ድሕሪ’ዚ ኹሉ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጥፍአ መቕዘፍቲ ማእከላይ ባሕሪ፡ ገለ ካብቶም ብሕታዊ ገንዘባዊ መኽሰቦም ጥራይ ዘቋምቱ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ፡ ብፍላይ ድማ ወዲ ቐሺ ተባሂሉ ዝፍለጥ መሰጋገሪ፡ ነቶም ካብ ቅልውላው ሊብያ ኣምሊጦም ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ‘ናብ ጥልያን ብቐጥታ እትኣቱ ተተኣማምን መርከብ ኣዳልየ ኣለኹ’ ዝብል ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ናብ ሊብያ ተመሊሶም ጃልብኡ ክመልኡሉ ይጽውዖም ምህላዉ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዉ።
ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስእላዊ መግለጺ ናይ 20 ዓመት ናይ ስራሕ ንጥፈታት ሃገረ ኤርትራ እንዳመላኽዕ ኣእዛን ዝቐድድን ንኣእምሮ ዘናውጽን መናፍሕ ክወቕዕ ወርሑ ኣሕሊፍ ኣሎ። ብሲምፖዚየም ጉዕዞ 20 ዓመት ናጽነት እንዳተባህለ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጉራ ክነዝሕ ንዕዘብ ኣለና። ዋላ ንቐልዓለም እኳ ይኹን እዚ ተጋጊና፣ ካብዚ ተማሂርና ትብል ቅንጣብ ቃል ኣይሞሎቆትን። ከመይ ዝበሉ ብጹኣን ድዮም? ጌና ዓለም ካባና ክትመሃር ኣለዋ ይብሉ ኣለው። ዓለም ብምልእታ ከምዝኸዓበቶም እንዳፈለጡ።
ህዝብና ካብ ታሪኽ ተጋድሎ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣትሒዙ ክሳብ መስርሕ ነጻን ልዑላዊትን ሃገር ምርግጋጽ ይኹን ድሕርኡ ናብ ከባቢ 19 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጸረ-ህዝቢ ዝዀነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ወዲቑ ሓሳረ-መከርኡ ረኺቡ’ሎ፡፡
ኤርትራ ሃገርና ከም ኩለን ዘይማዕበላ ሃገራት ቁጠባ ኤርትራ አብ ሕርሻ ዝተሞርኮሰ እዩ። ስለዝኸነ ድማ 80 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብማሕረስ ከምዝመሓደር ይፍለጥ። ቁጠባ ሃገርና ትሕቲ 15 ካብ ሚእቲ አብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ እዩ።
ገለ ወለዲ ካብ 1ይ ዙርያ ጀሚርና ደቅና በብጊዚኡ ዝለኣኽና ንህሉ ንኸውን። ንሕሰቦ ክሳብ 21 ዙርያ፣ ሓንቲ ዓመት እንተሓለፈት ሓንቲ ተርክብ። እዚ ነቶም ወፋሮ ተማሃሮ ጥራይ ዘይኮነ ንወለዲ ክሳብ ክንደይ ኣብ መነባብሮኦም ቅልውላው ከምዘእትወሎም ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብዘየተኣማምና ጀላቡ ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩሉ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ብቐጻሊ ሓደገኛ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።