ኣፈ’ርክቡ 17/07/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ኣውያት ኰይኑ ተደፊኑ ቀልቡ ገባር እከይ ጠሊማቶ ልቡ ዘመድ ተሳኢኑ ኣፈ ’ርክቡ የማን ጸጋም ኢሉ ዝረብረበ ክገይሽ ዝጸንሐ ከይሓሰበ ደበኽ ኢላ ወዮ ሓመድ ድበ ካብ ወድ-ሰብ ኣራዊት ዝፈቱ ወዮ ምንጫት ስጋ ናይ ’ሕዋቱ ዋዜምኡ ግብኣተ መርየቱ መርድእ ኰይኑ ደይቦም ኣብ ህድሞ ብዓል ህበይ ብዓል ዘርም-ዘርሞ ንመቓብር ንዑናይ ኣንዲያሞ ቅተል እሰር ጥራይ ዝለመደ ኣልቦ ሕፍረት ነ’ቦ