Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓይነይ ከስድድ! (ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ) ካልኣይ ክፋል፥

“ወዲ ክንደይ ዓመት ኢልካ ትግምተኒ ዝወደይ?” በሉኒ እቶም ነቲ ስድራይ ዝሃቡኒ መጠንቀቕታ ዘኪረ ክሓስብ ዝረኣዩኒ ኣቦ ፍሽኽ ኢሎም ዓይኒ ዓይነይ እናጠመቱ። “እዋእ! እንድዒ! ሰብዓዶ ትገብሩ?’ ተመሊሰ ሓተትኩዎም። “ክልተ ኣርባዓ ንኽመልእ፡ ክልተ ዓመት ተሪፈናኒ ኣለዋ ዝወደይ።

“ወዲ ክንደይ ዓመት ኢልካ ትግምተኒ ዝወደይ?” በሉኒ እቶም ነቲ ስድራይ ዝሃቡኒ መጠንቀቕታ ዘኪረ ክሓስብ ዝረኣዩኒ ኣቦ ፍሽኽ ኢሎም ዓይኒ ዓይነይ እናጠመቱ። “እዋእ! እንድዒ! ሰብዓዶ ትገብሩ?’ ተመሊሰ ሓተትኩዎም። “ክልተ ኣርባዓ ንኽመልእ፡ ክልተ ዓመት ተሪፈናኒ ኣለዋ ዝወደይ። ኣብዛ ትሪኣ ዘለኻ መርዓዊኣ ከም ዝመታ መርዓት፡ ሕርድ ኩምትር ኢላ ዘላ ከተማና ኣስመራ ከኣ 52 ዓመታት ታክሲ እናዘወርኩ ሽዱሽተ ደቀይ የዕብየ እየ። እዛ ታክሲ እዚኣ ከኣ ሻድሸይተይ እያ” ምስ በሉኒ፡ ‘እሞ ወዲ ሰማንያ ዓመት ቀሪብኩምሲ ገና ትሰርሑ ኣለኹም!? እቶም ደቅኹም እንታይ ኮይኖም ዘየብርዩኹም?’ በልኩዎም ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ከየመዛዘንኩ፡ ህውኽ ኢለ። “እህምምምምም!” ኢሎም ኣዕሚቖም ድሕሪ ምትንፋስ ከኣ ብኸምዚ ዚስዕብ ሃለዋት ደቆም ከዕልሉኒ ጀመሩ፥
 “እቲ በዅሪ ወደይ፡ ቀደም ደርጊ ‘ምስ ወንበዴታት ትራኸብ ኢኻ’ ኢሎም ኣብ ቁሸት ረሺኖሞ፤ ጾር ሓዳሩን ክልተ ደቁን ናባይ ስለ ዝወደቐ ኸኣ ኣነ ከምዛ ትርእየኒ፡ ታክሲ እናዘወርኩ ባዕለይ ኣዕብየዮም። እመስገን ፈጣሪ! ሎምስ ኣዲኦም እምበር ንሳቶምስ ክንዲ ሰብ ስለ ዝኾኑ፡ ነብሶም ክኢሎሙለይ እዮም፤ እንተ ነፊዖም ከኣ የዕርፉኒ ግዲ ይኾኑ ኢለ፡ ብተስፋ እናተጸበኹዎም ከለኹ፡ ብሃንደበት እዚ ዚገዝኣና ዘሎ ባልዋ (ኣርሓ መፍለስ) ካብ ሕቑፍና መንጢሉ ምስ ወሰዶም፡ እቲ ወዲ ኣብ ካልኣይ ወራር ተሰዊኡ፤ እታ ጓልውን ብድሕሪኡ ንስደት ክትከይድ፡ ኣብዚ ደቅና ዘሀልቕ ዘሎ በረኻ ምስ ተታሕዘት፡ ኣሻሓት ዶላራት ክንከፍል ሓቲቶሙና፡ ዝሽየጥ ወርቂ ይኹን ገዛ ስለ ዘይብልና ጊን ክንከፍለላ ኣይከኣልናን፡ በቃ በደው ቀቲሎማ!” ኢሉሙኒ ዝን በሉ። ኣነውን ጉህየ ርእሰይ ደፋእኩ። እታ ታክሲ ብኩንትራት ንበይነይ ተሳፊረያ ስለ ዝነብርኩ፡ ነዞም ኣቦ ንምጽንናዕ ዝሕግዘኒ ሰብ ኣይነበረን። ክልቴና ትም ኢልና ቊሩብ ምስ ተጓዓዝና ኸኣ፥
“ሽዑ ከምዚ ሎሚ ግዜ ኣይኮነን ነሩ ዝወደይ፡ ሓንቲ ባኒ ንኽትረክብ ግዳም ትሓድረሉ እዋን! ኩሉ ነገር ራኻ’ዩ ነሩ። ነዳዲ ንማኪናና፡ ጋዝ ንመብሰል ምግብና ከም ልብና’ዩ ነሩ። ከምዚ ሎሚ ከተማን ገጠርን ምፍላዩ ክሳብ ንስእን፡ ኣብ መዲና ሃገር እናተቐመጥና፡ ብጸላም ደርገፍገፍ ኣይንብልን እና ነርና! ዝተሳእነ ኣይነበረን። ከምኡ ሳላ ዝነበረ ኸኣ ስድራቤታት ካብ ክልተ ቈልዓ ንላዕሊ ወሊደን ከዕብያ ክኢለን። ሎሚ ግን ነዛ ንሩሕካ እኳ ንጋዳ! እቶም ዝተረፉ ሓሙሽተ ደቀናዊን እቶም ክልተ ብድሕሪ መርሸንቲ ሓዎም፡ ናብ ገድሊ ከይዶም። ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወድን ሒጅና ተሪፍና፤ ሓንቲ ካብተን ክልተ ኣዋልድዊን ምስቶም ፈዳይን ዲኻ ውፉያት ትብሎም ክትታሓባበር ስለ ዝረኸቡዎ፡ ንኣኣዊን ደርጊ ወሲዶም ኣብዚኣ ኣተወት ከይበልናያ ኣሕቂቖማ። እታ ሓፍታዊን ብድሕሪኣ ተመርዕያ ሓዳራ ገራ ኣብ ኣኽርያ ትነብር ነራ፡ እንተኾነ ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘይኮነ፡ ሓድጊ ከይገደፈት ሻቡ ብሕማም መይታ። እቲ ሓደ ወደይዊን ሓዳርካ ግበር ተበልናዮ ኣብዩ፡ ክሳዕ እዞም ደቅና ካብ በረኻ ዝኣትዉ ምሳና ጸኒሑ፡ ድሕሪ ናጽነት ምስ’ዞም ጎረቤትና ኣብ ዝተገብረ ኲናት፡ ምስቲ ወዲ ዓቢ ሓዉ ተሰዊኡ” ኢሎም እንደገና ዝን ምስ በሉ፡ ቅልጥፍ ኢለ፡ ‘እቶም ክልተ ንሜዳ ዝወጹ ደቅኹምከ ተመሊሶምዶ?’ ክብል እናተሰከፍኩ ሓተትኩዎም።
“እቲ ሓደ ‘ተሰዊኡ!’ ኢሎሙኒ፤ እቲ ሓደ ግን ኣካለ ስንኩል ኮይኑ ኣትዩስ ወሊዱለይ ከማን ደቁ የታዓብዮ ኣለኹ። ሓደ ዘይሰምዕ ውላድ ደኣ ኣሎዎ፡ ሞኽ ኣቢሉና ኣሎ’ምበር” ብምባል ፍሽኽ ስለ ዝበሉ፡ ‘እንታይ ኮይኑ ደኣ ዘይሰምዕ?’ በልኩዎም ቅልጥፍ ኢለ። “እዋእ! ሽኦል’ዩ ሽኦል! መትሓዚ የብሉን! እነሀለካ ነዞም ይግደፍዶ መንደፍ ትብሉዎም ገዛእትና፡ ካብኣቶም ንላዕሊ ዝሰይጠነ ጋኔን ኮይኑዎም፡ ክኣስሩዎ ክፈትሑዎ ረብሪቦም!” ምስ በሉኒ፡ ‘እንታይ እናገበረ ደኣ ብቐጻሊ ይኣስሩዎ?’ በልኩዎም ብፍሽኽታኦም ተተባቢዐ።
“ኣንታ እንታይ’ሞ ዘይገብር እዚይ! ሰብ ኣብ ጽንኩር ኲናት ከሎ ላግጺ ተራእዩዎስ፡ ኣብቲ እዋን ኲናትሲ፡ ኣብዚ ናይ ትማሊ’የ ዝብለካ፡ ሓደ ሓላፊ መጺኡ፡ ‘ካብ ሻድሻይ ክፍሊ ንታሕቲ ዝተማሃርኩም በዚይ ኩኑ፣ ካብ ሻዱሻይ ክፍሊ ንላዕሊ ዝበጻሕኩም ከኣ በዚይ ኩኑ’  ኢሉ ምስ ፈላለዮም፡ ነቶም ካብ ሻድሻይ ክፍሊ ንታሕቲ ዝተማህሩ ንድሕሪት መሊሱ፡ ነቶም ካብ ሻድሻይ ክፍሊ ንላዕሊ ዝተማሃሩ ጊን ናብ ግንባር ምስ ኣበገሶም፡ እዚ ጠንቃም ወዲ ወደይ፡ ‘ሕቶ ኣሎኒ’ ኢሉ ኢዱ ሓፍ የብለልካ፡ ‘ተዛረብ’ ምስ በሎ ኸኣ ‘ስማዕ’ንዶ ተለንተ ክሓተካ፡ ንምንታይ እኻ ደኣ ነዞም ዘይተማህሩ ገዲፍካ ነዞም ምሁራት ናብ ውግእ ትሰደና ዘለኻ? እዛ ውግእ ናይ ሎሚ ብእንግሊዝ ድያ ክትካየድ?’ ምስ በሎ፡ ሓላፊኡ ተቘጢዑ፡ ‘ያላ ሕለፍ!’ ብምባል፡ ኣእዳዉ ቀፊዱ ኣሲሩዎ።” ምስ በሉኒ፡ ካዕካዕ ኢለ ሰሓቕኩ። ነቲ ኣብ ዘዝሓለፍናዮ ጎደና ተገቲሩ ዝረኣየና ዝነበረ ሕሰም ኣስመራን ህዝባን ንግዜኡ ረሲዐ፡ ክስሕቕ ብምኽኣለይ ከኣ ደስ በለኒ። እቶም ኣቦውን ብወዲ ወዶም ከዕልሉ ከለዉ ባህ ስለ ዝበሎም፡ ተወሳኺ ከዕልሉኒ ተወከስኩዎም።
“ኣንታ ክንደይ’ሞ ክብሎ’የ እዙይ ዝገበሮ! መቚጸሪ የብሉን! ብድሕሪኡኸ እንታይ ድዩ ገሩ መሺሉካ፡ ዓሰርተ ዝኾኑ ጸባ ጸገብ ደቂ ጋንታኡ ሓርዩ፡ ናብ ታንኪ ብምእታው፡ ‘እዛ ታንኪ ሞተራ ምትንሳእ ስለ ዝኣበየኒስ ንዑ ድፍኡኒ’ ኢሉ ታንኪ እናኣድፍአ ብድኻም ረሃጽ ንረሃጽ ገሩዎም፡ ወላእላእ ምስ በሉ፡ ሓላፊኦም መጺኡ ርእዩዎም። ሻቡ ነቲ ወዲ ወደይ ካብታ ታንኪ ኣውሪዱ፡ እናደከረ፡ ናብታ ዝቕፈዱላ ጉድጓድ ኣእትዩ ዓጺዩዎ። እንታይ’ሞ ይፈግድ ድዩ ሞሺሉካ? ካብኡ ምስ ወጸዊን መሊሹ፡ እንታይ ገሩ ይመስለካ፡ ሃሃሃሃሃሃ…” ኢሎም ምስ ሰሓቑ፡ ኣነውን እታ ዘስሓቐቶም ዕላል ከይነገሩኒ ከለዉ ሓቢረዮም ሰሓቕኩ።
“ካብዛ ኣገልግሎት ትባሃል ፋሕ ብትን የእቲያትልና ዘላ ባርነት ንምልቓቕ ኢሉ መሸም ዘይሓመሞ ሕማም የብሉን እንድዩ፡ ኩሉ ምስላጥ ምስ ኣበዮ ከኣ ‘ምሸት ዓይነይ ኣየሪአየንን’ዩ’ ኢሉ ዋርድያ ምውጻእ ኣቢዩዎም። ‘ደሓን ብብርሃን ትወጽእ’ ኢሎም ምልቃቕ ኣቢዮሞ። እንደገና ካልእ ምኽኒት ክምህዝ ስለ ዘይከኣለ ጊን ብኣምሆይ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ኪወስድ ወሲኑ። ናብ ሆስፒታል ዓይኒ ከይዱ፡ ናብ ዶክተር ምስ ቀረበ፡ ‘እንታይ ክንሕግዘካ?’ እንተበሉዎስ ‘ዓይነይ ስደዱለይ!’ ኢሉዎም!” ብምባል፡ ካዕካዕ ኢሎም ምስ ሰሓቑ፡ ኣነውን ምሰኦም ሓቢረ ካዕካዕ ኢለ ብዓውታ ሰሓቕኩ። “ኣንታ ወደይ፡ ኩርምቲ ኸኣ ክስደድ ንፈልጥ’ምበር ዓይንስ…! ደቂ ሎሚ’ኮ ዘይትዛረቡዎን ዘይትገብሩዎን የብልኩምን! ሙዃን ከኣ እንታይ ዘይገበርኩም ይዋእኩም! ካብዞም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዝኾኑ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝኸፍአ፡ መንግስቲ ምረትን ስቅያትን ረኺብኩም፡ ሰላም ከሊኡኩም። ድያብሎስ ገዚኡዋ ዓዲ! “ነዓቒ ኣይፍቶኻ፡ ደቃሲ ኣይሓሉኻ!” ከም ዝብሃል፡ ጓሳ ስኢንኩም ደቅና ፋሕ ጭንግራሕ ትብሉ ኣለኹም!” ምስ በሉኒ፡ ነቲ ብፍሽኽታ ተፈቲሑ ዝነበረ ገጾም ብቕጽበት እስር ኣበሉዎ። ናብታ ዝጸንሑዋ ፍሽኽታ ክመልሶም ስለ ዝደለኹ ኸኣ ቅልጥፍ ኢለ፡ ‘እሞ ሕጂ ኸደኣ ኣበይ ኣሎ ወዲ ወድኹም ኣቦ?’ በልኩዎም።
“ወንቢዱ ድዮም ኮብሊሉ ዝብሉዎ፡ ሓኪሉ ምኻድ ኣብዩ፡ ክሳዕ ሃደንቲ መጺኦም ሓኒቖም ዚወስዱዎ ኣብ ገዛኡ ኮፍ ኢሉ ኣሎ። ኣንታ ትማሊ ምሸት እንዶ ግዳ ሓደ ጽጋባ ሰብ ኣጥፊኡዎ ነሩ! ብሩኻት ከምዚ ከማኻ ደኣ ካብ ሞት ኣድሒነሞ እምበር” ምስ በሉኒ ዕትብ ኢሎም።
‘እንታይ ዚኾነ ጽጋባ!? እንታይ ጌሩዎ?’ በልኩውም ስንብድ ኢለ።
ኣብ 3ይ ክፋል ይቕጽል…
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 27-02-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • manfree February 27, 2014

    IT is very sad story and I fell really sorry for our fathers and mothers who have worked hard to look after the family ,, it is sad to have this evil hgdf regime and destroy our country .

    FREEDOM WILL COME VERY SORRY

  • Morroso February 27, 2014

    eritrawit
    Don’t worry Dear sis/bro thank you for understanding dear.

POST A COMMENT