ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 5 መጋቢት፣ ኣብቲ ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኖርወይ ዝተዳለወ ምሸት፣ 8 መጋቢት ብዓቢ ድምቐት ተጸንቢሉ ኣምሰየ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 5 መጋቢት፣ ኣብቲ ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኖርወይ ዝተዳለወ ምሸት፣ 8 መጋቢት ብዓቢ ድምቐት ተጸንቢሉ ኣምሰየ።
ብምኽንያት መበል 19 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ንምኽባር ቀዳም ዕለት 12-06-2010 ሐቢርና ንክነምሲ ብኽብሪ ንዕድመኩም/ክን።ንታሪኻውነትን ክብርን መዓልቲ ናጽንት ሃገርና ዘንጸባርቑ ናይ ስነ-ጽሑፍ መደባት ሃገራውን ባህላውን ሙዚቃ ከምኡውን ባህላዊ መግቢ አዳሊና ከምዘለና ንሕብር።
ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን አብ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ዝተዳለወ መበል 19 ዓመት በዓል ነጻነት ብዕለት 22 ግነቦት 2010 ብተቀማጦ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ከምኡውን ካብ ከተማ ፍራንክፎርት፤ ኑርነበርግን ኡሉምን ዝመጽኡ አጋይሽ ብሓባር ዝተኻፈልዎ ብድምቀት ብዒሉ ውዒሉ፡፡
ኣብ በይ ኤርያ፡ ክልተ በዓላት ነጻነት ክብዓል ይዳሎ’ሎ ተባሂሉ ክዝረብ ይስማዕ። ከምኡ ክኸውንሲ ኣይምተግብኦን ዝብል ዘረባ’ኳ እንተሰዓቦ፡ ጠንቁ ንምድህሳስ ዝተዳኸመ ወይ ከኣ ዘይገደሶ ይመስል።
ይኣክል ውልቀምልኪ ንለዓል ንልዕልና ሕጊ - ጽምብል በዓል ናጽነት ኣብ ኦክላንድ
ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት መንግስቲ ኤርትራ ከም ሓላፍን ጋዜጠኛን ኮይኑ ከገልግል ንዝጸንሐ ኣቶ ስዒድ ዓብደልሓይ (ስዒደና) ዛጊት ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣሲሩዎ ከምዘሎ ክስማዕ ንዝቐነየ ሓበሬታ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾሞ።
ብተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝተዳለወ በዓል ዝኽሪ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ብዕለት 06.03.2010 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ። እቲ በዓል ብርክት ዝበለ ብዝሒ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝተሳተፍዎ፡ ከምኡውን ኣርየስ ላቲኖስ ዝተባህለት ባህላዊት ጉጅለ ላቲን ኣመሪካ ማሓዛ ማሕበር ተበግሶ ዝተሳተፍዎ በዓል’ዩ ነይሩ።
ኤርትራ ነቲ ንሰላሳ ዓመት ዝወሰደ፡ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ መሪር ቃልሲ ሰጊራ፣ ልእላውነታ ድሕሪ ምርግጋጻ፣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ህግደፍ ”ኣብነት ሰላምን መሰረት ምዕብልናን ኣብ ኣፍሪቓ” ክትከውን እያ ዝብል ኣጉል ተስፋታትን ትጽቢታትን ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣህዛብ ዓለም ውሑዳት ኣይንበሩን። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ እቲ በዚ ዝተታለለ ህዝቢ ኤርትራን ስርዓታትን ውድባትን ዓለምን፡ ኣብቲ ቀዳማይ መዋእል ናጽነት፡ ነዚ ሕጂ ዝቃወምዎን፡ ክሳብ’ውን ዝኹንንዎን ዘለዉ ኣረምኔ ስርዓት ህግደፍ ፣ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ንኽበጽሕ ዓቢ እጃሞም ኣበርኪቶም እዮም።
ኩሉኹም ኣመንቲ ክርስትና ርሑስ በዓል ቅዱስ-ዮውሃንስ ይግበረልኩም! ኣሰና !
አብቲ ብዓል መብዛሕትኦም ካብታ መዳሕንቶም ዝተቐብረትላ ሃገሮም ኤርትራ ህዝቦምን ገዲፎም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝተሰደዱ መንእሰያት ተረኺቦም ነጺ ጽምብል ብባህላዊን ዘመናዊን ደርፊታት ሓባራዊ ናይ ድራር ግብጃን ግብጃን ከምዝጸንበሉዎ ተሓቢሩ።
ንድርብ ባዓል ኣህጉራዊ ማዓልቲ ሰቂ ኣንስትዮን፤ ባዓል ቶጎሩባን ኣብ Oakland California ንቀዳም March 21 2009 ሰፊሕ ብዓል ብድምቀት ንኽውዕል ዓቢ ምድላውን ምሽብሻብን ይግበር ስለ ዘሎ፤ ኣብዚ ታሪኻዊ ድርብ ብዓል እዚ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ድሙቅ ጸወታ ክህልወና ስለ ዝኾነ፤ ንኹሉ ኤርትራዊ/ዊት ብሓበራ ብዘይ ኣፋላላይ ሽማግለ ኣዳለውቲ ብዓል ብ ኣብሮት ትዕድም።
ርሑስ በዓል ዒል ኣልፈጥር ንኹሉኹም ኣመንቲ ምስልምና - ትብለኩም ኣሰና ! መስጊድ ጃምዕ ተወሊዓ - ጠውቑ K]²ï©ö ®M— Fohñ o‘Dï– K]²ï©ö ®M— Fohñ o‘Dï–
ብዲሞክራውያዊ ማሕበር መንእሰይ ኤርትራ ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጨንፈር ጀርመን ብምትሕብባር ጨናፍር ውድብ ግ.ሃ.ድኤ ዞባ ኤውሮጳ ዝተዳለወ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ (ፈስቲቫል ካስል) ካብ ዕለት 31/7 ክሳብ ዕለት 03/08/2008 ኣብ ከተማ ካስል ሃገረ ጀርመን ተኻይዱ ;
ንኹልኹም ኣመንቲ ክርስትና እንቋዕ ኣፈ ልጓም ከፈተልኩም እናበለና ርሑስ በዓል ፋሲካ ይግበረልኩም ንብል ። - ኣሰና !
እዚ በዓል ናጽነት ህዝቢ ኤርትራን መራሕቲ ህግደፍን ብሓባር ክውዕልዎ ናይ ብሓቂ ዘገርም እዩ። ብዓል ነጻነት ሃገርና ነጻ ዝኸነትሉ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእ ድኣ እምበር ንህግደፍሲ ውራዩ አይኮነን። ህዝቢ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ አብ ከቢድ ጸገም ተሸሚሙ አብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ኢና ነዚ መበል 16 ዓመት ብዓል ነጻነት ነኽብር ዘለና። እዚ እዋን ንነብስናውን ካብቲ አቲናዮ ዘለና ኩነታት ክንወጽእ ንሓተሉ ግዜ እዩ።