ ሜትሮ እድስቖ

READ MORE

ኣይኮነን ወዲ ሰብ በሊሕ መስተውዓሊ እንስሳታት’ኳ ብዓል ኣድገ በቕሊ ኣብ ክንዲ ብበትሪ ገኒሕካ ብሓይሊ ገራሒ ዘድልዮም ብጥበብ ብዓቕሊ!   መጽዓኛውን’ኮ ሰኸም እንተ ኣብዚሑ ስድሪ ኣይስጉምን’ዩ ንስላዕ ፈሪሑ ጸላእቱ’ዩ ዘውድቕ በእጋሩ ረጊሑ እንታይ ደኣ ንስኻ ሓሞትካ *ገቢሑ     *ሰኪሑ፡ ፈጊዱ፡ ጃጂዩ ጎበዝዶ እኸይድ’ዩ ወትሩ ተገኒሑ ይሓልፍ እምበሪ *ሃጋይን ኣውጊሑ!     *ደልሃመት፡ ጸበባ፡ ወጥሪ   ኣይኮነን ወዲ ሰብ ዝሓስብ ዚዝቲ ወዲ ላም

READ MORE

2012 ብዳሓ ትእቶ ይግበረልና ዓመት ምጥርናፍ ዓመት   እቶ እቶ ኢሳያስ    ቢቲቢቶ፡ ሰላምን ቅሳኔትን ዘይፈቱ    ዘራጊቶ፡ ሕብሩ ዝቃያየር       ነፋሒቶ፡ ዓለም ፈሊጣቶ      ከመይ ድሓን ትእቶ፡ ብዙሕ እዃድአ       ደንጉያቶ። ኣዚና ኣኽቢርናዮ     ኣዚዩ ኣሕሲሩና፡ ጠዋሪ       መራሒ ሲኢና፡ ናብ ስደት ብብዝሒ      ዉሒዚ ህዝብና፡ ተደፈፊረና     ተዋሪድና፡ ተሸይጡ       ኩሊትና ልብና፡ ካብ’ዚ ዝኸፍእ    እንታይ’ዩ ክመጻና። ኣካለ ስንኩላት     ዝርሽና፡ ቖልዑ ኣብጋህሲ    ዝደፍን፡ ብጾቱ ኣሲሩ      ዘማስን፡ ህዝቢ ዘጽንት   መንእሰይ ዘምክን፡ ከምኡ’ዉን    ዝዓጥን  ዝዝምር 

READ MORE

ኣስመራ! ኣስመራ ኸተማ ናይ ቀደም ስማ ኣፍሪቃዊት ሮማ ርእሺ ኹለን ትርከብ ኣብ ዝባን ጎቦ ተኾዲማ ዘይተድክም ተኾሊላ ዘይትምኖ ተሳዒማ ብጽርየትን ብስርዓትን ንኹላተን ቀዲማ ጸሓይ ንግሆ’ምሲሎም ሸሊሞማ  እቶም ጻዕዳ ገጾም ደቂ ሮማ ኣስመራ ኸተማ። ኣነ ዝደሊ!  ካብ በለዛ መብራህቲ ኣበ’ባሻውል ቡቁልቲ ምስ ሞኽባዕቲ ናይ ካራቨል ስፓጌቲ ናይ’ንዳ ስድስቱ  ኮተለቲ ናይ ሳንታ ፋሚልያ ትምህርቲ ናይ ቤት ገርግሽ ኣትክልቲ ብቦጥ ብኻሮሳ ጽሩይ

READ MORE

ናይ ዝተላኣኹዎ ጸብጻቦም ከቕርቡ ኣያ ኣብ ዚጠለቦ ካቢነ ይእከቡ ሓፋሽ ዘይሰምዖ ምስጢር ተዛሪቡ ምዒዱ የፋንዎም መልእኽቱ ኣንቢቡ! ህዝቢ ከይዕምጽ እንተደኣ ጸጊቡ ውሕስነት መግቢ ኢልኩም ምህርቱ ኣክቡ ብተስፋ ኣንብርዎ እናበልኩም ቀሪቡ ዘዕረምርም ዘማርር እንተተረኺቡ ክርዳድ ኣብቲ ስርናይ ከይፈሪ ዓንቢቡ ሕማም ከየልገበ ቀልጢፍኩም ወሽቡ ብቕጽበት ይመሖ ግዜ ኣይትሃቡ! ኢሉ ይሰዶም ኣያ ብጥብቂ ኣጠንቂቑ ካብ ምስጢር መልእኽቱ ቃልውን ከየምሉቑ ሕማቕ ከይቃላሕ

READ MORE

ልዋም ሃገረይ!  መዓልቲ  ኪትካእ ብዓመት መንእሰያትኪ ኪውሕዙ ንጥፍኣት ንስደት ዓይነ-ብርክኺ፡ ብዘይካኦም ዘይብልኪ ክብረት። * * * ክሳብ መዓስ  ክትታለሊ ብመልሓስ እኩያት ጠንቂ ሕሰምኪ ፡ ዘውርዱልኪ መዓት  ግርማኺ ዚድውኑ ከም ሕማም መንድዓት፤ ጸላእትኺ የአንጊዶም ፈተውትኺ ዘባርሩ ሃገራውያን ተመሲሎም ተስፋኺ ዘሕርሩ ኣሰሮም ይደምሰስ፡ ተግባሮም ይመሖ ካብ ሱሩ። * * *  በየን በቘሉ  ሰበርቲ ዝበልዑሉ ጻሕሎም ክርዳድ ዚዘርኡ ጻዕዳ እኽሊ

READ MORE

ሰማይ ልዕሊ ህድሞ ነነጢርካ ተ’ትስዕሞ! ወርሒ ምስወጽአት ብቐዳማይ ኣንቃዕሪረ ሰማይ ሰማይ ዝረኣኹዎ ላዕላይ ቀላይ! ይዕንድርሉ ደቂ ጸሓይ ልክዕ ከም’ዞም ኣብታይ ይጓየዩ ላዕላይ ታሕታይ። ናይ’ቶም ከዋኽብቲ ስነስርዓት ምስ’ቲ ንፋስ ዝነበረ ህድኣት ኣቤት ክጽብቕ ኩሕለይቲ መርዓት ኣቤት ክሰፍሕ ሰጥ ዝበለ ቅርዓት። ኣብ’ቲ ቅርዓት ዘሎ ኽብረት ዝረኣኹዋ መሲሉኒ ንናጽነት መዝሙር ልደት እናዘመረት ምስ መላእኽቲ እናነጠረት። ቡን ምስ ዕጣኑ እናደከረት ናይ ሓዲሽ ዓመት ምስተቖነነት ምስ ዝናን-ባህታን ከምዝፈለለት ካብ’ዛ

READ MORE

ኣዋሳ እንተትልወጢ ብዛላ’ምበሳ ምሃለዎዶ ጣዕሳ? ኣዋሳ ናይ ሲዳሞ ኣዋሳ ንኸብካብ ናይ ናጽነት ንንግሳ ምእንቲ ኽትኮንለይ ጥቓ ድግሳ እንተ ዝልውጠኪ ብዛላም’በሳ ምሃለዎዶ ጣዕሳ። ናጸነት ጓል ናቕፋ ብጉልባብ ናይ ባደመ ተጠሊፋ ብእንዳ ዝናን ባህታን ተጓሒፋ ኣብ ሲናይ ተገሪፋ ከም ቆጽሊ ረጊፋ እንተ ረኸበት ካብ ቦዶዊን ዘናግፋ ሃሰስ ትብል ዘላ መንገዲ ተስፋ ኣዋሳ ድያ ነቒላ ክትድግፋ። ናጽነት! ንኽብለኪ ናጽነት ብሓቂ ድየ ብእምነት መምዘኒኺ’ባ ንገርኒ ብኡነት። ዝሓሰብኩዎ ካብ

READ MORE

ድምጺ ሓቂ ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ ድምጺ ኣሰና ብመጀመርያ ነዚ ዝቐነየ ናይ ኢንተርነት ሽግር ፈቲሕኩም ድምጽኹም ዳግም ስለ ዘስማዕኩሙና ኣዝየ አመስግነኩም። ኣንቲ ድምጺ ሓቂ እንታይ ኢኺ ትብሊ መዓስ ተቐይሩ ራኢስ ትሩቡሊ ዓብደል ጀሊል ኣርኢኽና ኣብ ስእሊ እቲ ሓው መዓመርከ መሓዛ ትማሊ ደሃዩ ሃብና ውዕሎ ኣይትኸዉሊ ስምኪ ልበስዮ ንሓቂ ዶው በሊ! ብኸመይ ቀዛፊ ስልጣን ኣረኪቡ ብሕማምዶ ኮይኑ

READ MORE

ሰማይ ነቢዑ ብኽያተይ  ሰሚዑ ሰማይ ነቢዑ ነዊሕ ተገዚአ ትንፋሰይ ሞሊቑ ቈርበተይ ተናዒቑ ስጋይ ተዓሚጹ ዓጽመይ ደቒቑ መንነተይ  ተጓዕጺጹ ታሪኸይ ተሰሪቑ ቋንቋይ ተናዒቑ ናብ መሬት ወዲቑ ተዋሪደ ተሓሪደ ተሰዲደ ኣብ ገዛእ  ቤተይ ተዓሚጸ ኣብ ገዛእ መሬተይ ተረጊጸ ተዃዒተ ተፋሒረ ተበሲዐ እወ፡ ተመዝሚዘ  ለፊዐ ሽንቲ ርሂጸ ደም ነቢዐ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ በልኩ ሓመድ በሊዐ ንሱ  ከኣ ሓለፈ እንክሓልፍ ብዙሕ ትንፋስ  ኣሕለፈ እንትኾነ ሓለፈ ሓሊፉ ግን ኣይሓለፈን ደጊሙ ተመልሰ ከም’ቲ ወርትግ  ካብ’ቲ

READ MORE

ብጻይ ግበር ብጻይ ቅኑዕ ብጽቡቕካ ዘይቐንእ ቅንዕናኻ ቀሊዑ ዘምጽእ፡ ብጻይ ግበር መስተውዓሊ ቅኑዕ መስመርካ ዘለሊ ክምህ ዘይብል ዘይበሊ፡ ብጻይ ግበር ዘይህንጦ ብልቢ ሓሳቡ ትፈልጦ ብድሕሪኡ ቆርበት ዘይትመልጦ፡ ብጻይ ግበር ብጻይ ቅኑዕ ብተግባሩ ተርኒዑ ዘኹርዕ ዘይጠልም መብጽዓ ዘይርስዕ፡ ብጻይ ግበር ብሂወት ዝሓልፍ ተግባራዊ ብዙሕ ዘይልፍልፍ ኣርኣያኡ ብዙሓት ዘሰልፍ፡ ብጻይ ርአ ኣይተግባዕብዕ ቅኑዕ መስመር ከይትትርብዕ መስጣ’ለዎ ንጹሃት ዘንብዕ፡ ብጻይ ምዘን ከይትቓዝን ከይትጉሂ ህዝብኻ ኣይተሕዝን ኩሉሙሉ ህዝቢ’ሎ ዝመዝን። 08/12/2011

READ MORE

ክብርን ሞጎስን ንኣጋይሽ ዝተቀበሉ፡ ባይታ ዘጣጥሑልና ጉባኤ ክንገብረሉ ፡ ንሰናይ ጉርብትና ማዓልቲ ኣለዎ ኩሉ፡ ንሕና ካኣ ንጽቡቕ ዕድልና ንጠቀመሉ፡ ሎሚ ዝዕመም ጽባሕ ኣይትበሉ፡ የማነ ጸጋም ኣስተብህሉ፡ ንኣና እንበር ንኣይ ኣይትበሉ፡              ሕሰቡ!!!!!!! ኤርትራዊት ኣደ ከመይኮን ትህሉ፡ እወ! ኣደ ግዳያት ሲናይን  ባሕሪን ዝጣሓሉ።   ፖ.ዉድባት፤ ምሁራት፤ ዉልቀሰባት፤ ኩልኹም፡ መንእሰያት፤ ኣደታት፤ ሲቪክ ማሕበራት፤ ኩልኹም፡ ኣብሓንቲ ኣዳራሽ ኣብ ጉባኤ ዘለኹም፡ እንታይ ይጽበ

READ MORE

ደሓን ኩኒ ኪዳን ሰላም ቅድሚ ምፍራስኪ፡ ኣደ ኩሉ ውድብ መጓ’ዪ ስልጣን ኔርኪ። ኣይሓሰብናን ንሕና ትወርዲ ብሕፍረት፡ በዓል ተጸበና ምስጋና ብኽብረት። ጣቕዒት ክኸውን ደዊልኪ ኣብ መድረኽ፡ ሹክረን ክትብልዮም ጉባኤ ክባረኽ። መንእሰይ ክርከብ ታሪኽኪ ተንቲኑ፡ ጽቡቕኪ ክወስድ ሕመቕኪ ጠንጢኑ። ኮደብደብ ጀመርኪ ከንፈርኪ ሓቢጡ፡ ቀባሕባሕ ጀመርኪ ዓይንኺ ፈጢጡ። ዓዲምኪ ዓዲምኪ ተኣኪቡ ህዝቢ፡ ምድላው ተኾይኑ ኣለዎንዶ ፈውሲ። ፈጠንጠን!!!!!!!! ኣጋይሽ ዓዲምኪ ገዛ

READ MORE