ኣብ ናይ ሎሚ ርክብና፣ ንኩላትኩም ብምቛም “ሃገራዊ ምንቅስቓስ ደምበ ኣለና” ዝተሰመዓኩም ሓጎስ ንምግላጽ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ዝሰደድኩም ብሓበራ፤ ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ሃይማኖት ክልቲኡ እምነታትና፣ ውድባት፣ ሰልፊታትን ሓለፍቲ ብሄራዊ ምንቅስቓስን ብልቢ አመስግነኩም። እቶም ብዛዕባ ጉዳይ መጽሓፍ ዝሓተትኩም ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብተደጋጋሚ ዝበልኩዎ፣ ኣነ ኣዳልየ ካብ ዝውደኣ ሓያሎይ ኣዋርሕ ገይራ ኣላ።
እዛ ሓሙሸይቲ ክፋል ናብ መርበብ ኢንተርነት ክሳብ ዝሰደላ ዝነበርኩ ሰዓት፣ ካብ ሙሉእ ዓለም እንኮላይ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብዙሕ ናይ መተባብዒ ጽሑፋት ተቐቢለ።