ከምዚ ከማይ ዲኹም ዝሓለፈ 6_7 ኣዋርሕ ንእዝነይ ዝኹርኩሕ የእዳው ህግደፍ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃቀንጠብጠብ ክብላ እይሰማዕኩን።ያኢ ጠባይ ተገሩለይ ተባሂሉ ኢዩ። ኣብ ዓለም ብዘይካኡ ሻጥር ዘሎዘይመስሎ ስጊንጢር ኢሰያስ ዓይኒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብጨው ሓጺቡ ንጹህ ከም ጲላጦስ ክበሃለለይእሞ ኣብ ዝባኑ ተላሒጉ ዘሎ መንደዓት እገዳ ክለዕለሉ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ደገፍቱ ከይተርፈ ክሳብዝገግይዎ ባዕሉ ዝዓጸዎ ማዕጾ ዓለም ክኩሕኩሕ መከርኡ ይበልዕ ኣሎ።
እቲ ቅድሚ ሕጂ "ብውዲት ኢትዮጵያን ኣመሪካን ዝተኸሰስኩዎ ክሲ ሓሶት ሙዃኑ እናተጋህደ ይመጽእኣሎ" እናበለ ዝግዕሮ ዘሎ ብሓሶት እንተዝኸውን ሕጂ እውን እዞም ዝተጠቅሱ መንግስታት ሓሶት ንምምሃዝዋላሓደ ዝዓግቶም ኣይምተረኽበን። ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት " ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወሰነ እገዳ ሓሶትን ጠቀነን ስለዝነበረ ዘይፍትሓዊ አዩ ነይሩ" ኢሉ እገዳ እንተኣልዒልዎ ኸኣ ንርኢ።ብኣንጻሩ ግን ዘይከምዚኣ ኢየ ደልየ!!!!! ዘይከምዚኣ ዝብሉ ዘለዉ ኢዮም ዝመስሉ።ጀማሉ ዝሓለወ ዶ መን ይትንክፎ ኢዩ!!!! ኢዱን እግሩን ስለዝአከበ ግን ነቲ ተቀቢኡዎ ዘሎ ጸለሎ ብቀሊሉ ዝጸርየሉ ይመስሎእንተኢዩ ግን ሕጂ እውን ገና ኣይለበመን ኣሎ።ናይ ህግደፍ ሜላ ኪኢለዮ ኢሉ ኣብ ውሻጠ ኮይኑ ተንበርኪኹ በቲ ሕደ ወገን ከፈራርህ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ክልምን እዩ። እቲ ሎሚ ሎሚ