Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መሶብ ፍትሒ!

መሶብ ፍትሒ!   እዛ መሶብ ፍትሒ *ሊሰዩም ኣሰና           *ኣስተምህሮታት ዚወሃበሉ ፍሉይ ኣዳራሽ እዛ ደብተር ኩሉ’ወ ገላጺት ሓሳብና እዛ ልሳን ውጹዓት እተድምጽ ቃልና እዛ ሜዳ ቃልሲ ሰውራ ሓርነትና ኣጽዋር ከይጎድላ ዋልታ መኸተና          እጃምና ከነወፊ ከም ዓቕሚ ጁባና ሕድሪ ትብል ኣላ ናይ ቃልሲ ደጀንና!   ሃየ በሉ ኣሕዋት

መሶብ ፍትሒ!
 
እዛ መሶብ ፍትሒ *ሊሰዩም ኣሰና           *ኣስተምህሮታት ዚወሃበሉ ፍሉይ ኣዳራሽ
እዛ ደብተር ኩሉ’ወ ገላጺት ሓሳብና
እዛ ልሳን ውጹዓት እተድምጽ ቃልና
እዛ ሜዳ ቃልሲ ሰውራ ሓርነትና
ኣጽዋር ከይጎድላ ዋልታ መኸተና         
እጃምና ከነወፊ ከም ዓቕሚ ጁባና
ሕድሪ ትብል ኣላ ናይ ቃልሲ ደጀንና!
 
ሃየ በሉ ኣሕዋት ሻማ ሻማ ንበል
ድምጽና ቀጻሊ ከንጎድጉድ ብማዕበል
ሓደራ ውፉያት ሎሚ ሓቦ ንበል
ምልኪ ተነቒሉ ፍትሒ ንኺትከል
ልደት ሓርነትና ኣብ ፎርቶ ኪጽንበል
ፎርሳ ደቂ ዓደይ ኢደይ ኢድካ ንበል!
 
ኣይኮነን ንኣሰና ንድምጺ ውጹዓት
ንድሕነት ህዝብና ካብ ሕሰም ካብ ጥፍኣት
ንህግደፍ እኳኒ ነዚ ኣጽናቲ ስርዓት
2% ዝኸፍሉ ጸወርቲ መንድዓት!
 
ንሕና ግዳ ንሓርነት፡ ንመሰልን ፍትሕን
ህዝብናን ሃገርናን ካብ ጥፍኣት ከነድሕን
ቊሩብ ወስ ንምባል ኣብ ሰሙንን ወርሕን
እንታይ ኣድሊዩና ዓዳምን መራሕን
ጸሓይ ከየብረቕካ መሬት ኣይወግሕን
ንኺድ ደኣ ኣሕዋተይ ናብ ግብርን ስራሕን!
 
ሃየ’ወ ነበርክት ኣሕዋት አእጃምና
ብሓባር ክንሓፍስ ምህርቲ ዓወትና
ብዘይካ ውፉያት መን ኣሎዋ ኣሰና
ፈተውቲ ነቕስን ጸላኢና ኣንቢዕና!
 
ነዛ በላሕ መርፍእ ፈትሊ ንኽንኮና
ትጽውዓና ኣላ ክትሰምዕ ድምጽና
ኣጆኺ ንበላ ከምቲ ናይ ቀደምና
ኣስመራ ክንኣቱ ምልክነት ኣሊና
መኸተን ዓወትን ብርሃን’ዩ ቅድሜና!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ሓውኹም መሲናስ 01-08-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • rahwa August 2, 2014

    Mesinas well done! what a wonderful poem! you are right Assenna’s contribution in fighting the dictatorship is unparalled. that is the reason we support it. our support in every possible way helps it flourish. it is serving us the people of Eritrea with best intentions. thank you Mesinas. long live Assenna.

  • Dhab August 6, 2014

    i am grateful to you for this beautiful poem. people like you teach us a lot my dear brother. most importantly though you show us how great our language is and how beautiful when used properly. keep up the fight. by the way i hope you don’t mind me posting your poem under the Australia Assenna friends call. thank you once again. God Bless you.

  • Messinas August 10, 2014

    ዝኸበርኪ ክብርቲ ሓብቲ ደሃብ ብመጀመርያ ስለ’ቲ ዝሃብክኒ ዓቢ ክብርን ኣድንቖትን ብልቢ አመስግነኪ። ብምቕጻል፥ ኣብ ቋንቋኺ ዘሎኪ ልዑል ክብርን ፍቕርን ኣዝየ አድንቐኪ። ከምቲ ዝበልክዮ ከኣ ቋንቋናን ባህልናን ብዘይምግናን መዘና የብሉን! ከምኡውን ኣብዚ ሊሰዩም ኣሰና ዚወጽእ ዚኾነ ይኹን ጽሑፋተይ ናይ ውልቀይ ጥራይ ከምዘይኮነ ክሕብር እፈቱ። እንታይ ደኣ ናትክን ናይ ኩሉን’ዩ! ስለዚ፡ ካብዚ ኮነ ካብ ፈይስቡከይ ወሲድኪ ነቲ ዝተጻሕፈሉ ዕላማ ንምውቃዕ ኣብ ድሌትኪ ክትልጥፍዮ ናጻ ኢኺ!

    ደጊመ አመስግነኪ ሓውኪ መሲናስ የቐንየለይ።

POST A COMMENT