ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ቕንያት’ዚ ማእከሎት ሓለፍቲ ዝርከቡዎም፡ ኣብ መንግስቱ ከገልግሉ ዝጸንሑ 30 ተጋደልቲ ነበር ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ቕንያት’ዚ ማእከሎት ሓለፍቲ ዝርከቡዎም፡ ኣብ መንግስቱ ከገልግሉ ዝጸንሑ 30 ተጋደልቲ ነበር ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሓሙስን ዓርብን ዕለት 8ን 9ን ሚያዝያ 2010 ኣብ ሃደምደም ፋንኮን ዝተባህለ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ቦታታት፡ ኣብ ናይ ወርቂ ምፍሓር ስርሓት ተዋፊሮም ዘለዉ ኤርትራውያን በስገዳድ ንምዕስካሮም ብወተሃደራት ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዝተፈጸመ ማሀረምትን ምድፋእን ኣምባጓሮ ተፈጢሩ ካብ ወተሃደራት ስርዓት ኤርትራ ሓደ ወተሃደር ሞይቱ።
ካብ ቻይና ናብ ሆንግኮንግ ዝተመሓላለፈ ቼክ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ካልኦት መርበባትን ድሕሪ ምዝርግሑ ዝሰንበደ ፕረዚደንት ኢስያስ፡ እቲ ዜና ምስ ተቓልሐ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ህግደፍን ጥቡቕ ምቁጽጻር ንኽካየድ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣባላት ራድዮ ባና ማለት ፈነወ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ዘይምቅዳው ይኽሰት። መንግስቲ ኤርትራ ዜናዊ ንብረትን ሰነዳትን ንሳሕል የግዕዝ። ምስ ምትእትታው ኢራን ኣስታት 90 ሰራሕተኛታት ረፋይነሪ ዓሰብ ካብ ስራሕ ይባረሩ።
እቲ ብስም ስማዊ ሰብ ብርኪ ዝውነን ዝበሃል ዝነበረ ደሓረይ ግና እቲ ሓቀኛ ዋንነቱ ናይ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ { ህግደፍ} ዋንነቱ ዝተረጋገጸ ትካል ስርሑ ደው ኣቢሉ ካብ ዝዕጾ ክልተ ሰሙን ገሩ ኣሎ። ሰራሕተኛታት እቲ ሆተል ድማ ኩላቶም ብ መሰረት ኮንትራክት ተቖጺሮም ብምንባሮም ብሙሉኦም ካብ ስራሕ ከም ዝተፋነዉ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም::
ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዘይፍርዲ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሰለስተ ሓለፍቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኣቶ ተወልደ ገብረመድህን፡ ምናሰ ዓንደጼን ከምኡ ‘ውን ሃብቶም ወልደሚካኤል ከምዝተፈትሑ ካብ መርበብ ሓበሬታ IUF ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝኣሰሮም ክልተ ሰራሕተኛታት ብሪቲሽ ካውንስል ሓደ ተፈቲሑ፡ እቲ ሓደ ግን ዛጊት ነጻ ከምዘይተለቀ ሮይተርስ ንወሃቢ ቓል ብሪቲሽ ካውንስል ብምጥቃስ ሓቢሩ።