ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍን ብዓይነቱ፡ ተሳታፍነቱን ናይ ተቓውሞ መንፈሱን ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍን ብዓይነቱ፡ ተሳታፍነቱን ናይ ተቓውሞ መንፈሱን ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።
ብመሰረት ማርክሳዊ ፍልስፍና መንግስቲ ክብሃል ከሎ ሃደ ደርቢ ንኻልእ ደርቢዝምዝምዘሉ ወይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ዘእትወሉ መሳርሒ’ዩ። እዚ ትርጕም’ዚ ብፍላይ ኣብ ስሳታት ብዅላቶም ገስገስቲ ኢና ዝብሉ ወይ ንዓታቶም ዝስዕቡ መንእሰያትን ከም ቃል ኣምላኽ ዝውሰድ ዝነበረ’ዩ።
ግዱሳት ኤርትራውያን ካናዳውያን ምስ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሊበራል ሚስተር ጀራርድ ከነዲ ብ29 መጋቢት ብምርኻብ ንኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።
ብ 4 መጋቢት 2010 ኣብ ከባቢ ሳዋ ኣብ ዝርከብ መዓስከር፡ ኣዘዝቲ በራጊድ ናይቲ ብሓለዋ ፕረዚደንት ዝፍለጥ ፍሉይ ኣሃዱ፡ ብዛዕባ ‘ቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ ተሪር ተቛውሞ ንዘቕረቡሎም 11 ኣባላት ብ9 መጋቢት ከምዝኣሰሩዎም ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ኣራዊት ስርዓት ህግደፍ ፍልይ ዓይነት ማእሰርቲ ጀሚሩ
ንዝወረደካ መከራን መዓትን ግና ወይ ኣሜን ኢልካ ተቐቢልካ ምርማስ፤ ወይ አምብለይ! ኣይፋል ንጨቆና ፤ኣይፋል ንውርደት፤ኣነ ሰብየ ከም ከብቲ ኣይሕረድን ኢልካ በብዘለኻዮን በብትኽእሎን ምምካት ኣማራጺ ዘይብሉኣገባብ ዩ።
ፍሉይ ቓለ መጠይቕ ምስ ወይዘሮ ወዘነት ገልቱ – ‘ኣባል ህግደፍ ኣብ ዋሸንግተንን ከባቢኣን’
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን-ኪ ሙን (Ban Ki-moon ) ንኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል ከም ምኽትል ፍሉይ ልኡኹ ኣብ ኔፓል ( Deputy Special Representative for Nepal) ከምኡ ‘ውን ምኽትል ሓላፊ ተልእኾ ውድብ ሕብራት ኣብ ኔፓል (Deputy Head of the United Nations Mission in Nepal ) ከምዝመዘዞ ሎሚ 20 ሰነ ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኒው-ዮርክ፡ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።