ኣብታ ቀዳመይቲ ዘመሓላለፍክዋ ጽሕፍተይ ገለ ናይ ፊድላት ጌጋታት ምንባሮም ደጊመ ኣብ ዘንበብኩሉ ግዜ ረኺበ። እቲ ዘገርም ድማ ኣብ ኩሉ ዝሰዶ ጽሑፋተይ’ውን ከምኡ ምንባሩ በሪሁለይ። እዚ ጉድለታት’ዚ ንብዙሓት ዘጋጥም ዘሎ ኢዩ። እቲ ናይ ግእዝ ፊደላት፣ ንሓንቲ ፊድል ምስ ኣድመጽታ ተወቂጣ ድምጺ ክትህብ ዘጋጥም ተደጋጋሚ ምውቃጣ ዘምጽኦ ተክኒካዊ ሽግር ከም ዝኾነ ርዱእ ኢዩ። ኮይኑ ግን ግዜ ወዲድካን ሃሰስ ኢልካን ክዕረ ይከኣል።






ብምቕጻል በል እሞ ዕላል ካብ ኣንዋሓናስ ካብዛ ኣብዚ ፊትና ክዮስክ ሽጋራ ከምጽእ ምኽንያቱ ኣብዚ ዘለናዮስ ሽጋራ 1.50 ናቕፋ እዩ በልኮዎ ንሱ ‘ውን ሕራይ በል ግና ኣብ ካልእ ኣይትኺድ ናብታ ኣብታ ፊትና ዘላ ደኣ ይሕሸካ ኣብኡ ከለኻ ኸኣ እቲ ኣብኡ ዝጸንሓካ ሰብ ክትሪኦ መኣታን ይብለኒ።
ኣልማዝ፡ (ምዕጉርታ ብንብዓት ጠልቅዩ፡ ንዘረባ ‘ውን ሓይሊ ስኢና)፡ ‘ ይኣክል በጃኻ ኤፍሬም ሓወይ! (ትብል ብድኹም ድምጺ)
ኤፍሬም፡- ያ ወዲ መሓመድ ያኣኸ፡ ጸላኢ ሳሕል በጺሑ፡ ንሕና ድማ ኣብ ክንዲ ሻምብቆ ብረት ዝነቐጸ ተኽሊ ሻምብቆ ሒዝና ንሃድም ኣለና። (….ኣብ ጎኑ ዝነበረ ጥማር ሻምብቆ እናጠፍጠፈ።) ምሽ ተጋዳላይ ይሃጅም ምበር ኣይሃድምን ኢኻ ትብለና። (ንድር ኢሉ ይዛረብ)