Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዲ ገበያ! – ቃለ መሕተት ምስ ሰመረ ገበያ- ወዲ ገበያ

ጋዜጠኛ፡ ሰላም ወዲ ገበያ ወዲ ገበያ፡ ሓደርካ ዝሓወይ ጋዜጠኛ፡ እሞ ወዲ ገበያ፡ ብጸሎትዶ ክንጅምሮ ዕላልና? ወዲ ገበያ፡ ጽቡቕ ሕራይ፡ በስመ ኢሳያስ፡ ወወልደ ኣፈወርቂ፣ ወ ንጉሰ ሳሕለ ናቕፋ፡ ኣሜን! ኣብ ባጽዕ እትነብር መላኺ ስምካ ይወደስ መንግስትኻ ትጽናዕ፣ ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገርውን

ጋዜጠኛ፡ ሰላም ወዲ ገበያ
ወዲ ገበያ፡ ሓደርካ ዝሓወይ
ጋዜጠኛ፡ እሞ ወዲ ገበያ፡ ብጸሎትዶ ክንጅምሮ ዕላልና?
ወዲ ገበያ፡ ጽቡቕ ሕራይ፡
በስመ ኢሳያስ፡ ወወልደ ኣፈወርቂ፣
ወ ንጉሰ ሳሕለ ናቕፋ፡ ኣሜን!
ኣብ ባጽዕ እትነብር መላኺ
ስምካ ይወደስ መንግስትኻ ትጽናዕ፣
ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገርውን ይኹን፣
እቲ ናይ ሓሶት ተስፋኻ ኣይተቋርጸልና
ናይ ዕለት እንጌራና ብኩፖን ምዕዳል ኣይትኽላኣና፣
ካብ መግዛእትኻ ሃዲምና
ስለ ዝተሰደድና ይቕረ በለልና፣
ከምቶም ናይ ጥፍኣት ጉዕዞኻ ብምቅዋሞም፡
ጨዊኻ ዘሕቐቕካዮም ከይንጠፍእሲ
ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፣
ከምቲ ንስኻ ይቕረ ዝበልካልና
ንሕናውን ነቶም ነቒሖም ንምልክኻ ዝቓወሙ ከነደቅሰልካ ኢና፣
ኣብ ብልሽውናን ገበንንውን ከነኣትዎም ኢና፣
ንተጻብኦ ወያነን ኣመሪካን ክንምክተልካ ኢና፣
ስልጣን፡ ሓይልን ምልክን ንዘልኣለም ናትካ’ዩ እሞ ኣሜን!
ጋዜጠኛ፡ ጽቡቕ ሕራይ ወዲ ገበያ፡ በል እስከ ናብ ሕቶና ክንኣቱ፡ ብጐደናታት ኣስመራ ክንጅምር፡ ስለምንታይ እዮም ህግደፍ ነዚ ጐደናታት ኣስመራ ንኹሉ ፈሓሒሮም ዝገድፍዎ ዘለዉ ትብል?
ወዲ ገበያ፡ ደቂ ኣስመራ ኣዝማሪኖታት ስለ ዝኾኑ፡ ከምቲ ኣብ ግዜ ደርጊ ካብ ብህራዊ ውትህድርና ንምህዳም፡ ኣብ ኣንደር ግራውንድ ዝሕብኡ ዝነበሩ፡ ሕጂውን ካባኻትኩም ኮብሊሎም ኣብ ትሕቲ መሬት’ዮም ተሓቢኦም ዘለዉ ስለ ዝበሉዎም እዮም ክገፍዎም ዝኹዕቱዎ ዘለዉ!
ጋዜጠኛ፡ ኣሃ፡ ሕራይ፡ ኣድጊ ብምንታይ እዩ ዝመውት ወዲ ገበያ?
ወዲ ገበያ፡ ብመንደፍ
ጋዜጠኛ፡ ኤርትራዊኸ?
ወዲ ገበያ፡ ብህግደፍ!
ጋዜጠኛ፡ ዕጫ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ከመይ እዩ ዘሎ ወዲ ገበያ? እስከ ንገረና?
ወዲ ገበያ፡ ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ልክዕ ከም ኣቕሓን እንስሳታትን ምሻጥን ምልዋጥን ከምኡውን ስም ምቅይያርን’ዩ ኮይኑ ዘሎ ዕጫኡ።
ጋዜጠኛ፡ ከመይ ማለትካ’ዩ ስም ምቅይያር?
ወዲ ገበያ፡ ሎሚ ኤርትራዊ ናጽላ ዉልድ ምስ በለ፡ ወለዱ ወልደእዝጊ ኢሎም’ዮም ወለዱ ሽሙ ዘጠምቑዎ፣ ጎቢዙ ኪመሃር ምስ ጀመረ ኸኣ ተማሂሩ ኣብ ስራሕ ኪኣቱ እዩ’ሞ ሞሳና ኪኸፍለና’ዩ ብምባል፡ ሞሳእዝጊ ይብሉዎ፣ ትምህርቱ ወዲኡ ኣብ ክንዲ ፍረ ጻማ ወለዱ ዚኸፍል ግን ህግደፍ ብሓይሊ መንዚዑ ናብ ታዕሊም ምስ ወሰዶ፡ ኣምላኽ ጽንዓትን ሓይልን ይሃቦ፡ ይሃበና ኢሎም፡ሓይለእዝጊ ይብሉዎ፣ ታዓሊም ምስ ወደአውን ኣብ ክንዲ ንገዛኡ ዝምለስ፡ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ይምደብ’ሞ ወድና ጊላ ህግደፍ ኮይኑ ኢሎም፡ ጊላእዝጊ ይሰምዩዎ፣ እቲ መስኪን መንእሰይ ብኹሉምሉ ግፍዕታት ህግደፍ ስለ ዝመረሮ፡ ተሰዲዱ ናብ ጎረባብቲ ሃገርና ብሰላም ይኣቱ’ሞ ነዚ ወረ’ዚ ዝሰምዑ ወለዱ፡ ወዶም ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ጊላነት ህግደፍ ኣምሊጡ ብውጽኡ ስለ ዘሐጎሶም፡ ጽቡቕ ገበረ ብምባል፡ ገብረእዝጊ ይብሉዎ፣
ብድሕሪ’ዚ ናብ ሃገራት ምዕራብ ጉዕዞኡ ብምቕጻል፡ ኪሓልፈሉ ብምትስፋው ከኣ ተስፋእዝጊይሰምዩዎ፣ ናብ ቀዳማይ ዓለም ንምስጋር፡ ኣብ መገዲ ማለት ኣብ ምድረበዳታት ሳህራን ሲናይን ከምኡውን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብሓደጋ እንተ ሞይቱ ኸኣ ኣምላኽ ስለ ዚሓረዮ እዩ ወሲዱዎ ኢሎም፡ ናይእዝጊ ይብሉዎ፣ ዕድል ጌሩ ሓያል መሰናኽላት ሰጊሩ፡ ኣብ ዓዲ ጓና ኣትዩ፡ ዕቑባ ምስ ሓተተውን ኣምላኽ ኣማዕቚቡዎ’ዩ ኢሎም፡ ዕቑባእዝጊ ይሰምዩዎ፣ ስደት ዓዲ ጓና ተሰማሚዑዎ እንተ ጥዒሙዎ ድማ እንቋዕ ጠዓሞ ወድና ኢሎም፡ ጥዑምእዝጊ ይሰምዩዎ፣ ኣብ ስደት ተማሂሩ ብምዕዋት፡ ሰሪሑ ገንዘብ ከእቱ እንተ ጀሚሩ ኸኣ ፍረ ጻማ ጻዕሩ ረኺቡ ኢሎም፡ ፍረእዝጊይብሉዎ፣ ከም ትጽቢቶም ለይትን ቀትርን ሰሪሑ፡ ነቶም ‘ወድኹም ስለ ዝሃደመ 50 ሺሕ ቅርሺ ክፈሉ!’ ኢሉ ህግደፍ ዘድከዮም ወለዱ ንምርዳእ፡ ገንዘብ ኪሰድድ ምስ ጀመረ፡ እቶም ገሊኦም ተለቂሖም፡ ገሊኦም ድማ ንብረቶምን ጥሪቶምን ብምሻጥ፡ ንህግደፍ ንምኽፋል ዝተዓድዩ ወለዲ፡ ወድና ዕዳና ከፊሉልና ብምባል፡ ክፍለእዝጊ ይሰምዩዎ፣ ድሕሪ ገለ ዓመታት ብዙሕ ገንዘብ ኣኪቡ፡ ዞኣበየ ቁውም ነገር ኪገብር ምስ ጀመረ ኸኣ ወድና ሃብቲሙ ኢሎም ሃብተእዝጊ ይጽውዑዎ።
ጋዜጠኛ፡ ኦኬ፡ ጽቡቕ ወዲ ገበያ፡ ሓደ ግዜ ኸኣ ብዛዕባ ተማሃሮ ዩኒቨርስት ኣስመራ ገለ ኢልካ ኔርካ እመስለኒ? ክዝክሮ ግን ኣይከኣልኩን። እንታይ ኢኻ’ሞ ኢልካ ኔርካ? ትዝክሮዶ?
ወዲ ገበያ፡ ኣንታ ሓወይ ኣነ’ኮ ህግደፍ ኣይኮንኩን!
ጋዜጠኛ፡ እሂ? እንታይ ማለትካ’ዩ ህግደፍ ኣይኮንኩን?
ወዲ ገበያ፡ እዋእ! ህግደፍ ማለተይ ደኣ ኣብ ሕሉፍ ደው ኢሉ፡ ሓድሽ ነገር ከይፈጠረን ከይሰረሐን፡ ንድሕሪት እናተመልሰን ዝሓለፎ ጉዕዞታት እናጸብጸበን ‘ከምዚ ሰሪሐ፡ ከምዚ’ባ ደጊመ’ እናበለ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ዝነብር ስርዓት! ኣነ ግን ከምኡ ኣይኮንኩን። ነቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎን ዝሰራሕኩዎን ጉዳይ ንታርኽ ገዲፈ፡ ካልእ ሓድሽ ዘይበልኩዎን ዘይሰራሕኩዎን ነገር’የ ክገብር ዝደሊ’ምበር ኣብ ዝሓለፈ ቅያን ዝናን ተሓዚለ ክነብር ኣይደልን’የ። ስለዚ፡ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ዝበልኩዎ ዘረባ ሕጂ ስለ ዘይዝክሮ፡ ክደግመልካ ኣይትሕተተኒ።
ጋዜጠኛ፡ ኦኬ! ተረዲኡኒ። በል ኣብ መወዳእታ ናይ ግለይ ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ ወዲ ገበያ ሓወይ፡
ወዲ ገበያ፡ ሕራይ ጽቡቕ
ጋዜጠኛ፡ ሓንቲ ጓል ኣጋጣሚ ኣፍቂረስ፡ ንሓዳር ስለ ዝደለኹዋ፡ ተመርዓውኒ ኢለያ’ሞ ንሳ ግን ቅድመ ኩነት ኣቕሪባትለይ!
ወዲ ገበያ፡ እንታይ ዚብል ቅድመ ኩነት?
ጋዜጠኛ፡ ክምርዓወካ እንተደሊኻስ ንቕድም ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ኩን ኢላትኒ’ሞ ኣባል ህግደፍዶ ክኸውን?
ወዲ ገበያ፡ ኦኦኦኦኦ! እዚኣስ ኣማውቱና’ያ ዝሓወይ! ተጠንቀቕ!
ጋዜጠኛ፡ ሕራይ ወዲ ገበያ ሓወይ። የቐንየለይ!
ካድር ኔሩ ንሱ ድቁስ ዘበራብር
ጽሉል ተመሲሉ ብዋዛ ዚመክር፡
የዋሃት ምዒዱ ዘለብም ዘጉርሕ
ንማእሰርትን ግፍዕን ናይ ህግደፍ ዘይፈርሕ
ጅግና ኔሩ ወዲ ገበያ ድላዩ ዝሰርሕ!
እቲ ወዲ ገበያ ሓድጊ ናይ ዘጎንፎ
*ኤምፒ ሓደ እዋን ምስ መጸ ኪገፎ       *ወተሃደራዊ ፖሊስ
መመኽነይታ ኣቕሪቡ ብሰላም ኪገድፎ
ሕሙም’ዩ እዝስ ኢሉ ስለ ዘይነሓፎ፤
ጠጠው ስለ ዘበሎ መንቀሳቐሲ ኢሉ
ካርታ ናይ ኤርትራ ኣብ መሬት ስኢሉ
እቲ ኤምፒ ፈዚዙ እናረኣዮ ደው ኢሉ
ካብታ ካርታ ወጸ ሕንጻጻት ዘሊሉ!
ኣንታ እንታይ ኢኻ ትገብር ዘለኻ
ሃበኒ እንዶ ቀልጥፍ መንቀሳቐሲኻ፡
ምስ በሎ እቲ ኤምፒ ናብኡ ቅርብ ኢሉ
ብረቱ ጨቢጡ ከይሃድሞ ኣዳህሊሉ፡
ወዲ ገበያ ግን ኣፍ ልቡ ነፊሑ
ናብቲ ዕሱብ ህግደፍ ኣእዳዉ ዘርጊሑ፡
ካብ ግዝኣትካ ወጺአ እናረኣኻኒ
መንቀሳቐሲ ኢልካ ተፈራራሓኒ
እንታይ እየ ጌረካ ሰላም ዘይትህበኒ!
ኢሉዎ ኪኸይድ ጉዕዞ ምስ ጀመረ
እቲ ኤምፒ ብቕጽበት ካላሽን ዓመረ!
ጽናሕ ከይትትኩስ ኣለኹ ምሳኻ
ኣብ ልዕለይ ትጭክን ኣይሓወይ እንዲኻ!
ኢሉ ምስ ሓተቶ በደሉ ኪነግሮ
ኤምፒ ግን ነዲሩ ዘሊሉ ኪጥሕሮ
ኣእዳዉ ንድሕሪት ጠውዩ ኣሰሮ!
ኣንታ ሓወይ ናተይ መሓረኒ በጃኻ
ሃገረይ ገዲፈ ኣነ ብሰንክኻ
ሃጽ ኢለ ኪጠፍእ ተረሓቕኩ ካባኻ
ደድሕረይ ስዒብካ ትኣስረኒ ኣለኻ!
ኢሉ እንተ ለመነ ምሕረት ኪገብረሉ
ኤምፒ ግን *ቀፈዶ ዝያዳ ወንጂሉ!          *ኣሰሮ
ግቡእካ ከይትፍጽም ኪትሕባእ ኮብሊልካ
ቀዳማይ ጌጋኻ ከየጣዓሰካ
ስግረ ዶብ ክትከይድ ካብ ሃገር ወጺእካ
ተወሳኺ ወንጀል ስለ ዝፈጸምካ
ምሕረት ዘይግበኦ ድርብ’ዩ ገበንካ!
ብምባል እቲ ኤምፒ ሒዙዎ ምስ ከደ
ብሕሉፍ መግረፍቲ ስለ ዝረዓደ፡
‘ንኣድጊ እንታይ ይቐትሎ መንደፍ
ንወዲ ገበያ ኸ ህግደፍ!’ እናበለ፡ ከም በጊዕ ብኤምፒ ተጐቲቱ፡ ናብቲ ብተደጋጋሚ ዝተሓየረሉ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተወስደ፡ ዳግም ከምዘይተራእየ እዩ ዝንገረሉ።
ንሰመረ ገበያ፡ መንገስተሰማያት የዋርሶ! ንስድራቤቱ ድማ ጽንዓት ይሃቦም! ድማ ንብል።
ስቓይና ንኺድምደም ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 12-04-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • tre April 14, 2013

    THIS IS SHIT SHAME ON YOU WHOEVER WROTE THIS 1st OF WHY WOULD YOU PICK THE LORD’S PRAYER FOR SOMETHING RUBBISH AND NONSENSE POLITICAL CRAP SECONDLY YOU SHOULD BE CREATIVE THAN COLLECTING AND REPEATING PHRASES FROM DIFFERENT WEB PAGES…I TOTALLY DETEST SUCH CRAP AND NONSENSE. THIS IS LIKE CHEAP TALK FROM SOMEONE CHEAP.PLEASE DON’T INVOLVE THE LORD’S OR THE BIBLE THEME IN ANY OF YOUR CRAP AND CHEAP IDEAS.

  • mimi April 14, 2013

    please!!! please!!!! stupid ppl. stop joking with GODS words. DONT PLAY WITH GODS WORDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDDS!!!!!!!!!

  • mashela April 14, 2013

    this is not funy guys. cos the payers of christian is here written as a jockpeom try to write such poem by muslim prayers and u will see its result at a second.shame on u assena and writer fuck off ur ass. not poletics

  • habte April 14, 2013

    shame on assena ur credibility has reached -89.21. look how far u went way down cheap propaganda.

  • Beraki Yohannes April 19, 2013

    Stop making fun of our prayer please this is very offended to those of us we respect our Christianity. I don’t appreciate seeing this kind of article

  • Senai April 21, 2013

    Well done brother who ever wrote this one is a grate idealist but poor guys who didn’t understand the metaphor, it’s like teaching your idiot brother mathematics and you say… lets say you have two oranges and then you add three more and when you ask him how many would you have then? he would answer “where are the oranges?”
    Great Job!!!

POST A COMMENT