Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 

ሃብቶም ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ሓሙሽተ ክፍለዓለማት ኣቋሪጹ ንዝፈጸሞ ጉዕዞ ስደት እንተአንቱ ምጽሓፍ ብምድራስ ንሕትመት ኣብቂዑዋ። እታ መጽሓፍ፡ እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ሓዱሽ ቤት ከጣይስ ኣብ ዘካየዶ ናይ ዓመታት ጉዕዞ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝረኸቦም ሰባት ንዘርኣዩዎ ጽንዓትን ትብዓትን ዘንጸባርቕ ዛንታታት ዝሓቖፈት እያ።

መሰል ኤርትዊ ዜጋ

ርሑቕ ከይከደና ካብ ኣቲናዮ ዘሎና ኩነታት ክንመሃሮ እንኽእል፡ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ባህርያት ናይ መሰል ሕቶ ኣሎ። ልክዕ ከም ኣካላት ሓንቲ ገረብ ካብ ሕድ-ሕዶም ተነጻጺሎም ክነብሩ ዘይክእሉ፡ ሓንቲ ፖለቲካዊ መሰል ከኣ፡ ካብቶም ዝተረፉ መሰላት ንበይና ተፈልያ ክትረጋገጽ ኣይትኽእልን እያ።

 

ኣቶ ምስግና ገብረትንሳኤ ዝተባህለ ኣቦ 5 ቆልዑ፡ ኤርትራዊ ኣማኒ ጅሆባ፡ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቱ፡ ንሰለስተ ዓመታት መመላእታ ኣብቲ ዊዓ ዝብሃል ግኑን ቤትማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ንሰለስተ ዓመት ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ብ19 ሓምለ 2011 ከምዝዓረፈ ምንጭታት ሓቢሮም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሶማልያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው መግቢ ደርቂ ምዃኑን በቲ ሓደጋ ጥምየት ሚልዮናት ህዝቢ ተጠቒዑ ከምዘሎን ሎሚ 20 ሓምለ ብወግዒ ገሊጹ።

 

ኢጋድ ፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር፡ ናይ ስርዓት ለውጢ ሓላፍነት ህዝቢ ናይታ ሃገር ምዃኑ ብመትከል ይኣምን። ሃገራት ኢጋድ ኣብ ኤርትራ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኣብ ስልጣን ክህሉ ከምዘለዎ ክመርጻ ‘ውን መዝነት የብለንን። ይኹን’ምበር፡ ንሰላምን ምርግጋእን ብ ህውከትን ሽበራን ንምዝራግ ካብ ዝተዓጥቀ ጎረቤት ዘየቋርጽ ስግኣት ክገጥሞም ከሎ፡ ንመንግስታት ሃገራት ኢጋድ ግድል ከምዝኾኖም ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።

 

ቱኒዝያ፡ ሓምለ 20 (UNHCR) ፊልሞን ኣብ ኤርትራ እዩ ተወሊዱ። ካብ ሃገሩ ክርሕቕ ብሂጉዎን ሓሊሙዎን ከምዘይፈልጥ፡ ልቡ ኣብ ኤርትራ ከምዘላ ይዛረብ። እንተኾነ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንሱን ስድራቤቱን፡ ኣብ ነፋሪት ተሳፊሮም ሓድሽ ህይወት ንምጅማር፡ ካብ ኤርትራ ናብ በልጅም ብምምራሕ፡ መሊሶም 5 ሽሕ ኪሎሜትር ርሒቖም።

 

እቲ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ናበናይ ዝተሓላለኸ ከቢድ ዓዘቕቲ ሸሚምዎ ምህላው፡ ኣብዚ ህሞት ካብ ማንም ጥዑይ ስነኣእምሮ ዘለዎ ዜጋ ዝተሰወረ ክውንነት ኣይኮነን።

 

ኣብ ስቴት ዲፓርትመንት ኣመሪካ ተሓጋጋዚ ሰክረታሪ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሚስተር ጆኒ ካርሰን፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጋሂዱ ዘሎ ሕሱም ደርቂ ኣልዒሉ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ጻዕሪ ንምግላጽ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡መንግስቲኤርትራ’ ንኩነታት መግቢ ብዝምልከት ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሓበሬታ ክህብ ኣጥቢቑ ኣተሓሳሲቡ።

ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሰብኣውን ማሕበራውን መሰላተን ንምርግጋጽ ብሓባር ተወዲበን ክቃለሳ ንክበቕዓ፡ ነቲ ዝከየድ ዘሎ ጻዕርታት ብምቕጻል፡ ካልኣይ ኣገዳሲ ኣኼባ ተዳሊዩ ተዳሊዩ ከም ዘሎ ክንሕብር ንፈቱ።

ንሕና ኣባላት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር-ዓባይ ማንቸስተር እዋኑ እዋን ሓባራዊ ዘተን ተኣኻኸብን ተላዘብን ስለዝኾነ ብዛዕባ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ክንዘራረብን ከምኡን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምዕዋት ዝሕግዘና ምስ ራኢና ዝቃዶ እስትራተጂ ንምትላም ክፉት ህዝባዊ ኼባ ንጸው ኣለና::

  ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋልና፡ ነቲ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዝርከብ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ናዚዝታዊ ማሕበር መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣቃሊዕና ኔርና፡፡ ሓደ ካብቶም ኣስማቶም ጠቒስናዮም ዝነበርና ሰናይ ሰለሙን ለማ ዝተባህለ ኣብ ዴንማርክ መራሒ ማሕበር መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ሓደ በዓል ነብሱ ምቁጽጻር ሲኢኑ ንሰባት ስለ ዘጥቅዐ ን40 ምዓልታት

READ MORE

 

ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን እቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ጸኒዑ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ እገዳ ክኸርር ምእንቲ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ምስ ድምጺ ኣሰና ቃለመጠየቕ ዘካየደ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኪዳን ኣቶ በሽር ይስሓቕ ገሊጹ።


ኩልናከምእንፈልጦውድብሕቡራትሃገራትቤትምኽሪባይቶጸጥታኣብ 2009 ብቁ. 1907 ዝፍለጥናይማዕቀብብይን፡ኣብልዕሊምልካዊስርዓትብሰንኪእቲባዕሉዝጻሕተሮውግእምስጂቡትንኣብሶማልነቶምብግብረሽበራምስኣልቃዒዳርክብዘለዎምኣልሸባብኣንጻርመንግስቲሶማልስለዝሕግዝነዚእከይተግባራቱጠጠውከብልኢዩእምበርኣብልዕሊሕዝቢኤርትራኣይኮነን።


ብዕለት 07 ሓምለ 2011 ዓሰርተ ሓደ ኣባላት ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና መንእስያት ዓፋር ካብቲ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ብምህዳም ካብ ከባቢ ዳህላክ ብምብጋስ ናብ ኣልሓያ ዝተባህለት ወደብ የመን ምእታዎም ተረጋጊጹ። ምንጭታትና ከም ዝሕብርዎ ምክንያትመህደሚ ናይዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ኣብ ባሕሪ ዝተረኽበ ዕጭኡ ምርሻን ምዃኑ ዝተመሓላለፈ ኣረሜናዊ ውሳኔ ስርዓት ህግደፍ ብምንጻግ፡ ኣብ ከባቢ ዳህላክ ዓሳ ንምግፋፍ ምስ ወረዱ፡ ፋይቨር ዝዓይነታ ወተሃደራዊ ጀልባ ንምህዳኖም ምስ ተጓየየት፡ ነብሶምንምድሓን ኢዶም ንሰበ ስልጣን ክህቦ ምግዳዶም ይሕብሩ። ዕድመ ናይዞም መንእሰያት እዚኣቶም ካብ 15 – 28 ከም ዝበጽሕ ብድሕሪ ምሕባር ከኣ፡ ኣስማቶም ከምዚ ዝስዕብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣረጋጊጾም።

ዓሰርተ ሰለስተ ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ-እግሪ ክለብ ቀይሕ-ባሕሪ፡ ክሳብ 10 ሓምለ 2011 ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዞባዊ ውድድር ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፎም ናብ ኤርትራ ምምላስ ኣብዮም ኣብ ታንዛንያ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ብዜና ምስተዘርግሐ፡  ኣብ ሳልስቱ፡ ቴለቪዥን ቢቢሲ ኣብ ዘቕረበቶ መደብ፡ ሓደ ሰራሕተኛ ዕቃበ እንስሳታት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ‘ጽምብላሊዕ ቁጽረን እናወሓደ ይኸይድ ኣሎ’ ዝብል መረዳእታ ከምዘለዎም ብምጥቃስ፡ ነቲ ኩነታት ብልክዕ ብምርግጋጽ፡ እቲ ምንካይ ቁጽሪ ጽምብላሊዕ ደው ዝብለሉ ኩነታት ንምፍጣር ስጉምቲ መታን ክወስዱ፡

ብመጀመሪያ ንኩሉ “ሳቦያ ንዳግማይ ምሕራር ህዝብና ካብ ባርነታዊ መግዛእቲ መላኺ ኢሳይያስን ቁንጮ መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን!!” ብምባል ብዓው ዝበለ ስሙር ድምጺ ብደሆ ንምቕያር! ዘቃልሕ ዘሎ መደባት ኤርትራዊ ዜጋ ዝኸበረ ሰላምታይ ይብጻሕካ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኩሎም ካብ ነዊሕ ግዜ ብመንገዲ ኢመይለይ ሃናጽን ኣተባባዕን ርኢቶን መእረምታን ሓበሬታን ዝሰደድኩምለይ ኣሕዋትን ኣሓትን ከየመስገንኩኹም ክሓልፍ ኣይደልን፡፡

ሓላፊ ክፍሊ ሕክምናን ወኪል ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዶክተር ዮሴፍ ግርማይ ዝርከቦም 15 ሓካይም ፡ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ብጥርኑፍ ኣብዚ ሳልስቲ ሱዳን ብምእታው ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምንጭታት ኣሰና ካብ ሱዳን ሓቢሮም።


ዋና ኣሰናዳእን ዌብማስተርን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ Shabait.com ዝነበረ ብዓልፋን ተስፋይ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብ’ዚ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብሰንኪ ዓንዳሪ ባህርያቱ ንጥረዮ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምዕጋት ብጭንቀት ደምበርበር ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ብመንገዲ ልኡኻቱን ሃሱሳቱን ፡ዝውክሉዎም ኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ዘጽንዖም ኤርትራውያን ስደተኛታት መንነትን ኣድራሻን ብምስራቕ፡ ብዘይፍቓዶም፡ ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ዝቃወም፡ ደብዳበታት ይጽሕፍን ይልእኽን ከምዘሎ ሓበሬታ በጺሑና ‘ሎ።

 

ግብጻዊ ኦፕሬተር ሳተላይት ፡ ‘ኣራብሳት’ ን14 መስመራት ቴለቭዥን ሊብያ ደው ከብለን ብናይ ካይሮ ቤትፍርዲ ከምዝተኣዘዘ ‘ራፒድ ቲቪ ኒውስ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።