‘ዘ ጋርድያን፡ ቢቢሲ፡ ሮይተርስ፡ ዝርከቡዎም ዓበይቲ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና፡ እቶም ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፎም ናብታ ብዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ትምራሕ ዘላ ኤርትራ ምእንቲ ከይምለሱ ኣብ ታንዛንያ ብምሽራብ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዝሓተቱ 13 ኣባላት ኩዕሶ እግሪ ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝወሰዱዎ ኣቓልቦ ሂቦሞ ቐንዮም።
‘ዘ ጋርድያን፡ ቢቢሲ፡ ሮይተርስ፡ ዝርከቡዎም ዓበይቲ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና፡ እቶም ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፎም ናብታ ብዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ትምራሕ ዘላ ኤርትራ ምእንቲ ከይምለሱ ኣብ ታንዛንያ ብምሽራብ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዝሓተቱ 13 ኣባላት ኩዕሶ እግሪ ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝወሰዱዎ ኣቓልቦ ሂቦሞ ቐንዮም።
(ሐ)ግዜያውነትን ኣገዳስነትን ባይቶ ዓድታት
ሓረስቶትን ገባሮን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ መፋርቕ ሰብዓታት፡ (ኣብ ሓደ ሓደ ስፍራታት ከኣ ድሕሪኡ’ውን እንተበልኩ) ንዘጋጠሞም ሽግራት ንምፍታሕ፡ ተኻሰስቲ “ዝባን ዳኛ ካብ ድሕረይ ከይትተርፍ፡” ብማለት ሕድ-ሕዶም ተሰራሪዖምን ተኸባቢሮምን ኣብ ባይቶ ይቐርቡ ነይሮም’ዮም። እዚ ባህርያት’ዚ፡ ቀይዲ-በተኽ ዜጋታት ዘይኮኑስ፡ ኣኽበርቲ ሕግን ስነ-ስርዓትን ከምዝነበሩ የርእየና።
ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ንዕለት 17/07/ 2011 አቦ ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተጋ/ ተወልደ ገብረስላሴ ምስ ተጋ/ በሽር ኢስሐቅ ሐላፊ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን
ዋና ሓላፊ ጸረ-ግብረሽበራ ‘ዋይት-ሃውስ’ ጆን ብሪናን፡ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት የመን ብምርካብ ኣመሪካ ኣብ የመን ቅልጡፍ ምስግጋር ስልጣን ክግበር ድሌት ከምዘለዋ ከምዝገለጸሉ ኣሾሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ስርዓት ህግደፍ ትንፋሱ ኣብ ፕሮፖጋንዳ ተንጠልጢላ ንስክላ ኣብ ኣጋ ዕርበት እትነብር ሩሕ ዘላቶ ሰንኮፍ ስርዓት እዩ። ቁሩብ ሰሪሑ እንተዘጋንን ኣይምተጸልአን። ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ካብ ፕሮፖጋንዳ ጸሚቑ እዩ ጣቋ ክፈጥር ዝደሊ ዘሎ። ፕሮፖጋንዳ ተጸሚቑ ምስ ተዘቖቐ ግን ክበታተኽ እምበር ካብ ዘየልቦ ከምጽኦ ዝኽእል ፍረ የልቦን።
ነቲ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ንምንጭታት ኣሰና ብምጥቃስ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ዘቃልሓቶ ዜና ሕቶ ዑቕባ 13 ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኤርትራ፡ Daily Nation ዝተባህለ ጋዜጣ ኬንያ ደጊሙ ኣረጋጊጹዎ።
All but 6 members of the 19 strong Eritrean football club Red Sea’s contingent defect in Tanzania after reaching quarter finals of the Cecafa tournament which has been taking place in Tanzania, till Sunday.
ኣብቲ ኣብ ኣብ ታንዛንዝያ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ Cecafa ክትሳተፍ ዝጸንሐት ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ብዘይካ ሽዱሽተ ኣባላታ ብምሉኣ ማለት 13 ተጻወታ ኣብ ታንዛንያ ዑቕባ ከምዝሓቱ ምምንጭታት ካብቲ ቦታ ንኣሰና ሓቢሮም።
መንግስቲ ኣመሪካ ‘ፓኪስታን ኣብ መኸተ ግብረሽበራ ቁልፊ መሓዛ ‘ያ’ ብምባል ነታ ሃገር ክህቦ መዲቡዎ ዝነበረ $800 ሚልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከምዘበሎ ካብ ‘ዋይት ሃውስ’ ዝተዋህበ መግለጺ ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን።
There has recently been a concerted campaign to rally Erirteans in diaspora in protest against the Security Council sanction imposed on Eritrea.
ናይቲ ውፉይ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ሃብተ ወ/ገርጊስ ድሕረ ባይታን ዝተራኸብናሉ ኣጋጣሚ ምንባሩን ኣብ ትሕዝቶ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ሒዘ ክቐርብ ቃል ኣትየ ምንባረይ ዝፍለጥ’ዩ። ሃብተ ወ/ገርጊስ ንሱ ዋላ’ኳ ክፈልጠኒ እንተዘይኸኣለ፡ ኣነ ግን ኣብ ካርቱም ሕሱር ተግባር ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ኣዓርየ ይፈልጦ ነበርኩ።
ቅልዕቲ ደብዳበ ናብ ኳደረ ህግደፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ፡ ካብ ሃብተማርያም ኣብርሃ፡ ለንደን
Congratulations! We are honored to announce that, with a view to empowering, you, demo.archive.assenna.com’s readers, in every aspect of exercising your rights to freely express yourself and obtain information, we have completed redesigning your information site with a set of new features.
እቲ ብሰንበት 3 ሓምለ ኣብ መሪት ካሌጅ ዝጀመረ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኤርትራውያን ሰሜን ኣሜሪካ ሰኑይ፣ ሰሉስን ሮብዑን ማዓልታት’ውን ኣብ ኢስት በይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ስፖርት ቀጺሉ ድሕሪ ሙውዓሉ እተን ቡሉጻት ሸሞንታ ጋንታታት ናብቲ ሓሙስ ዝግበር ርብዒ ፍጻመ ሓለፋ።
The Ethiopian Government has this year expanded the opportunity it provides to enroll Eritrean refuges to its higher education institutions and has raised that number to 751, sources from Addis Ababa reported.
ዝናን-ባህታን ትርጉም ስኢኖም፣ ናጽነትን-ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢኖም፣ እናበልኩ ዝጀመርኩዎ ጽሑፍ ሳልሳይ ክፋሉ እነሆ።
ናብ’ቲ ቀንዲ ዛዕባ ቅድሚ ምእታወይ ግን ንእሽቶ መብርሂ ክውስኸሉ። ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ፣ ናጽነት ማለት መንነትካ ትዕቅበሉ፣ ውሉድካ ተዕብየሉ፣ ሃብትኻን ባህርያዊ ትዕድልትኻን ከኣ ኣብ ረብሓኻ እተውዕለሉ፣ መጻኢ ዕድልካ ድማ እተውሕሰሉ ጸጋ ኢዩ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።
ዕለት ምእዋጅ ነጻነቱ ብሃንቀውታ ክጽበ ዝጸንሐ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ዋና ከተማኡ ጁባን ካልእ ቦታታትን ‘ታ ሓዳስ ሃገር ብዓቢ ሓጎስን ፈንጠዝያን የምዕሎ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ካብ ደቡብ ሱዳን ሓቢሮም።
ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ንዕለት 16/06/ 2011 አቦ ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተጋ/ ተወልደ ገብረስላሴ ምስ ተጋ/ በሽር ኢስሐቅ ሐላፊ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዝመርሕዎ ሰፊሕ ህዝባዊ አኼባ ንምስልሳል መዲባ ስለ ዘላ ኩሉ ብሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ ኤርትራዊ ተቀማጣይ በርሚንግሃምን ከባቢኡን አብዚ ተባሂሉ ዘሎ ዕለት ንኽሳተፍ ብኽብሪ ትዕድም።
እቲ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣሸባብ ከይለኸፈና ኸሎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጸቕጢ እናተገብረ ምዕረ-ማዕሪኡ፡ እተን ዝደጋገፋኦ ሃገራት ‘ውን ክግጠማ ኣለወን፡ ድሕሪ ምባል ከኣ፡ ‘ብዛዕባ’ቲ ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ትጻወቶ ዘላ መዕነዊ ተራ ጭቡጥ መረዳእታ ኣለና’ ኢሉ። ኤርትራ ከም ሓብሓቢት ግብረሽበራ ክትርቋሕ ከምዘለዋ ‘ውን ኣገንዚቡ።
Published: July 8, 2011 at 1:22 PM
WASHINGTON, July 8 (UPI) — Washington should launch a diplomatic attack against al-Shabaab that extends beyond Somalia’s borders, a House official in charge or terrorism issues said.
Tentative Programme of Work of the Security Council for the Month of July 2011
ትማሊ ዕለት 6 እቲ ንእገዳ ኤርትራ ዝግምግም ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ክካየድ ምዃኑ ብዝነበረና ሓበሬታ መሰረት፡ ብዛዕባ ህልው ምዕባሌታቱ እዋናዊ ሓበሬታ ከነቕርበልኩም ምክትታል ክንቅጽል ጸኒሕና፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዓሚ ዝጀመሮ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ተበግሶ ብዝለዓለ ንምቕጻል፡ ንዝመጽእ ዓመተ-ትምህርቲ ‘ውን 751 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክወስዱ ዕድል ከፊቱሎምስ ድሮ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ካብ ሰዋኪን፡ ሱዳን ተበጊሳ ቀይሕ ባሕሪ ብምቕራጽ ስደተኛታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ምስግጋር ንኣርባዕተ ሰዓታትድሕሪ ምጕዓዛ ቃጸሎ ዘጋጠማ ጃልባ ተሳፊሮማ ዝነበሩ 200 ስደተኛታት ብዘይካ ሰለስተ፡ ኩሎም ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሃለቑ ‘ዘ ጋርድያን’ ዝተባህለ ጋዜጣ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ።
ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ደግሓኤ ካብ ዕለት 30 ሰነ ክሳብ 5 ሓምለ 2011 ኣብ ዘሰላሰሎ 2ይ ስሩዕ ኣኼብኡ፡ ኣብ ህልዊ ዓለማዊ፣ ከባብያዊ፣ ሃገራዊ፣ ውድባዊ፣ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ኣብ ሕቶ ብሄራትን ብሄረ ሰባትን ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባርና ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽንን ኣመልኪቱ ብሰፊሑ ተመያይጡ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላልፉን።
ብዶር የዕብዮ ወልደማርያም
ጠንቂ ስደት ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ኢዮም። ካብአቶም ብኽፋል ክንጠቅስ ምስ ዝድለ፡ እቲ ቐንዲ ዝኾነ ወሰን ዘይብሉ ዕስክርና እሞ ድማ ከምቲ ንቡር ብባልያ ይኹን ብተማልእተኛ ንቤተሰብካ መጠወሪ ገንዘብ ክትሰደሉ ዘየኽእል ኩነታት ብመንግስቲ ኤርትራ ብምድንጋጉ ኢዩ።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሶማል ንዝነጥፉ ከም ኣሸባብ ዝኣመሰሉ ብግብረሽበራ ዝጥርጠሩ ጉጅለታት ብዝህቦ ደገፍ ተወሳኺ እገዳ የንጸላለውሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኬንያ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣብ ተጠንቀቕ ምህላወን Daily Nation ዝተባህለ ጋዜጣ ኬንያ ገሊጹ።
Kenya and its neighbours now want a No Fly Zone imposed on a part of Somalia to cut off arms supplies to the al Shabaab terrorist group.
President Isaias Afwerki’s Eritrean state has been accused of sponsoring Al Shabaab, a Somali militant group associated with the Al Qaeda terror network. Kibaki’s sentiments underline concern about the threat posed to Kenya’s security by Al Shabaab.
ጓል 23 ዓመት ኤርትራዊት ካናዳዊት ኣትለት ለምለም ዑቕባስላሰ ኣብ ቫንኩቨር፡ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ Harry Jerome International Track Classic ቅድድም 800 ሜትሮ ድሕሪ ምዕዋታ ናብ ኣህጉራዊ ሻምፕዮና ተቋምት ምህላዋ The Province ዝተባህለ ጋዜጣ ብኣድናቖት ይገልጽ።
Canadian Lemlem Ogbasilassie (right) wins the women's 800 meter race at the 2011 Vancouver Sun Harry Jerome International Track Classic at Swangard Stadium in Burnaby July 1, 2011. - Photograph by: Ric Ernst, PNG July is always a special month for Victoria-based middle distance runner Lemlem
ብ30 ሰነ 2011 7ተ መንእስያት ዓፈር ብወተሃደራዊ ጅልባ ፈይቨር ዝዓይንታ ካብ ኣርዑት ጭፍጫፊ ስርዓት ህግደፍ ብምህዳም ካብ ጢዖ ተበጊሶም ናብ ወደብ ሑዶይዳ የመን ምእታዎም ተረጋጊጹ። መሓውራት ስለያ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምስ ዘምልከቶም መንግስታዊ ሰብ መዚ የመን ንምምላሱም ጽዑቕ ርኽባት ንምክያድ ምብጋሶም ምንጭታት የሕብሩ።
ብመጀመርያ ቅድሚ ናብ ጸብጻብ ምኻደይ ድምጺ ኣሰና ንዓና ንሰማዕታ ንምሕጓስ ገጻታ ኣስፊሓ ዓምድታት ኣርቢሓ ስለዝመጸት፥ ንኹልና ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ፈተውታን ሰማዕታን ኣሰየ ኣሰና እንቋዕ ሓጎሰና ክብል ይደሊ።
ኢጋድ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ማሕዝነት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ንጽላት ዕደና ናይታ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ክዓልዉ ንዝንቀሳቐሱ ሶማላውያን ተቓወምቲ እትድግፍ ኤርትራ እገዳ ክገበረላ ሎሚ ሰኑይ 4 ሓምለ ከምዝጸውዑ ሮይተርስ ኣፍሊጡ።
ADDIS ABABA (Reuters) – An East African bloc on Monday asked the United Nations and the African Union to impose sanctions on Eritrea’s booming mining sector for its alleged support of rebels seeking to overthrow Somalia’s government.
ተጋዳላይ በሺር ኢስሓቕ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዕለት 28 ሰነ 2011 ምስ ሓላፊ ክፊሊ ኣፍራቓ ኣብ ወጻኢ ጉድያት ዓዲ እንግሊዝ ተራኺቡ።
ንኹልኹም ተቀማጦ ሎንደን ከባቢኣን ህዝባዊ ኣኼባ ትዕድመኩም።
ኣብ ክሊ’ቲ ደቒ-ኣንስትዩ ኤርትራ ተወዲበን ንማሕበራውን ሰብኣውን መሰላተን ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታትን ተራኺብና አብ ሕብረተ-ሰብና ህያው ግደና ንምዕዛዝን ዘኽእለና ሓባራዊ መደባት ንምስራዕ ንኩለን ኣብ ስዕረት ምልካዊ ስርዓት ሃናጺ ኣስተዋጽኦ ክጻወታ ዝደልያ ኤርትራውያን ደቒ-ኣንስትዮ ኣብ ለንደን አብ ዝካየድ ክፉት ናይ ዝርርብን ምምይያጥን መጋብኣያ ብኽብሪ ንዕድም።
መእተዊ ፡-
ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ሓርነቱን ካብ ባርነት ንምግልጋልን ከቢድ መስዋእትን ኩቡር ዋጋን ከፊሉ፡ ኣብ ሃገሩ ሓራ ኮይኑ ክነብርን ብኤርትራውነቱ ክሕበንን; ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሑስ ጸጥታን ቅሳነትን ብዘይ ዝኾነ ብሄራውን ሃይማኖታውን ናይ ቋንቋን ኣፋላላይ፡ ከቢሩ ክነብር ድልየታቱ እዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን ባዕዳዊ ገዛኢ ሓይሊ ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ዘጋጠመ ኣብ ትጽቢት ህዝቢ ኣይነበረን ።