ወየ! ኣነ!!! ወየ! ኣነ!!! ወየ! ኣነ!!! ኣንታ እንታይ ተረኸበ ሎሚ ቕነ ማእከልይ ባሕሪዶ ዘቕበበ በለ ኣነኣነ ንዋርሳይ ወዲ ይካኣሎዶ! ኣማሰነ ዓለም ብዓለሙ ኩነታቱ ኣሕዘነ። መንእሰይ ሃገረይ ረጋጽ ዓፍራ ዋርሳይ ዝብሉኻ ረኻቢ መከራ ውልድ ምስ በለ ሃገር ተሓሪራ ንዓወት ዘይኮነት ንመከራ ዕድሚኡ ከይሸወት ሓሪራ ናይ ጥልመት ሰፈር መፈንጠራ ሳዋ ትባሃል መደበር ተቖርቑራ ንኹሉ ተደንቑር ብሓበራ ኣደታት ዓለላ ደጊመን ጨደራ ዉላደን