Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባሕሪ!

ባሕሪ! ግደፍ’ባ ባሕሪ ሎምስ ይኣኽለካ ህይወት ኤርትራውያን ጌርካዮ ቀለብካ *ዓዳይት ኣይተምክን ውላዳ ቀዚፍካ     *ኣረሓሒቓ እትወልድ ሰበይቲ ዓቐኑ ከይጎድል ኪትዕቅብ ምልኣትካ ብንብዓት ኣደታት ወሓይዝ ፈጢርካ! ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ለውጢ ከየምጽእ ምልኪ ዚቐሰቦ ናብ ስደት ኪወጽእ ኣብ ፈቖዶ በረኻ ምድረ በዳ ኣጻምእ *ዕንደ ዝደበዮ ከም እሾኽ ዚወግእ         *ሑጻ ኣብ

ባሕሪ!
ግደፍ’ባ ባሕሪ ሎምስ ይኣኽለካ
ህይወት ኤርትራውያን ጌርካዮ ቀለብካ
*ዓይት ኣይተምክን ውላዳ ቀዚፍካ     *ኣረሓሒቓ እትወልድ ሰበይቲ
ዓቐኑ ከይጎድል ኪትዕቅብ ምልኣትካ
ብንብዓት ኣደታት ወሓይዝ ፈጢርካ!
ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ለውጢ ከየምጽእ
ምልኪ ዚቐሰቦ ናብ ስደት ኪወጽእ
ኣብ ፈቖዶ በረኻ ምድረ በዳ ኣጻምእ
*ዕንደ ዝደበዮ ከም እሾኽ ዚወግእ         *ሑጻ
ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ብኾንቱ ከጠፍእ
መስኪን ኤርትራዊ ስኢኑ መዋጽእ!
ዜጋታት’ዛ ሃገር ሰብኣይ ምስ ሰበይቶም
ስድራ’ዞም ስውኣት’ወ ዓበይቶም ንኣሽቶም
ሓደገኛ ወራር ድሕሪ ምምካቶም
ምልኪ ብምርጋጹ ኩሉ መሰላቶም
ናብ ስደት ኣምሪሖም ንምድሓን ህይወቶም!
ሳህራ ተሳጊሮም ከም ሓዊ ዘንድድ
ጩራ እናኣማዕደዉ ናብ ብርሃን ዚወስድ
ማይ ህይወት ከለኻ ርውየት ዘይተአንግድ
ማዕበል ከቲርካዮም ንሕልፈት ትፈርድ
ኣዕጽምቲ ኣሕዋትና ኣሪና ክንወስድ
ኣንታ ጨካን ባሕሪ ዕድል ዘይትፈቅድ?
ኣደታት ከይቀብጻ ሬሳ ደቀን ሪአን
ከምዛ ዘይሰማዕካ ስቓይ መከራአን
ባሕሪ ብጭካነ ደሃይ ካብ ትኸልአን
ከመይ ኢለን ክቐስና ኣባጽሕ ኣጥፊአን!
ንቡር ካብ ትኸልእ ሓመድ ድበ ቀብሪ
በል ወሓስ ኣግብእ ኣንታ ጨካን ባሕሪ
*ገርዳሊ ዘይብልካ ካብ ኮንካ ከታሪ        *ዳናዪ
ጥርዓነይ ከቕርብ ናብ ልዑል ፈጣሪ
ከም ተኣምር ሙሴ ከቕናዓልካ በትሪ
ሓመድ ኪገብረካ ኣካል ናይዛ ምድሪ!
ህይወት ሰብ ቀዚፍካ ዓሳታት ተብልዕ
ብዘይሕግን ፍርድን *ኣፍለታት ትቐጽዕ                       *ኣባዝ
ወለዲ ኣጉሂኻ ዝርንዛሕ ተንብዕ
*ስእለትን ምሕጽንታን ፍጹም ዘይትሰምዕ                      *ልመና
ፈጣሪ ከም ዘሎ ፈዳይ ሕነ ውጹዕ
ኣንታ *ፋሉል ባሕሪ ጎይታኻ ኣይትረስዕ!                       *ቀይዲ በተኽ
ቋሕ ተበሉ ሰማይ ሰም ተበሉ ቃላይ
ኩሉ ሰማያዊ ዘይብሉ ኣፈላላይ
ብለይቲ ኣስሓይታ፡ ብመዓልቲ ጸሓይ
ሻርክ ከይውሕጦም ሕሱም ተባላዓይ
ዝገብሩዎ የለን ብዘይካ ምጽላይ!
እቲ ለዋህ ፈጣሪ ዘይጭክን ብልቡ
ብሓቂ ዚፈርድ ምስጢራትና ኣንቢቡ
ኣቦ ናይ ድኻታት ዘይውድኦ ሂቡ
ነብሶም ይቀበላ ኣብ ገነት ኣዕቊቡ!
እቲ ልዑል ፈጣሪ ጽንዓት ንስድራቤት ግዳያት ይሃብ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 04-10-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Zeray October 4, 2013

    Some of the news headlines in Italy reads: “Italy mourns” for those who perished in the sea.

    Shame on the leadership in Eritrea- the blood of these innocent Eritreans who were made to flee their country, is in Issayas bloody hands and his supporters.

    May the souls of each of those victims rest in peace, and may God bring his peace to our country.

  • ERITRAWIT October 4, 2013

    Dear Mesinas what a tragic day for all of us we are hopeless at this time u said it all on u poem.And the previous one adetat Eritrea i just don’t understand and when our misery will end.is it possible adetat Eritrea can be heard on the radio? It is dark day for adetat some of our people they don’t use internet.AWET NHZBI ERITREA.

  • Berhe Tensea October 5, 2013

    The only solution is to get rid of the the Temben regime in Asmara. As long as the mafia boss is in pwer the pain and suffering will not stop.

POST A COMMENT