Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

hadas eritreaእነሆ 2010 ዓሚ ክንብላ ሰዓታት ተሪፉና። በጋጣሚ ኣብ ሆላንድ ነይረ ሽዑ ምስ ሓደ ሰብ ብጕዳይ ሸርፊ ነዕልል። እንታይ ኮይኑ ጐዲሉ እብሎ መልሱ ንኽሰምዕ ጥራይ። ንሱ ድማ፡ ኣይሰማዕካን ዲኻ ምስዚ ኵነታት ወርቂ ሃገር ሽሻይ ብሽሻይ ክትከውንያ ኢሰያስውን ተዛሪቡንድ’ዩ ኣይሰማዕካዮን ዲኻ? ክብል መልሱለይ።

General Sibhatማዕርግ ድምር ውጺኢትን ሞያዊ ብቕዓትን ተሞክሮን እሩም ስነ-ምግባራዊ ባህርያትን ንዘልዎም ኣብነታውያን ሰባት ስለ ዘስታህል ወይ ስለ ዝግባእ: እቶም በዚ ስነ-ስርዓትን ሞያን ዝተኾስኮሱ ሰብ ወትሃደራዊ ማዕርግ ድማ: ምሉእ ዘይጉዱል ተሰማዕነት በቶም ኣብ ትሕቲ ትእዛዛቶምን ምምሕዳራቶምን ዝነጥፉ ሰባት ጽልዋ ክህልዎም ንቡር ኢዩ:: 

General Sibhatማዕርግ ድምር ውጺኢትን ሞያዊ ብቕዓትን ተሞክሮን እሩም ስነ-ምግባራዊ ባህርያትን ንዘልዎም ኣብነታውያን ሰባት ስለ ዘስታህል ወይ ስለ ዝግባእ: እቶም በዚ ስነ-ስርዓትን ሞያን ዝተኾስኮሱ ሰብ ወትሃደራዊ ማዕርግ ድማ: ምሉእ ዘይጉዱል ተሰማዕነት በቶም ኣብ ትሕቲ ትእዛዛቶምን ምምሕዳራቶምን ዝነጥፉ ሰባት ጽልዋ ክህልዎም ንቡር ኢዩ:: 

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ፡ ‘ሓበሬታ ዘይተዓጥቀ ኣእምሮ ርጡብ ውሳኔ ክወስድ ኣይክእልን’ዩ’ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ነቶም ለባማት ብልዙብ ኣገባብ ንኣሰራርሓና ዝምልከት መብርሂ ኣቕሪብናሎም ኢና።

ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ትሕቲ “ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ኦስሎ፡ ኖርወይ” ዝብል ኣርእስቲ፣ ኣብ ናይ ኣሰና መርበብ ሓብሬታ ተዘርጊሑ ነይሩ። ኣብቲ ዝተጠቕሰ ኣኼባ ንሕና ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሳቲፍናዮ ነርና።

ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ብሰንሰለታውያን ገዛእቲ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1991 ሓርነት ዘይኮነ ነጻነት ተጐናጺፉ። እቲ ቐደም፣ “ድሕሪ ሓርነት ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል’ዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ብመነባብሮ ክከላበት፣ ጽንጽያ ዓይኑ ዘንፍረሉ’ኳ ኣይክህሉን’ዩ፣” ይበሃል ከም ዘይነበረ ግን ገና ደም ስዉኣት ከይነቐጸ ሲቪላውያን ይኹኑ ተጋደልቲ ብማዕረ ኣደዳ ማእሰርትን መግረፍትን ክኾኑ ርኢና። እቲ ዝገደደ ግን ሰኣን ቅኑዕ ኣመራርሓ ኣብ ዘየድሊ ኵናት ኣብ ርእሲ ምእታውና፣ ብዶብ ብምምስማስ ህዝቢ ነቕ መበሊ ስኢኑ ነዛ ኣፉ ሒዙ ከም ጊላ ኮይኑ ዝነብረላ ባይታ’ውን ስኢኑ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት፣ “ህዝቢ ኤርትራ ድኹም’ዩ! ንመሰሉ ዘይቃለስ ህዝቢ’ዩ! ወዘተ” እናበሉ ንህዝቢ ከከሻምሹ ይስምዑ’ዮም። ነዞም ሰባት’ዚኦም ዘቕርቦ ሕቶ፣ “ንስኻትኩምከ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም? ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ እንታይ ዝገበርኩሞ ጭቡጥ ነገር ኣሎ?