Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንመን ኢና ንጠርዖ

ዋኑ ከፊኡ፡ ከዊሑ ግዜና፡ ጸገምና ነዊሑ፡ በዚሑ ሓጢያትና፡ ተፈሪዱና ድዩስ፡ ወይስ ተረጊምና፡ ተደራራቢ ሕሰም፡ እንታይ’ዩ በደልና፡ ንመን ኢና ንጠርዖ፡ ሰማዒ ሲኢና፡ መጽለሊ ተሳኢኑ፡ ፈሪሱ ዑናና፡ መብራህቲ ጠፊኡ፡ ጸልሚቱ ገዛና፡ ዝስተ ማይ ሓሪሙዎ ትህዝብና፡ ዝሓርስ ተሳኢኑ፡ ባዲሙ ግራትና፡ ነጸላ ዘርጊሐን፡ ኣዴታት ክልምና፡ ቀንፈዘው ክብሉ፡ ኣቦታት ኣብ

ዋኑ ከፊኡ፡ ከዊሑ ግዜና፡

ጸገምና ነዊሑ፡ በዚሑ ሓጢያትና፡

ተፈሪዱና ድዩስ፡ ወይስ ተረጊምና፡

ተደራራቢ ሕሰም፡ እንታይ’ዩ በደልና፡

ንመን ኢና ንጠርዖ፡ ሰማዒ ሲኢና፡

መጽለሊ ተሳኢኑ፡ ፈሪሱ ዑናና፡

መብራህቲ ጠፊኡ፡ ጸልሚቱ ገዛና፡

ዝስተ ማይ ሓሪሙዎ ትህዝብና፡

ዝሓርስ ተሳኢኑ፡ ባዲሙ ግራትና፡

ነጸላ ዘርጊሐን፡ ኣዴታት ክልምና፡

ቀንፈዘው ክብሉ፡ ኣቦታት ኣብ ጎደና፡

መንእሰይ ክስደድ፡ ናብ ዓዲ ጓና፡

ገሊኡ ክጥሕል፡ ኣብዘይ ብሕርና፡

ገሊኡ ክቕበር፡ ኣብዘይ መሬትና፡

ገሊኡ ክሕረድ፡ ከም ብዕራይ ገደና፡

ዓሳ ባሕሪ ከሲዑ፡ ውሒጡ ሰብና፡

ምድረ በዳ ተርኪሱ፡ ብደም ደቅና፡

ስድራ ቤት ጸኒቱ፡ በሪሱ ዓድታትና፡

ደቅና ንኣርንብ፡ ከይጸንት ሰረትና፡

ዝተረፉ ከይጠፍኡ፡ ብመንገዲ ጾሮና፡

ነይሮም ግን የለዉን፡ ከይባሃል ስምና፡

ሉዑል ኣምላኽ ገኒሑ ክተዓረቐና፡

ንማህለል ንጸሊ፡ ዝዓበና ዝናኣስና፡

መታን ክንብል፡ ኣይሞትናን ኣለና።

                            

 ተዓዛቢ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Berhe Tensea August 29, 2016

    The solution is our hands, to get out this predicament ,the only option popular uprising to remove the cause of all misery by any means necessary that include force.
    Death to the Tembenay and his hopeless coward officials,

POST A COMMENT