እወ… ኮኾብ ኮይኑ በሪቑ
ተራእዩና ካብ ጸሓይ ደሚቑ
ብሩህ ኮኾብ ወዲቑ
ልብና ተናቓኒቑ !!
እወ… ኮኾብ ኮይኑ በሪቑ
ተራእዩና ካብ ጸሓይ ደሚቑ
ብሩህ ኮኾብ ወዲቑ
ልብና ተናቓኒቑ !!
ቀሊለን ድየን እተን ፊደላትኪ
ኩናት ኩናት ኢሉ ኩሉ ዝደጋግመኪ
ዝሰንከሉ ድዮም ውሒዶም ተናፌቅኪ
ሕጂ ኸ መን’ዩ ክኽፈል ተባሂግኪ::
ህግደፍ፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝካየድ ዓለም-ለኻዊ ናይ ደማሙ ቅድድም ንምስታፍ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር፡ ንኤርትራ እትውክል ሓንቲ “ድሙ” ኣብቲ ውድድር ክትሳተፍ ለኣኸ።
ይቕረ ካብ ኣሕፈሮ ሰብ ምቕታል ደፊሩ
ሰብ ካብ ኣጽቀጠ ሰብ መታቲሩ
ተዛረብ ምቓበር!
ንቀታሊ ኣፈኛ ንመዋቲ ምስክር
መንጎኛ ኩነልና ወድኣልና ነገር!
ቃና መሰንቆ
ሻምቡቆ
ሓንቲ። ሓንቲ ብርጭቆ
ውነይ ምስ ሰነቖ
ኣካሉ ኣብ ዲያስፖራ
ሓሳቡ ኣብ ኤሪትራ
ተውለ ማንታ ልቡ
ዘይነብር ዓጊቡ
ገፋዕቲ ካብ ጀመሩ ክገፋፍዑ
ከምኣራዊት ሓድሕዶም ክበላልዑ
እዚ’ዩ ዓስቦም ንህዝቦም ዘንብዑ
ሃየ በሉ ዝሰተኽሞ ደም ጉስዑ::
ምዒድና ኢና ብቐደሙ
ከምዘይለቅቕ ንጹህ ደሙ
ኣብዩንዶሞ ተሓሲሙ
ከይናሳሕ ተኣሪሙ
ዋይ ኣነ ዓደይ
ቀረጽክኒ ኸብደይ
ናይ ደም መሬት
ክቱር ምረት…
ስደት… ከርተት…
ተሸሚማ ኣብ ደልሃመት
ዘመን ኣልቦ ዘንት እለት
ንጉስ ባዕሉ
ካህን ባዕሉ
መሊኡዩ ሂብዎ
ኣምላኽ ጸግይዎ
ኣብ ፈለማ ሌላ
ደው ኢለ ኣብ ገበላ
ዝሰሓግ ድምጺ ኣብ ብርከይ
መሬት ዕንቊ ከላ
ብሩህ እዩ ኔሩ
ጌና ካብ ጅምሩ
መጻኢ ዘመኑ
ሕልፊ ሰብ ምዃኑ
መዓሮይ ወለላ
ወፊራ ውዒላ
ኣብ ድርኩኲት ገበላ
ጉድ ተቐባበላ
ደይ ኣነ
ዘይቀሰነ
`የ ዝብል ድፍእ
ናዓይ`ዩ ዝኸፍእ
ኣይረድ ሓርበኛ
ኣየዕርብ ሕልና
ኣይጃጁ ጅግና
ከም ኣብ ሃገርና
ዓው ከይበለት፡ ንስቕታ
ሕራይ መሪጻ፡ ንኣውያታ
ጽኪ ‘ደ ዝጥዕመካ ጋባ
ንብዓት ኣደ ዝጥዕመካ ጸባ
ኣበይ ‘ዩ ፍጥረትካ ምድባ
መዓት ወሪድካያ ነደ ከም ናጤባ!
እንታይ’ዩ ወሪዱና ክንድዚ ኣስቂጥና
ንጌጋ ብጌጋ ንሓልፎ ሸፊንና
ሓደጋ ከይመጸና ንኸዶ ባዕልና
ተመሊስና ንብል ጌዜ በዲሉና ::
ህዝባውያን ከይንብል ሓፊርና
ዝናኹም ተበቲኑ ከምደበና
ባህግና ሃፊፉ ተስፋ ቆሪጽና
ዊንታኹም ከነማልእ ደኺምና::
ዘበነ ዓገብ ዶ በጺሕካ
ትማሊ ዓገብ ዝበሉኻ ዊሒጥካ
ብትዕቢት ትምክሕቲ ከምዘይተዛረብካ
ዝናዓቕካዮ ህዝቢ ሓገዙ ኣድልዩካ
ኣበይ እሞ ሕጂ ከድሕነካ
ጭራ ነብሪ እንዲኻ ዓትዒትካ
ጫማ ኣግፊሕካ ጠፊኡካ ዕቅንካ
ኣተርክሶ ጭሕምኻ ተማሃር ካብ ብጾትካ::
ኣያኒ በይነይከ !
ወይ ምርጋጥ ወይ ምፍርጣጥ ዶ ኾነ ምርጫኹም
ኣቲ ዓንተቦ ኩቡር ከሎ ስምኩም
ሰኣን ሃየ ሰኣን እነህልኩም
እንታይ ዝበልዎ ዘበን’ዩ ደቀይ
ንፋስ ኣትዩዎ ቲ ምውቕ ገዛይ
ክምንጠል ክውሰድ ውላደይ ሰብኣየይ
ከጣቕዕ ክዘልል ጉሁይ ከሎ ውሽጠይ::
ዝሃብካኒ መራሒ
ገዲዱ ካብ ኣይሂ
ይወስደኒ ኣሎ
ብጎደና ጓሂ
ዓይንን ኵሕልን
ኢድን ጓንትን
እግርን ሳእንን
ኣብዮትን ህግደፍን
ኣታ ክንደይ ትሓስሙ
ንበይንኹም ትደልዩ ጠጥዕሙ
ህዝብና እንዳበልኩም ትቖዝሙ
ወሪድዎ ህዝቢ ምንባር ተሓሪሙ::
እንተዝሕተት ማዕበል ቀይሕ ባሕሪ
እንዝቁጸር ሬሳ ኤርትራዊ
ምበለኩም ባዕሉ ቲ ዓሳ ነባሪ
ኤርትራውያን ዮም ኣብ መረቶም ዝሳኣኑ ክብሪ
ኣብ ከብደይ ምንባር ዝመረጹ ኣብቲ ዓሚቕ ባሕሪ
ስደት
ስደት መን ምስ ፈተዎ
ዓዱ ዝገደፈ ከፊእዎ
ዘይከውን’ዩ እምበር ኮይኑዎ
መጻኢ ዕድሉ’ዩ ጠፊእዎ::
ግዜ ግዜ እናወለደ
ሓሓቁ ምስተጋህደ
ምስተነቓነቐ መንግስቱ
ኣሜሪካያ መሃዚቱ
ኣነ ዝድሊ ሰላም።
ኣነ ዝደሊ ዕርቂ።
ንስኻ ግን !
እንቅዓ ሓሶት
ካዕቦ ጽልኢ።
“ቃኤል
ኣበይ ኣሎ
ሓውኻ ኣቤል?”
“ህድግለነ
ሓላዊኡ
መዓስ ኮይነ”
ትመጺ ከምቀደምኪ ዘይመስሎም
ንትማልን ሎምን ጥራሕ ሓሲቦም
ጎስዮሙኺ ይሓልፉ በቲ’ዝመጽእ ሰጊኦም
ግን…
ሕልሚ ፈሪሖም መዓስ ድቃስ ገዲፎም::