Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዛራ ደምኩም

ብዛራ ደምኩም ጸረርታ ኣንጉዕኩም ፍሰሃ ሓጎስ ነጒዑ ጩራ ብርሃን መስዋእትኹም ንሰማያዊ ህዋ በሲዑ እንተ 'ቲ መላኺ ግን መስዋእትኹም ረሲዑ ንማሕላኹም ረጊጹ ከዲዑ። ብዝመኸኽኩሞ ጸሓይና መሊኣ በሪቓ ደስታ ዓሲሉዋ ኤረና ምሒር ወቂባ ጸቢቓ እንተ 'ቲ ኣረሜን ግን ንግምጃ ግርመኣ ጸሊኡዎ ጸሊም ሕብሪ ቀቢእዎ። ብዛራ ደምኩም ሰውሒ ሻኻ በቚሉ ህዝብና ዓሊሉ ዘውዲ ናጽነት

ብዛራ ደምኩም
ጸረርታ ኣንጉዕኩም ፍሰሃ ሓጎስ ነጒዑ
ጩራ ብርሃን መስዋእትኹም ንሰማያዊ ህዋ በሲዑ
እንተ ‘ቲ መላኺ ግን መስዋእትኹም ረሲዑ
ንማሕላኹም ረጊጹ ከዲዑ።
ብዝመኸኽኩሞ ጸሓይና መሊኣ በሪቓ
ደስታ ዓሲሉዋ ኤረና ምሒር ወቂባ ጸቢቓ
እንተ ‘ቲ ኣረሜን ግን ንግምጃ ግርመኣ ጸሊኡዎ
ጸሊም ሕብሪ ቀቢእዎ።

ብዛራ ደምኩም ሰውሒ ሻኻ በቚሉ
ህዝብና ዓሊሉ ዘውዲ ናጽነት ኣኽሊል ተቀቢሉ

እንተ ‘ቲ ተካል ግን ንሓርነት ጓዕጺጹ ቀቢሩ
ናብ ባርነት ቀይሩ።
ብሽያኽ ደም ርሃጽኩም ቆፎና መዓር ፈጢሩ
ንህብና ከማን ቀሲኑ ንመሮር ወፊሩ
እንተ ‘ቲ ገባቲ ግን መዓርና ኣልሚጹ ወዲእዎ
ንንህብና ብሓዊ ለብሊብዎ።
ብግንዖ መስዋእትኹም ማና ተቀቢልና
ሰላም ዝዓሰላ መኣዲ ተረኪብና
እንተ’ቲ ኣራዊት ግን
ንዘረከብኩሙና ማና ብሓይሊ መንጢሉ
ንጓሶታ ኣብ ጉድጓድ ኣጥሒሉ
ንሓርነት ህዝቢ ሂወትኩም ወፊኹማ
ንፍትሕን መሰልን ህዝቢ ኢልኩም ንሞት ሃሪፍኩማ

እንተ’ቲ ጠላም ግን ጠሊሙ ንምልኪ መሪጹ
ንቁዋም ዓምጺጹ ንህዝቢ ረጊጹ።
ቅንዕና መስዋእትኹም ፍርዲ ሓቂ ጎሲዑ
ተሓቢኑ ህዝብና ብኣኹም ኣመና ኮሪዑ
እንተ’ቲ ዓማጺ ግን ንብርሰት ህዝቢ
ብመደብ ሓንጺጹ
ጸልማት ተኸዲኑ ኣሽሓት ለቕሚጹ።
ብመስዋእትኹም ቤት ማሕቡስ ፈሪሱ
ጥዑም ኣየር ጥሉል ንፋስ ነፊሱ
እንተ ‘ቲ ጋኒን ግን ኣጋንንቲ ኣብዚሑ
ቁጽሪ ኣልቦ ሲኦላት ሰሪሑ።
ሃንደበት እንተዝቕየር ሕጊ ናይ ተፈጥሮ!
እንተትምለሱ ክትርእዩ ውጽኢትኩም

ምበኸኹም ዝርንዛሕ ምነባዕኩም

ወዮ መላኺ ተቆጢቡ

ካብ ምህናጽ ነባሪ ሓወልትኹም

ናይ ፑሽኪን ሃኒጹ ከጥፍኦ ዝኽርኹም

እንቋዕ ኣይትርእዩዎ ህዝብና ብኸርተት ሰቢሑ

ምንባር ኣጽሊእዎ ብምልኪ ጋኒን ሰኪሑ

ኤረና መፍቶ ተበለጽቲ ኮይና

ንስለ ህዝባ ዝማጎት ዓገብ ዝብለላ ስኢና

ንዓኹም ንይምሰል ይዝክር

ንሱ ንኽነብር ህሉዋት ይቐብር

ሃገር ተጻዒራ ብቕሉውላው ሕማም ሕርሲ

ብሕማም ደሓር ተቖልያ ስኢና ፈዋሲ

ሓደ ጋኒን ንኽጥዕሞ 5 ሚልዮን ህዝቢ ተዋሪዱ

ገለን ተቐቲሉ ገለን ተሰዲዱ

’ታ ብሂወትኩም ዝመጸት ሃገር ብዝብኢ ተበሊዓ

ዘድሕና ስኢና ብዓውታ ጸዊዓ

ኣጆኹም ግን

እታ ብእስትንፋስኩም ተተንፍስ ዘላ ተኽሊ

ጎርቢ ስቓያ ክሓጽርዩ ከም ታሪኽ ትማሊ

ክትስውሕ’ያ ክትጭብጭብ ክትዕንብብ ክትፈሪ

ሰላማ ክትውንንያ ክትማሙቅ ብፍቕሪ

ዋጋኹም ህያው’ዩ አብ ልቢ ዝዝንቢ
ተወሪቑ ዝነብር አብ ሕልና ህዝቢ

በሉ ክትፈልጡ
ርዝነት መስዋእትኹም ሰማይ’ዩ ደረቱ

መምዘኒ ሚዛን ምተሳእኖ መዐቀኒ ክብደቱ

ቅያ ጅግንነትኩም ዓለም’ዩ  ኣሰንቢዱ

ዉጹዓት ዓንጊሉ ህዝቢና  ኣበዱ
ኣጆኹም ኣሎና

ተላዒሉ’ሎ መንእሰይ ንምልኪ ከዕኑ

ሕድርኹም ከተግብር ናይ ሰላም ዕማሙ

ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ቃልኩም  ቃል ናይ ትማሊ

ዕምሪ ሃገር ከናውሖ ንጽባሕ ከሳሊ
ንኸተግብር  ሕድሪ ማሕላ መብጽዕኡ
መላኺ ከርሕቕ ክንሰጎ ካብ ቤቱ
ምድራዊት ገነት ክትስመ ሃገርሩ
ሰላምን ፍትሕን ክረክብ ህዝቡ

ቃልስና

ሕድሪ ስውኣትና ኣብ ተግባር ምውዓልዩ

ቃልስና

ዲሞክራሳዊት ኤርትራ ምፍጣርዩ

ቃልስና

ስድራቤት ስውኣት ምንባይዩ

ሓደራ

ዘለኣለማዊን ዘይነጽፍን
ክብርን መጎስን
ነቶም ብርሃን ከይረኣዩ ብርሃን ዝሃቡና
ንጀጋኑ ሰማእታትና።

ሰላምይንገስ (ወዲደባስ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT