Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Updated (ድሒሩ ብዝመጸ መአረምታ ዝተመሓየሸ) ዕዉት ሰሚናር ደለይቲ ለውጢ ብክቡር ዶክተር ተወልደ (ወዲቫካሮ) ኣብ ከተማ ኦስሎ

መአረምታ  ኣብቲ ብዕለት 24.02.14 ኣብ ኣሰና ዝተዘርግሐ ዜና፡ “ኣብቲ 150 ዝጽግዑ ተሳተፍቲ ዝተረኽቡዎ ኣኼባ . . . ፡ ንስድራቤት ወዲዓሊ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተገብረ ናይ ውጽኢት ገንዘብ ጐስጓስ ማዕረ ሓደ ሽሕ ዶላር ከም ዝተዋጽአ . . .

ረምታ

 ኣብቲ ብዕለት 24.02.14 ኣብ ኣሰና ዝተዘርግሐ ዜና፡ “ኣብቲ 150 ዝጽግዑ ተሳተፍቲ ዝተረኽቡዎ ኣኼባ . . . ፡ ንስድራቤት ወዲዓሊ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተገብረ ናይ ውጽኢት ገንዘብ ጐስጓስ ማዕረ ሓደ ሽሕ ዶላር ከም ዝተዋጽአ . . . ኣስማቶም ክገልጹ ካብ ዘይመረጹ ዜጋታት ድማ ንመቐበሊ ክቡር ሓው ዶክተር ተወልደ (ወዲቫካሮ) ሽዱሽተ ሽሕ ክሮነር ከም ዝወፈዩ . . . “ ዝብል “ኣብቲ 350 ዝጽግዑ ተሳተፍቲ ዝተረኽቡዎ፡ . . . ንስድራቤት ወዲዓሊ ብስም ጽላል ሓደ ሽሕ (1000 ዶላር) ኣመሪካ፡ ብስም መሓመድ ብርሃን ፍትዊ ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ (500 ክሮነር) ኖርወይ. . . ፡ ንመቐበሊ ሓው ዶክተር ተወልደ ቫካሮ ስሞም ክጠቕሱ ዘይደለዩ ዜጋታት ሸውዓተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን (7700 ክሮነር) ከም ተዋጺኡ፡” ተባሂሉ ክእረም ምስናይ ይቕሬታ ነተሓሳስብ። 

ዓወት ንህዝቢ!!!

ክቡር ሓውናን ኣቦናን ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲቫካሮ) ብመሰረት ካብ ነዊሕ እዋን ተታሒዙ ዝጸንሐ ቈጸራ መሰረት ዕለት 22.02.14 ኣብ ከተማ ኦስሎ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ብምርኻብ ሰፊሕ ሴሚናር ኣካዪዱ። ኣብቲ 150 ዝጽግዑ ተሳተፍቲ ዝተረኽቡዎ ኣኼባ፡ ብመጀመርያ ሓው ባህልቢ ክፍለ ንሓው ተወልደ ቫካሮን ኣጋይሽን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል ነቲ ኣኼባ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ሓው እስጢፋኖስ ተሞልሶ ድማ ንጽላል ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ብምውካል፡ ንኣመዓባብላ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ዝምልከት ሓጺር መግለጺ ሂቡ። ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ጸረ ህግደፍ ዝኾኑ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ማሕበራት መንእሰይን በብውልቆም ዝተጠርነፉን ዜጋታት ቃልሶም ንምውህሃድ ብምስምማዕ ኣብ ሓደ ጽላል ካብ ዝጥርነፉ ዛጊት ልዕሊ ዓመት ሓሊፉ ከም ዘሎ፡ ኣብዚ ዝጥቀስ ዘሎ ግዜ ዓበይቲ ዕማማት’ኳ እንተ ተፈጸመ፡ ዛጊት ብዙሕ ዝተርፍ ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ምምስራት ጽላል ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ነቲ ሓው ተወልደ ቫካሮ ይኹን ብወገንና ነተኵረሉ ዘለና ምምስራት ዝዓበየ ጥርናፈ ደለይቲ ለውጢ ኤውሮጳ ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነፍስወከፍ ደላዪ ፍትሒ ነቲ ዝቕጽል መድረኽ ዕዉት ንምግባር ብዝለዓለ ተወፋይነት ክሳተፍን ቃልሱ ከበራትዕን ተላብዩ።

Oslo_vacaro_chairs

ቀጺሉ ሓው ዶክተር ተወልደ፡ ናብ ኖርወይ እትው ክብል ኣትሒዙ ብዝተገብረሉ ውዕዉዕ ኣቀባብላን፡ ብዝተዓዘቦ ስሙር ናይ ቃልሲ መንፈስ ዕጉብ ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብድሮኡ ኣትሒዙ ምስ ኣካየድቲ ጽላል ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ንነዊሕ ሰዓታት ሓሳብ ንሓሳብ ከም ዝተለዋወጠ ኣብሪሁ። ቀጺሉ እቲ ንሱ ዝሓሰቦ ምቛም ሽማግለ ኣብ ኖርወይ ድሮ ተመስሪቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክሰርሕ ምጽንሑ ሓደ ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ዝተርፍ ነዚ ኣብ ኖርወይ ተመስሪቱ ዘሎ ጥርኑፍ ናይ ቃልሲ ውዳበ ምስቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝምስረትን ዘሎ ሽማግለታት ከም ዝላለን ርክቡ ከም ዝደልድልን ብምግባር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዝለዓለ መድረኽ ከም ዝሰጋገር ምግባር ምዃኑ ኣዘካኺሩ። ኣብ ዝቐጸለ መደረኡ፡ እቲ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ዝጀመሮ ቃልሲ ኣብ 1973 ብሓደ ዘሕዝን ናይ ደሞክራስያውያን ተጋደልቲ ምቕንጻል ሓደ መድረኽ ከም ዝሰገረን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ይኹን ህግሓኤ ዝነበሮ ትዕዝብቲ ካብ ሽዑ ከም ዝጅምር፡ ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት ድማ ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ግጉይ ቍጠባዊ ፖሊሲ ኢሳያስ ዕዉት ክኸውን ከም ዘይከኣለ ኣነጺሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኢሳያስ ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ናብ ገበን ዘእቱ ክንቀሳቐስ ክፍጽም ምስ ተዓዘቦ ካብቲ ጭፍራ ክርሕቕ ከም ዝመረጸ ድሕሪ ምግላጽ፡ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ብገበን ክሕተት ዝግብኦ ጭፍራ ስለ ዝኾነ፡ ደለይቲ ለውጢ ብዚ ጀሚርናዮ ዘለና ተበግሶ ኣብ ኣህጕራዊ ቤትፍርዲ መታን ክንከሶ፡ ነፍስወከፍ ደላዪ ለውጢ ክሳብ ወርሒ ኣርባዕተ ናይዚ ዓመትዚ ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ዘ ሄግ (ሆላንድ) ንምኻድ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ምድላዋቱ ክገብር ከም ዘለዎ ኣገንዚቡ። ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ነዚታት ኣብ ምቅልጣፍን ሕጋዊ ባይታ ኣብ ምፍጣርን ዝሰርሑ ሓሙሽተ ብወለንታ ዝሰርሑ ጠበቓታት ድሮ ተዳልዮም ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ስርዓት ብጽገና ኣተዓራሪኻ ከም ዝቕጽል ንምግባር ዝካየድ ፈተን ብጥብቂ ከም ዝቃወሞን፡ ቃልሱ ድማ ምስ ደለይቲ ለውጢ ብምትሕብባር መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ምዃኑ ንምግላጽ መደረኡ ደምዲሙ።

Vacaro_Oslo_unity

ኣብቲ ዝቐጸለ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ ካብ ተሳተፍቲ ሴሚናር ዝቐረበ ብርክት ዝበለ ዝተፈላለየ ሕቶታት መሊሱ። እቲ ሰዓት 3፡30 ዝጀመረ ኣኼባ ክሳብ ሰዓት 11፡00 ናይ ለይቲ ክቕጽል ከሎ፡ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ተሳተፍቲ ናብ መንግስቲ እስራኤል ዝቐርብ ጥርዓን ናይ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣሕዋትና ስደተኛታታ ክፍረም ከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝካየድ ዘሎ ዶብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ሃገራዊ ባርነት ስለዝኾነ ጭፍራ ህግደፍ ክኽሰስ መደብ ከም ዘሎ፡ ከምኡ ክግበር እንተ ኾይኑ ግን ኣብቲ ኣብ ወርሒ 06/2014 ኣብ ጀነቫ ዝግበር ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣኼባ ጭብጥታት ክቐርብ ስለ ዘለዎ፡ ታሪኾም ብወለንታ ክገልጹ ዝደልዩ ክቐርቡ ከም ዘለዎም ተነጊሩ። ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ድማ ድሉውነቶም ኣረጋጊጾም።

ሓውትና ሕርይቲ ብወገና ንስድራቤት ወዲዓሊ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተገብረ ናይ ውጽኢት ገንዘብ ጐስጓስ ማዕረ ሓደ ሽሕ ዶላር ከም ዝተዋጽአን ብስም ጽላል ደለይቲ ለውጢ ኖርወይ ናብ ማዕከን ስድራቤት ወዲዓሊ ክለኣኽ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣስማቶም ክገልጹ ካብ ዘይመረጹ ዜጋታት ድማ ንመቐበሊ ክቡር ሓው ዶክተር ተውለደ (ወዲቫካሮ) ሽዱሽተ ሽሕ ክሮነር ከም ዝወፈዩ ገሊጻ። ኣብ ዮተቦሪ ዝነብር ሓው ኤፍረም ኢሳቕ (ሓዉ ንዳዊት ኢሳቕ) ብወገኑ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ ናይ ዘለዉ ናይ ሕልና እሱራት ኣዝዩ መሳጢ ዝኾነ ብስእሊ ዝተሰነየ ዓቢ ፖስተር ብምድላው ኣብ ቅድሚ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዘርጊሑ ከም ዝዕዘቡዎ ገይሩ።

 

እቲ ዕዉት ኣኼባ “ኤርትራውያን ንክንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኣለና፡” ብዝል ድሙቕ ጭርሖ ተዛዚሙ።

 

ዓወት ንህዝቢ!!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Yohannes Teclehaimanot February 24, 2014

    I think this is an opportunity for eriteans to rally around Wedi Vacaro’s call for a fundamental change in eritrea. He has time and again made it clear that he has no political ambition which of course is not a crime but helps avoid the conflict with other organizations that are actively working for political power in tomorrow’s eritrea. Wedi Vacaro’s call for change is timely and the most candid so far for the eritrean quagmire.

  • Tesfu Kbrom February 24, 2014

    An exemplary grass root movement is developing which I hopefuly believe will lead to a democratic Eritrea. I am proud that Eritreans in Norway are able to consolidate and coordinate their struggle against the PFDJ regime. If all Eritreans living in Europe follow suit, the days pressure on Isayas will be great and his followers will be demoralized as they already are. keep it Norway!! We stand With you! Be as steadfast as the VIKINGS were!! But you should copy only their steadfastness not their aim of plunder and vandalism.

  • waEro February 24, 2014

    Aman and Wedi Vacaro. Keep up the good work. We all are with you. Both are not interested in power.

  • all eritreans standup together for the cross eritrean revolutionary movement!
    dictatorism enough!
    military service enough!
    unemployment enough!
    starvation enogh!

    stand up together!.Now it must be the time for the ground performance!
    enough for much talking and internet and radio tiger!
    Revolution now! revolution now! revolution now !
    asmara,dekemehari,keren,tessenie,mendefera,massawa…..etc now revolution!
    We seek the eritrean military ,civil officers to join the revolution!
    REVOLUTION NOW!DEATH for Isayas,yemane monkey,sebhat efrem!
    stans up the youth ! stand up the youth!

POST A COMMENT