Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጋረጃ ይቀንጠጥ 25!! – ንዝኽሪ ተጋዳላይ ሰኣላይ ስዩም ጸሃየ

ንዝኽሪ ተጋዳላይ ሰኣላይ ስዩም ጸሃየ!!!!!!!!!!!!!!! ተጋዳላይ ስዩም ክንዝክሮ!!!!!! መዓልቲ ነዊሑና በዚሑ ቆጸሮ ህቡብ ጋዜጠኛ ባዕሉ ዝፈጠሮ ንሱ ኣይነበረን ናትካ ምህሮ ሕልናኻ ዝመሃዞ ክኸውን ገበሮ ተጋዳላይ ሰኣላይ ማንም ዘይጀመሮ ስዩም ጸሃየ ብዓል ሰፊሕ ኣእምሮ። ስዩም ጸሃየ ወዲ ደቀምሓረ ወዲ ኣስመራ ኣብ ኩሉ ዘሕበረ ዝፍለዮ ዘይብሉ ምስኩሉ ዝመኸረ ጸገም

ንዝኽሪ ተጋዳላይ ሰኣላይ ስዩም ጸሃየ!!!!!!!!!!!!!!!
ተጋዳላይ ስዩም ክንዝክሮ!!!!!!
መዓልቲ ነዊሑና በዚሑ ቆጸሮ
ህቡብ ጋዜጠኛ ባዕሉ ዝፈጠሮ
ንሱ ኣይነበረን ናትካ ምህሮ
ሕልናኻ ዝመሃዞ ክኸውን ገበሮ
ተጋዳላይ ሰኣላይ ማንም ዘይጀመሮ
ስዩም ጸሃየ ብዓል ሰፊሕ
ኣእምሮ።
ስዩም ጸሃየ ወዲ ደቀምሓረ
ወዲ ኣስመራ ኣብ ኩሉ ዘሕበረ
ዝፍለዮ ዘይብሉ ምስኩሉ ዝመኸረ
ጸገም ዘብሉ ኣብ ኩሉ ዝሓደረ።
ስዩም ሓወይ ዉፉይ ተጋዳልይ
ንሃገርይ እምበር ዘይብል ንዓይ
ትምህርቱ ወዲኡ ነስመራ ጎያያይ
ፈረንሳ ክምህር ኣብ ኣስመራ ላዕላይ
ደሞዝ ቡዙሕ እኩብ ተደማራይ
ራሕሪሕዎ ከደ ክኸውን ተጋዳልይ።
ስዩም ተጋዳልይ ምስ ኮነ ሳኣላይ
ክስ ኣል ዝነበሮ ብዘይ ኣፋላልይ
ንወለዶ ክኸውን ክምዝገብ ብሃላይ
ዝሓለፈ ቃልሲ ከጽንሖ ንመርማራይ
መስኣሊት ተኾልኩሉ ዝነበረ ቀዳሓይ
ቪድዮ ተሰኪሙ ይነጥር ዘላላይ
መዝጊቡ ከምቲ ዝነበረ ዘየ ኣጉዳላይ።
ስዩም እዚ ኣይኮነን ዝግባእ ንዓኻ
እዋይ ዘይርኣየ ክትዘልል ከልኻ
ዝናር ፊልምታት ዝሓዘ መዓንጣኻ
የማናይ ካመራ ጸጋማይ ቪድዮኻ
ብዙሕ መዝጊብካ ኣይረኸብካን ጻማኻ
ዝመሃርካዮም ኩሎም ይኾኑዶ ከማኻ
ምእንቲ ሓቂን ፍትሕን ኢኻ ተበጂኻ።
ተጋዳላይ ስዩም ኣመሪካ ምስ መጸ
እንከዝሮ ኣብ ዋሺንግቶን ዝተቐርጸ
ከርእዮ ወሲደዮ ገዛውቲ ዝተሃንጸ
ኣብ ማክለን ቭርጂንያ እቲ ዝተመርጸ
ንዓይ ገረመኒ ናይ ስዩም ተርባጸ
ሓንሳብ በጃኻ ደው በል በለኒ እንሃጸጸ
እንታ እዩ ጸገሙ ልቡ ተርበጸ
ሳንጣኡ ፈቲሑ ካመራ ኣውጺኡ ቀረጸ
ሓደ ካብቲ ሓደ ስለ ዝበለጸ
ኣፍላማት ወድኦ ዓይኑ እንሃጸጸ
ርእየዮ ብዓይነይ ክስእል እናተረበጸ።
ሃጸይነት ርእይዎም ኣበይ ከምዝነብሩ
ንዓድና ክንሓስብ ክነገር እንክመኽሩ
ነቶም ኣብ ጎዳጉዲ ተሓጺሮም ዝነብሩ
ንእሽቶ ዝዓለሞም! ምንም ዘይዝክሩ
ነበረ ሓስቡ ክምህሮም ነቶም ዝግዕሩ
ከረድኦም ንተጋደልቲ ምንም ዘይዝክሩ
በጀካ ትእዛዝ ምፍጻም ምንም ዘይተማህሩ
ነበረ ዓላምኡ ክብሎም ንኩሎም ከበስሩ
ዝርኣዮ እናሰኣለ ኣከበ ኣብ ማህደሩ
ሒዝዎ ኸደ ጠቓሊሉ ንሃገሩ።
ተጋዳልይ ስዩም ክስእል እንከሎ
ይዘልል ከምዛዒፍ ወይስ ሊሎ
ካብሓደ ናብሓደ ትመርየት ክዘሎ
ይነጥር ካብ ኩርባ ምንም ዘይጎድሎ
ካብ እምባ ናብ ኩርባ እናዘለሎ
መዝጊቡ ብካመራ ብቪድዮ ከምዘሎ
ታሪኽ መዝጊቡ እዩ እዋን ዝዓደሎ
ዘስካሕክሕ ይኹን ጅግንነት ዝዓሰሎ
ጠያይትን ባሩድን ብናህሪ ከይምንጥሎ
ናትና ኮነ ናይጸላኢ ብዓረር ክቕሎ
ዝተረፈ የለን ኩሉ ኣቡ ኣሎ
ስዩም ጅግና ክብለካ ዘይብልካ ጎደሎ
ዒራዒሮ ኣይኮነን ነይሩ እቲ ጎሎ
ሃገርና ስለዝኾነ ፍትሒ ጎደሎ።
ኣንታ ስዩም እንካዕ እኳ ወለድካ
ኣይምርዕን ኢልካ ብዙሕ ጸኒሕካ
ፍቃድ ኣምልክ ኮይኑ ተዓዲልካ
ሳል ዝተመርዓካ ሳላ ዝወለድካ
ዓቢይን በይሉልን ክልቲኤን ደቅኻ
ዘይትርእዮን ዘይትሰምዕን ዓለም ፈለጠካ
እንሆ ጻማኻ ይንገር ብሙያኻ
ይንገር ኣሎ ምእንቲ ፍትሒ ብምጥፋእካ
ይንገር ኣሎ ሽግርካ ጸገምካ
ዓቢይ በይሉልን ዓብየናልካ
ታርኽ ጽሒፍካ ብስራሕካ
ሕጂውን ይድገም ብደምካ
ተጋዳላይ ሰኣላይ ብዙሕዩ ጻዕርኻ
መዓልቲ ኣሎዩ ክግለጽ ሞያኻ።
ህቡብ ጋዘጠኛ ነርካ ኣብ ግዜኻ
ኣበይ ከይርሳዕ ንፕረሲዳንት ሕቶኻ
ሰልፊ ነጻነት ብምስጢር ኣቑምካ
እንታዩ ውሕስነት ሕጂኸ ምብታኻ
ብሓቂዶ ሓቒቓ ነበረ ሕቶኻ
ኣጋፈርቲ ሓኒቖም ኣውጽኡኻ
ስዩም ሓላይ ናይ ዉጹዓት ኢኻ።
ጠላማት ህግደፍ ማፍያ ክፈርሱ
ህዝብና ክነብር ብሰላም ክሰሱ
ክንርእዩ ኩሉ ኣግማድ ክብጠሱ
የርእየና ውድቐት ንተንኮል ዝፈሓሱ
ተስፋ ንገብር ዕራዒሮ ፈሪሱ
ጀጋኑና ክንሪኤኩም ክትካሓሱ
ሕግን ፍትሕን ክነብር ነጊሱ።
ውድቀት ንማፍያ ህገድፍ
ሃይለ ገብረትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 24 ሓምለ 2013
ሰፊርካ
ጽንኩር መድረኽ ተወዲኡ ጸድፊ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

POST A COMMENT