በቲ ኣብ ቱኒዝያ ጀሚሩ፡ ብግብጺ ቀጺሉ፡ ኣብ ሊብያ ተጓሃሂሩ ንምልካውያን ስርዓታት ዝሰሃሎም ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብነታዊ ጽልዋ ኣስዒቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተመሳሳሊ ተበግሶ ከይወስድ መታን ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብሓድሽ መብጽዓታት ንምሕባል ሓዱሽ ጎስጓስ ከካይድ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባሪ ተበጊሱ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ካብ ጀነራል ክሳብ ኮፕራል፣ ተጋዳላይን ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን፤ ብዝተፈላለየ ማዕረግን ሓላፍነትን ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዕድመ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ምድልዳልን፣ ስቅያት ገዛእ ርእስኻን ህዝብኻን ኣብ ምንዋሕን ብዘይ ድሌትካ ተዕወንውን ዘለኻ ጅግና ኤርትራዊ!
ንስኻ ዲኻ ወዲ ኣፈወርቂ ኣማንካቱ ዎን ንሕና ብዘይ ደሞዝ ኣርባዕተ ዓመት ክንሸቂ ፈሪድኩምና ንስኹም ኣብ ቪኢላታት ኤሪትርያ ትቕመጡ ኣበይ ሃሎ እቲ ናይ ህዝባዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ድተባህለ ኣይትሓፍሩን ባዕልኩም ጠላማት ከሓድቲ ዎ ንሰብ ካሓዲ ትብልዎ ሕጂ ተራኪብና ኣለና ከም’ዛ ንሕና ብቁሪ ንሕለባ ደለና ኣብ’ዚኣ ምሳና ቁሪ ክትሕለብ ኢካ ሾዑ ስልጣን ጥዑም ምዃኑ ይረደኣኩም ናይ ህዝቢ ተሓስቡ፣