ግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ ሸፊልድ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሃለቑ ልዕሊ 330 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ብዝወሰድዎ ተበግሶ ንክብሮም ናይ ሽምዓ ምብራህን ካልእን ንቀዳም 30/04/2011 መደብ ኣዳልዮም ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ናይ ሃይማኖትን ካልእ ካልኣዊ ውልቃዊ ፍልልያትኩም ኣወጊድኩም ኣብዚ መደብ ክትሳተፉ ብክብሪ ትዕደሙ ኣለኹም።
ማዕርግ ድምር ውጺኢትን ሞያዊ ብቕዓትን ተሞክሮን እሩም ስነ-ምግባራዊ ባህርያትን ንዘልዎም ኣብነታውያን ሰባት ስለ ዘስታህል ወይ ስለ ዝግባእ: እቶም በዚ ስነ-ስርዓትን ሞያን ዝተኾስኮሱ ሰብ ወትሃደራዊ ማዕርግ ድማ: ምሉእ ዘይጉዱል ተሰማዕነት በቶም ኣብ ትሕቲ ትእዛዛቶምን ምምሕዳራቶምን ዝነጥፉ ሰባት ጽልዋ ክህልዎም ንቡር ኢዩ:: 
ኣርሴማ ዳዊት ዝተባህለት ለንደን ዝምቕማጣ ጓል 15 ኤርትራዊት ተማሃሪት ትማሊ 2 ሰነ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቀጽሪ ገዝኣ ብዘጋጠማ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ኣብ ሕክምና ቅድሚ ምብጽሓ ብኡንብኡ ዓሪፋ።