Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Jenevaመንእሰይ ኤርትራ፡ ከም ንቡር፡ መሪሕ ብድሆን ለውጥን ምንባሩ መግዛእትን ቃልስን ዝምስክረሉ ሕላገት ታሪኽ ኣለዎ። ኣቦታትና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኣቶ ኢብራሂም ሱልጣንን ከምኡ ‘ውን ሓርበኛታት መሳትኦም፡ ደረጃ ንቕሓት ህዝብና ለጠቕ ኢሉ ኣብ ዝነበረሉ ኣርብዓታት፡ ኣርዑት መግዛእትን ውሽጣዊ ምክፍፋላትን በዲሆም ነቲ ሰንኮፍ ዝነበረ ሃገራውነት ኣብ ምድልዳል ዓቢ ተራ ክጻወቱ ኸለዉ መንእሰያት እዮም ነይሮም።

ኣማኑኤል እዚ ኣርእስቲ’ዚ ቃል ንቓሉ እንተወሲድናዮ ብዙሕ ትርጉም ኣይህብን ‘ዩ። መን ‘ሞ ‘ሎ ሰብ ኮይኑ ኣካላቱ ብቐይሕ ደም ዘይዘፈቐ፡ መን ከ ‘ሎ ኢዱ ቀይሕ ደም ተቐቢኡ ዝኸይድ? ብያታዊ ኣበሃህላ ሕብረተሰብና ግን፡ ደም ካልእ ምስላዊ ትርጉም ‘ውን ኣለዎ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስደት ካብ ዝጅምር ፍርቂ ዘመን ሓሊፉ ኣሎ። እቲ ነቦሓጎታትና ዝቐዘፈ ወፍሪ ትሩቡሊ ኣብ ጸብጻብ እንተ ኣእቲናዮ ድማ ዳርጋ ናብ ሓደ ዘመን ይጽጋዕ። ስደት መሪር ምዃኑ ንማንም ሰብ ብሩህ ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ብዙሕ እንተ ተዛረብኩ መደረ’ዩ ክኸውን። ስለዚ፣ ብቐጥታ ናብቲ ዘገድሰኒ ጉዳይ ክኣቱ’የ።