እንታይ ገደሰካ ዲኻ ዝበልካኒ
ትም ዘይበልኩ ህዝበይ እንዳተበደለኒ
ንሓቂ ብቁሉዕ ክክሕዳ ትደልየኒ
እምበለይ ኣነስ ከይሰምዓካ ሕሩም ይኹነኒ::
እቲ ሰማዕ ጎይታ
ሰሚዑ እህህታ
ኣዊጁ ዘጸኣት
ክወጹ ሓርነት
ክንዲ ዘቋምት
ዝእምት
ዘሰተብህል ቅድሚት
ሓሲበ ቀረባ
ፈሪሳትኒ እንባ
ኣብ ጽመዋ ዝቦቐለት ኣውሒ
ብዓቲ ዝወለደ ከውሒ
‘ኣውሒ ሰይጣን’ ‘ከውሒ ሰይጣን’
ተባሂሉ ክጽዋዕ ውጽዋይስ ሰሚዕና
ካብ ኣቦና ኣባሓጎና
ሰይጣን ግን ኣይረኣየን ዓይንና።
ሳይንስ ዘይኣምን ትምክሕቲ ቀለቡ
ምሁር ምስ ዝርኢ ዝቖስል ልቡ
ብሱሱዕ ቅንኢ መንፈሱ ተሰሊቡ
ኣቐዲሙ ኣጥፊኡዎም በላሕቲ ቆላሊቡ
ሓደሽቲ ከይፈርዩ ተንኮል ሓሲቡ
ንዕውር ኣንቍሩስ እንታይ’ዩ መኽሰቡ::
ሃገረይ
ሃገረ–ሓርበኛ
ዓጋት ትንፋስ ደመኛ
ስቕ ‘ልካ ድዩ ዝረአይ
ዘይትብል ደብረይ
ንገለ ዘይናቱ እንክምጥዎ፡
ንገለ እታ ዘላቶ ይምንጥሎ፡
መንዩ እንተበሉኹም መን ትብለዎ፡
እዚ እውን ክሕለፍ ሙዃኑ
ሓጹር ተዘሊሉ…
ኣእጋረይ ተመን እንዲዩ ረጊጹ
ሕጂ ዶ ብልሕጺ ተዳሂሉ…
ኣሎ እኮ…
ደሙ ገና ካብ ኣንጕዑ
ኣይሃፈፈን
የስተንፍስ ኢዩ
ሞይቱ ተባሂሉ
ኣይተቐብጸን
ምራቕ ንእስነተይ ዝሰተኺ ጎርዞ
መን ኣጋግዩኪ ልቢ ከይኣዘዞ
ግደይስ ሂበኪ ግዴኺ ተሪፉ
ጣዕሳ የብለይን እንቋዕ ኣይበደልኩ
ንጽባሕ ኣብ ሎሚ ዝረኣየ፡
መንደቕ ጽንዓት ትርጉም ህላወ፡
ኣፍራዛ ኣልዒለ
ጎቦታት ፈንቂለ
‘ተኾይነ ወሓለ
ነዓይ ዝቐለለ
ልበይ ዝሓረያ
ቁንጅና ጠባያ
ከም በርቂ በሪቓ
ካብ ጥቓይ ርሒቓ
ትማል ሓሊመ
ሕልመይ ኔሩ ቅድመይ ዜርእየኒ
በሰላ ግዲ ደሪኹዎ
ነዊሕ ኣሳልዩኒ…
ከይደሀ፡ ኣንደበቱ ዝገረዘ
ከይርእይ፡ የዒንቱ ዝዓመተ
ከይሰምዕ፡ ኣእዛኑ ዝደፈነ
ከይሙጉት፡ ኣንደበቱ ዝተረትዓ
ከይልሀ፡ ወኑ ዝቐተለ
ኣሎ ዝብልዎስ፡
ሞይቱ እንድዩ ኣብ ህላወ፡
ዜጋ ተሓጉሱ ምምጻእኪ ቆጺሊ ኣውሊዕ
ኹሉ ተመኒዩልኪ ሰላምኪ ክደምዕ
ዕሸል ክዓኩኽ
ዕንዳይ ክጉበዝ
ጎምበል ክመስል
መሲሉ ከሽምግል
ዓንኬል ከተብቅዕ
ኣሪጉ ከላግስ
ኩሉ ግዜ ንቕድሚት።
ኪንዮ ሎሚ ኣብ ጽባሕ፡
ኣረጋጊጹ ክነብር ምስ ሓረየ፡
ካብ ትማሊ ሎሚ ተማሂሩ፡
ሎሚ ትማሊ ከምትኸውን ተቐቢሉ፡
ነብሱ ኣጸናኒዑ ጠቢሩ፡
ሕጽረት፡ ብራኸ
ተንበርኪኸ
ቁመታ
‘ነኹ ‘ጥምታ
ግን የላን ብሂወታ
ኣብያ ደኣ’ምበር፡ ሓመድ ምስ ለበሰት
እዝኒ ምስ ጸመመት
ሎሚ 21 ሰነ ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ ብዛዕባ ስዉኣት ኣብ ዝቐረበ መደብ ሓንቲ ኣደይ ጉዕሽ ዝተባህለት 5 ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ 2 ድማ ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ ኵናት፡ ብጠቕላላ 7 ደቃ ዝተስዉኡዋ ውጽዕቲ ኤርትራዊት ኣደ ስውኣት “እቖርር ኣለኹ!” ኢላ ድሕሪ ምዝራባ ዝተደርሰት ግጥሚ።
ኤርትራና ኮይኑኪ ዲኺ ትም ክትብሊ
ካልእ ‘ተተረፈስ እህህ እንዶ በሊ
ኣሕሊፍኪ ሃብዩ ‘ዚ ርጉም ቀንጻሊ
ክትሓረልና መታን ናይ’ዚ ርጉም ቆጽሊ።
ሻዲኑለይ ብጻይ
ከዲዑኒ
ኣንቢዑኒ
ከም ዘየስተኹ ማይ
ከይበልኩ ናዓይ
ኣንቱም ሰባት፡
ካብ ምንባር ኣብ‘ዚ ኸዳዕ ዘበን
ዘየጽንዕ ኪዳን ዘየኽድን ሓበን
እንተንሓልፍ ምስ ተመስገን
እምበር ዶ ኣይምሓሸን?
ኣቤት ‘ወ!
ምደሓንና ካብ ንብዓትን ቃንዛን
ምርቓ ምበር መርገም ኣይነበረን
ኣብ’ዚ ጠላም ዘበን
መስዋእቲ’ዩ በለጽ ‘ቲ ህይወት ኣይኮነን!
ግራተይ ጸጊአ
ስገመ–ስርናይ ዘሪአ
ዓጺደያ ጺሀ
ጎጎይ ተምሲሐ
ልቢ ብቝሱሉ
ኣስናን ካብ ሰሓቐ
ከስዔ ኣመና ሪሒቡ
ልቦና ካብ ረሓቐ
ኣታ ማሰ፤ ማሰ፤
ማስ ክብለልኻ ኣነ
ማሰ፤ ማሰ።
ክንደይ እዃ ከይክእሎ ቃላት ወራሪቐ
ካብ ወፈርካ ጸሓይ ምስ በርቐ።
ማስ ክብለልኻ ድግድጊት ተዓጢቐ።
‘ነሆ ኣሰና
ትብል’ላ ኣሰይ
ክብረት ይሃበለይ
ንዑ ናብ ደንበና
ወረጃ ዝያዳ
ልባ ዝጻዕዳ
ጻዕራም ትግህቲ
ኣብ ቤትና ንግስቲ
ኣደይ ኣደ ኣናብስቲ
መን ደኣ ተሪፉ?
መደስከሊ ባዕሉ
ንሱ ውን
ንኹሉ ኸደንስክል ካብ ስራሕ ቦኺሩ
ንርእሱ ደስኪሉ
ኩሉ ደስኪሉ `ዩ ሃገር ብሃገሩ
ካብ በረድ ዝሒሉ::
ሃየ ዞም’ደቐይ!
እንተለኩም ሕንዃኽ
ፍቕሪ ዓዲ፡ ፍቕሪ ኣደ።
ተዓረቑ!
ተዓረቑ!
ስኒት ኢዩ ንባህታ ዘርጎደ።
(እንድርያስ ገብረኢየሱስ)