ስርዓት ህግደፍ ኣብቲ ኣብ ካብ ዓለም ዝለዓለ ሙቐት ከምዘለዎ ዝእመነሉ ወደብ ዓሰብ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ን ሽዱሽተ ዓመት መመላእታ ዝኣሰሮም ኣርባዕተ ኣመንቲ ክርስትና ተሳቕዮም ከምዝሞቱ CFC ዝተባህለ ንመሰል ናጽነት ሃይማኖት ዝጉስጕስ ማሕበር ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጸብጻብ ብምጥቃስ ኣፍሊጡ። ካልኦት ኣርባዕተ ኣመንቲ ‘ውን ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ጸላም ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ሃንደበት ናብ ብርቱዕ ብርሃን ብምቅልዖም ዓይኖም ከምዝዓወሩ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ነቦይ ነደይ፡ ንብዓልቲ ኪዳንይ ንሓድገይ ከይበሉ ጀጋኑ ኤርትራ ዝተደፍኡሉ ናይ ደም መሬት፡ ምስ ሓጥያትኩም ትረግጹዎ ዘለኹም ኣዛብእ ኤርትራ፡ ወይልኹም! ኣብ መንጎ ኪወግሓኩም እዩ!
ኣብ ጋዜጣና፡ ስራሕ፡ ምዕባለ፡ ጽጋብ፡ ፍትሒ፡ ሓጎስ ጥራይ እዩ ዝንበብ። እቲ ኣብ መሬትና ተደኵኑ ዘሎ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ድኽነት፡ ጥምየት፡ ዓመጽ፡ ጓህን ንብዓትን ኣብ ጋዜጣና ሰፈር የብሉን።