ካልእይ መወዳእታ ክፋል
መንግስቲ ፈልስጢን ኣየድልን እዩ። መንግስቲ እንተደለዩ ከኣ ምስ ህዝቢ የርዳኖስ ሓደ ኮይኑ መንግስቲ መስሪቶም ክቅጽሉ ይግባእ ኢሉ ኢሰያስ ኣፈውርቂ። ጕዳም ዘረባ። ጽቡቕ ንባብ።
ካልእይ መወዳእታ ክፋል
መንግስቲ ፈልስጢን ኣየድልን እዩ። መንግስቲ እንተደለዩ ከኣ ምስ ህዝቢ የርዳኖስ ሓደ ኮይኑ መንግስቲ መስሪቶም ክቅጽሉ ይግባእ ኢሉ ኢሰያስ ኣፈውርቂ። ጕዳም ዘረባ። ጽቡቕ ንባብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣፍቶን ብላደት ዝተባህለ ጋዜጣ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ኸይዱ፡ እቲ ጋዜጠኛ ካብ ሽወደን ክብገስ እንከሎ ንሰበ ስልጣን መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክዘራረብ ብፍላይ ምስ ፕረሲደንት ቃል መሕተት ከካይድ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ቆጸራ ተታሒዙ ምስ መሳርሕቱ ተበጊሱ።
ጉድ ጕዶ ዝብል ቃል ብሓጺሩ፡ እቲ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ እንጥቀመሉ ኣገዳሲ፡ ሓይሊ ምንጪ ነዳዲ፡ ኣብ ዘቤት ንጥቀመሉ’ዩ። እዚ ቃል ኣጥቢካ እንተነበብካዮ ብዒባ ዝተጠፍተፈ ጉድጕዶ ኣብ ኳና ወይ ኣብ ምስድሪ ተጎድጕዱ ምስ ነቐጸ ቀቀሊጥካ፡ መፍልሒ ማይ፡ መብሰሊ ጸብሒ፡ ከም መሰንከቲ ነዳዲ ከኣ ኣብ እቶን ፡ ሞቝሎ ከኣ ትጥቀመሉ።
ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ኣባል ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ዝመርሖ ኣብ ስቶክሆልም ብዕለት 22 ግንቦት 2010 ድሕሪ ቐትሪ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ቅድሚ ኣብ’ዚ ናይ ዕለት 22 ግንቦት 2010 ዝተኻየደ ኣኼባ ህጽር ዝበለ ጸብጻብ ምቕራበይ ገገለ ናይ ዝሓለፈ ተመክሮታት ክጠቕስ እፈቱ።
ውጹዕ ህዝብና ወግሔ ጸብሔ ክድቅስ ክትንስእ፣ ሰላም መዓልቲ አውዕለና፣ ቅሳነትን ራህዋን ፍጠረልና፣ ደቅናን ነብስናን አብ ሕማቕ ፈተና አይተእትወና፣ ንዓና ዝኸውን ሕረስ ሐረስታይ፣ ንገድ ነጋዳይ ዝብል፣ ቅኑዕን ፍትሔኛን ዝኾነ ናይ ሰላም መንግስቲ ፍጠረልና፣ ብምባል በብእምነቱ፣ አስላማይ አብ መስጊዱ ክርስትያን አብ ቤተ ክርስትያኑ፣ ንአምላኹ ጸሎቱ ከይተሐለሎ ወትሩ ምስ አዕረገ ኢዩ።
ሕጊ 90 ደቂቕ ኣብ 1567 ብሎሚ ብልክዕ ቅድሚ 943 ዓመታት ዝጀመረ ሕጊ’ዩ። እዚ ሕጊ 90 ደቒቕ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ሕጊ ማዕቢሉ፡ እንዳተመሓየሸ ዝመጸ እንተዀነ፡ እቲ ነቲ ዝፈላልዮ ናይ ምዕባለ መስርሕ፡ ኣገባብ፡ ዓይነት ግን ብሕጊ ዝተወሰነ’ዩ።
ኣብ’ዚ እንርከበሉ ተሃዋሲ መድረኽ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጨካን ምልካዊ ስርዓት፡ ዓይኑ ተዓፊኑ፡ ልሳኑ ተለጕሙን ከይኣክሎ፡ ኣብ ዘይፈልጦ ተኻታታሊ ሃንደብታዊ መጻኢ መድረኻት እንዳተሰጋገረ፡ ኣብ በበይኖም እዋን ብናታቶም ዝግለጹ ኣብ ሂወቱ በዳህቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘይብሉ፡ ኵናት፡ ብዶባዊ ምስምስ ሰንፈላል ዝዀነ ናብራ ሓሊፉን ይሓልፍን ኣሎ።
ኣብ’ዚ ናይ ሓሶት ለቖታ ዝብል ድርሰት ከስፍሮ ዝደለኹ መልእክቲ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ወርሒታት ኣብ መርበብ ሓብሬታ ክጻሓፍ ዝጸንሐ፡ ጸይቕን፡ በታንን፡ ዘራጊ ሓድነት ዘይሓላፍነታዊ ዝዀነ ቢሂላት ብምጽራር ንምግላጽ እዩ።
ኣብ ዓዲ ከፈለት ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዱባርባ፡ ናይ ኣርብዓ ሰባት ሬሳታት ብወ/ሮ ፋንታየ ፡ ብዓልቲ ቤት ነፍስሄር ደጃዝማች ተስፋይ በራኺ ብቡልዶዘር ተፋሒሩ ወጺኡ፡ ኣብቲ እቲ ሬሳታት ተቐቢሩሉ ዝነበረ ቦታ ድማ፡ ናይ ስድራቤተን ጋህሲ ኣስሪሔናሉ ኣለዋ። እቶም ዓዲ ድማ ነቲ ሬሳታት ኣብኡ ዝነበረ ኣብ መሸማዕ መሊኦም ፍታሕ እንተረኸቡ ኢሎም ፎቖዶ ቤት ፍርዲ ኮለል ይብሉ ኣለው። እዚ ጉዳይ ካብ ዝጅመር ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኮይኑ’ሎ፡ ስጋዕ ሕጂ ግን ፍታሕ ኣይረኸበን ኣሎ። ምስ’ዚ ጉዳይ ዝተተሓዘ ድማ፡ ሓሙሽተ ደቂ ዓዲ ንሓደ ዓመት ብዘይ ክስን ፍርድን ተኣሲሮም ኣለው።
‘ድምጺ ወጋሕታ’ “ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ምንጭታት ..ወዱ ንሚኒስተር መዓድን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሰ ኣብ ኣስመራ እንዳ ኮርያ ኣብ ዝርከብ ቤትምህርቱ፡ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ብኻራ ተቀቒዑ ንሞት ተቓሊዑ ‘ሎ” ክትብል ዘመሓላለፈቶ ሓበሬታ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።
ምሕረታኣብ ማሪቆስ ተስፋይ ዝተባህለ፡ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ዜጋ ድሕሪ ናጽነት 1991 ናብዚኣ ኣትዩ ከይተባህለ ደሃዩ ስለዝጠፍኣና ሃለዋቱ ዝፈልጥ ሰብ እንተሎ ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት።