Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጠፊኡና ብልሓቱ እንታይኹን ንምሸቱ!

ጠፊኡና ብልሓቱ እንታይኹን ንምሸቱ ተስፋማርያም ወ/ጊኦርጊስ 05/10/2013 Norway ብናተዮም ዝበሎም ምስተዋረደ ዝፈትዋ ዓዱ ገዲፉ ንሞት ተፈርደ ቀለብ ዓሳ ኮነ ዘይተጸበዮ ዝገደደ ጉድምበር ረኺባ ኤሪትራዊት ኣደ   ባሕርን ህግደፍን  ኣጽኒቶሙና ብጃምላ ከም ኣራዊት ተጓሒፍና እምብዛ በዚሑ ምሒር ደንጽዩና መርገም ድዩስ እንታይ ክንብሊና   ዝወለደት ማህጸን ታይኮን ትብላላ ደቃ ዘፋነወት ካብ ህግደፍ

ጠፊኡና ብልሓቱ

እንታይኹን ንምሸቱ

ተስፋማርያም ወ/ጊኦርጊስ

05/10/2013 Norway

ብናተዮም ዝበሎም ምስተዋረደ

ዝፈትዋ ዓዱ ገዲፉ ንሞት ተፈርደ

ቀለብ ዓሳ ኮነ ዘይተጸበዮ ዝገደደ

ጉድምበር ረኺባ ኤሪትራዊት ኣደ

 

ባሕርን ህግደፍን  ኣጽኒቶሙና

ብጃምላ ከም ኣራዊት ተጓሒፍና

እምብዛ በዚሑ ምሒር ደንጽዩና

መርገም ድዩስ እንታይ ክንብሊና

 

ዝወለደት ማህጸን ታይኮን ትብላላ

ደቃ ዘፋነወት ካብ ህግደፍ ከዋዊላ

ሰላም ምስ ሳኣኑ ምስ ጸበባ ዓቕላ

ንጀነራታት ሸፋቱ ዝኸፈለት ከፊላ

 

መስኪ ኣቦኸ ሰሚዑዶ ይኸውን

ብጓሂ ሓሪሩ ግደሕሰም ክኸውን

ጸሊም መርድእ ኤሪትራዊ ሓዘን

ዝብሎ ጠፊኤዎ እንሆ ይቓዝን

 

ተዛረቢ መሬት ተዛረቢ ባሕሪ

ኮንቱ ከምዝጠፍአ ብዘይ  ቀባሪ

ጠንቁ መን ምኳኑ ኣብርሂ ንገሪ

ኣለኹ ዝብል ናይ ህግደፍ ጠዋሪ

 

ደቃ ዘፋነወት ህግደፍ ከይዎስዱላ

መከረኛ ኣደ ነጸላ ተዓጢቓ ትበኪላ

ኣኻእሎ ይሃባምበር እንታይ ክንብላ

ዝሰምዐ ምሉእ ዓለም ጉህዩ ሓዚኑላ

ብሓደ ኣብ ሕቑፎ ኣደታቶም ዝሞቱ

ናበይ ገጽና ኢና አደ እናሉ እናሓተቱ

ትርጉም ሞት ዘይፈልጡ እናተጻወቱ

ሞት ኣርኪባቶም ጠፊኡናሎ ብልሓቱ

 

ኣብ ኤርትራ ክንድ ማይ ንብዓት ዘኒቡ

በዚ መቕዘፍቲ ሰንቢዱ ብዙሕ ተዛሪቡ

ቶባ ደጊሚሉ ተራጊሙ ዝኣኽሎ ብልቡ

ሓንጎሉ ዘይሩዎ ተጸሊሉ ስሒቱ ቀልቡ

 

ህዝቢ መርገምን ጸሎትን ጥራይ ኮይና

እንታይ ድኣ ይገበር ካብ ተሳእነ ጅግና

ሕጹባት መዓንጣ ከይዶም ገዲፎሙና

ጌና ካብዚ ዝኸፍእ ከይንርኢ የድሕነና

ወፈያ ይሓትት ካብዚ መከራ ክንድሕን

ምሸት ምሸት ተተኣከብካ ዋጋይብሉን

ዘድልየና ዘሎ ሕጹብ መዓንጣ ፈዳይን

ንጀነራላት ህግደፍ ብህጁም ዝርሽን

ኤረና ኩሑሎ ሎምዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • ganshera anbetha October 5, 2013

    ጌና ካብዚ ዝኸፍእ ከይንርኢ የድሕነና

    ወፈያ ይሓትት ካብዚ መከራ ክንድሕን

    ምሸት ምሸት ተተኣከብካ ዋጋይብሉን

    ዘድልየና ዘሎ ሕጹብ መዓንጣ ፈዳይን

    ንጀነራላት ህግደፍ ብህጁም ዝርሽን

    ኤረና ኩሑሎ ሎምዘመን ሓዲኡ
    Dear Tesfamariam Woldegiorgis
    You said the above words in Tigrigna
    Can you start Armed Struggle by coming from Norway instead of drinking DOG MILK and then I am a man I can follow you!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

POST A COMMENT