ፕረዚደንት ቱኒዝያ በን ዓሊ ብሓይሊ- ህዝቢ ካብ ‘ታ ሃገር ክሃድም ተገዲዱ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኢሳይያስ ንዓሊ ዓብዱ ብጥርሙዝ ቢራ ገጹ ስለዝጨደዶ፡ ንኽልተ ሰሙን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ቀንዩ። ክሳብ ‘ዚ እንዋን’ዚ ኸኣ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይተራእየን። ኢሳይያስ ስለምንታይ ንዓሊ ከምዝሃረሞ ዛጊት እቲ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ክስዕብ እዩ።
ኣፈኛ ናይቲ ጠንቂ ዕንወት ጸጋን ሰብን ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ህግደፍ ፡ ግዝያዊ ሚኒስተር ዜና ህግደፍ ዓሊ ዓብዱ፡ “ነታ ደሓን ኩን” ዝበለቶ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ “እንኳዕ ደሓን ተመለስኪ” ክንብላ ኢና፡ ክብል ኣላጊጹ።
ኣብታ ዝሓለፈት ሓሙስ ዕለት 10 ታሕሳስ 2009፡ ቃለ መጠይቕ ኣቶ ዕሊ ዓብዱ ምስ ረድዮ ኣመሪካ ተከታቲለ ነይረ።ጀሚሩ ስጋብ ዝውድእ ሓሶት ምስ ሓሶት እንዳ’ላገበ መእሰሪ ዘይብሉ ዘረባ ክዘሩ ሰሚዕዮ።እንታይ ክብል ከምዝደለየ እዝግሄር ዋንኡ።ንዓይ ምውሓጥ ዝኣበየኒ ነገር ግን፡ ዓሊ ተግባሪ መብጽዓን ልቡ ኻኣ ሰፈር ሓወልቲ ስወኣት ገይሩ፡ ነዛ ነብሱ ዘይናታ ከሰክማ ሰሚዐዮ።
ኣብ መንጎ መራሒ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ሚኒስተር ዜና ዓሊ ዓብዱን ዝነበረ ምውቕ ዝምድና ኣብዚ ጊዜ’ዚ ላሕሊሑ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ወዲቑ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
..ካብ ሜዳ ሰኒቕዋ ዝመጸት እንኮ ነገር እንተሃልያ ግን ከቢድ ናይ ሕንከት ጸገም (ኢንፈሪዮሪቲ ኮምፕለክስ) እያ፡፡ ናይቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምጽናት ውራየይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ጎይትኡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣዘራርባ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምሽክዕላል፡ ሽሕጣን፡ ምትላል፡ ክሕደት፡ ኮታ ኩሉንትንኡ ዋላውን ኣለባብሳ፡ ኣቀማቕማ ከይተረፈ፡ ብዝተኻእሎ መጠን ንጎይትኡ ኢሰያስ መሲሉ ምኻድዩ። ብሓጺሩ ትምዩን (ፎርግጅ) ባህሪ ለቢሱ ዝነብር ሰብ እዩ እንተበልኩ ብኣዝዩ ውሑድ መለክዒ እዩ፡፡