Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናበይ’ዩ እዚ ኩሉ ሸበድበድ

እንታይ ገዲሽኩም ተሽበድብዱ ካብቲ ናቱ ናትኩም ገዲዱ ሎሚ ዲዩ ህዝቢ ተአጊዱ ገዛኹም አፍሪሱ ገንዘብኩም ወሲዱ ገዛ ገዛ ንሰብ ተዋርዱ ፈርም እንዳበልኩም ተገድዱ ኮሎ ገና ነብስኹም ፍረዱ ከይትሓፍሩ ጊዜ እንተወሲዱ አብ ቅድሚ ህዝብኹም ትዋረዱ። ርብዒ ዘመን ሓሊፉ ብከንቱ ህውከት እምበር እንታይ አበርኪቱ ገምትዎም  ዝጠፍኡ ዝሞቱ እቲ ዝተረፈ ተዘሚቱ ብዶላር

እንታይ ገዲሽኩም ተሽበድብዱ

ካብቲ ናቱ ናትኩም ገዲዱ

ሎሚ ዲዩ ህዝቢ ተአጊዱ

ገዛኹም አፍሪሱ ገንዘብኩም ወሲዱ

ገዛ ገዛ ንሰብ ተዋርዱ

ፈርም እንዳበልኩም ተገድዱ

ኮሎ ገና ነብስኹም ፍረዱ

ከይትሓፍሩ ጊዜ እንተወሲዱ

አብ ቅድሚ ህዝብኹም ትዋረዱ።

ርብዒ ዘመን ሓሊፉ ብከንቱ

ህውከት እምበር እንታይ አበርኪቱ

ገምትዎም  ዝጠፍኡ ዝሞቱ

እቲ ዝተረፈ ተዘሚቱ

ብዶላር ገዚኡ ንመሬቱ

ዘሕዝነካ ናይቶም ዝመስረቱ

ገሊኡ ፈሪሱ ገሊኡ መሪቱ

መንግስትና ይብል አብ ስደቱ

ብሳንዱቕ ይምለስ እቲ መብዛሕትኡ

እንታይ ገደሸኩም ትጭነቑ

አየ መራሒ ኢልኩም ትድነቑ

ንሓደ ሰብ ክንድዚ ተሔንቁቑ

ተጣቕዑ ዋላ እንተጸይቑ

ኤርትራዊ ትዕግስቱ ጸንቂቑ

ሪኢኹሞዶ እንታይ ተራቒቑ

ብተንኮል ዝብገስ ተዓጢቑ

ፕላን ዝሓንጸጾ ተጸይቑ።

ገመል ሰሪቕካዶ ኮፈ ኮፍ መገዲ

ንኹሉ አሉታ ጠባዩ ዘይግዲ

ዓለም ፈሊጥዎ እቲ ናቱ መገዲ

ብሕጊ ዘይቅየድ ዝበተኸ ቀይዲ

ፈታዊ ዘይብሉ መንደላይ ናይ ዓዲ

እዝጊ ዝጸለአሉ ካብ ኩሉ ከሓዲ

መቐጻዕ መልሓሱ ዘይተቐጽዔ ወዲ

ፈቲኻ ጸሊእካ  መጺአ እታ ፍርዲ።

ሪኢኹሞ ክርቢት ዝሸርጠጦ

ብረቂቕ መገዲ ዝሓንጠጦ

መርዛም ጥጅእ አሎ ዘቐመጦ

ተራቒቑ ማንም ዘይፈልጦ

ካብ ብህጻኑ ዝወሓጦ

እከይ እንተዘይገሩ ዘዕለብጦ

ሕማም ከም ዘሎዎ ዘይንፈልጦ።

ንሱ አይኮነን ንሕና ተጋጊና

ጥዕና ሲኢኑ መረሒና

ደፕሪሲዮን ከሎዎ ሓውና

ከነጣቕዕ ጽሓይ ዓሪቡና

ብማዕጺድ አቲዎ ንህዝብና

ሱቕ ኢልና ክንሪኢ ተጋጊና

ማይ ጨሎት ኔሩ ሕክምና።

እቲ ህዝቢ እንተ ተሓቲቱ

አብ አስመራ አፎም ዘይከፈቱ

ዓዲ ሃገር ከይዶም ክምጉቱ

አብ ቅድሚኦም ደቆም እናሞቱ

እንታይ ኮይኖም ዓይኖም ዝዕምቱ

ምሕረት የውርደሎም ንምሸቱ።

እቲ ህዝብና ዘሕብን ታሪኹ

ዝኽፈል ከፊሉ ዕሸላት ወሲኹ

ናጽነት ብዓለም ተባሪኹ

እቲ ሓዘን መሊሹ ወሲኹ

ካብ ስደት ክምለስ ተሃዊኹ

እቲ ቀናእ ሓሶት ወሳሲኹ

ካብ መአዲ ዘተስእ ሃዊኹ

ከይንስጉም አእጋርና ሓሊኹ

ድሕሪት መሊሱና አምበርኪኹ።

አለዋዶ እተን ዘጭበርብራ

ከመይ ኢለ ክሰግረን ጸዋዕቲ መከራ

ክንዲ ጸሎት ሳዕስዒት ዘኽብራ

በላዕቲ ሰብ አብ ክንዲ እንጌራ

ቀሚሽ ዝድርቢያ ምስ ሰኸራ

ኢሳያስ ክነብር ክትጠፍእ ኤርትራ

ኩለን ምፈረማ ብሓበራ

አብ ልበን ዝወቕዓ ከይሓፈራ።

እነዋልኩም ንህዝቢ ሓሚሶን

ካብ ኢየሩሳለም ተመሊሶን

ናብ ኢሳያስ  ዝሰግዳ መሊሰን

ገዝ ኡ ምኸደ ዕጣን ሒዘን

ናብ ጓይላ ዝኸዳ ተሞርኩስን

ካብቲ ግብረሰናይ ተሰሪዘን።

አሎዋና ነዚ ዘይድግፋ

ህዝብና ምስበላ ዘየዕረፋ

ጽቡቕ ብታሪኸን ዝጸፈፋ

ስለ ህዝቢ ሂወተን ዘሕልፋ

ካብ ሰበን ተፈልየን ዝተረፋ

ጽቡቕ ታሪኽ ምእንቲ ክገድፋ።

 

ዘልአለማዊ ዝኽሪ ንስዋኣትና!

ዓወት ን23 ሰነ ጀነቫ!

ክንድሺሕ ገብረዝጊ ጀርመን

19/06/2016

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • heraneg June 23, 2016

    kab helna zerbu tsebyo kale yeln entrfo aynom endraye ezenom endasme ab kemze seate mesu zelwu .NAY MENENET KELWULAW ZELWOM TERAY EYOM.

  • DESALEGN BERHE June 24, 2016

    ጠንቂ ዶብ ዘይምሕንጻጽ?

    ኣብ ክንዲ ጠንቂ ጸገማት ዶብ ዘይምሕንጻጽ ኣለሊኻ ንሽግራት ምፍታሕ ዝፍተን ሰባት ሓንቲ ቃል ብምሓዝ ኮለል ክብሉ ይረኣዩ ኣለዉ። ይኹን ደኣምበር እታ ሓንቲ ቃል ዝብላ ዘለኹ ንጹር ክገብረልኩም ምስሕሓብ ባድመ በወገን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኣሰሓሓቢ ዝነበረ ጉዳያት በቲ ዝድለ መምዘኒ ፍርዱ ንኽህብን ንዝፍረድ ፍርዲ በወገን ክልቲኤን ሃገራር ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ንኽቕበለኦ ብዝገበረኦ ስምምዕን ዉዕልን መሰረት ው.ሕ.ሃ ባድማ ናይ ኤርትራ ምኻኑ ብዕሊ ፍርዱ ምስ በየነ ክልቲኤን ሃገራት ነዚ ወሳኔ ው.ሕ.ሃ ብምቕባል ብፌርምአን ኣረጋጊጸን እየን ። ይኹን ደኣምበር ኣብ ትግባረ ምሕንጻጽ ዶብ ንምብጽሕ ዕንቅፋት ኣጋጢሙ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስጋብ ክሕንጸጽ ኣይተኻእለን።

    ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን በብወገኑ ዝተፈላልየ ሪኢቶታትን ኣተሓሳስባን ሒዙ ዶብ ባድመ ከይተሓንጸጸ ልዕሊ 13 ዓመታት ኣቑጽሩ ይርከብ። ነዚ ጉዳይዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብይኑ ካብ ዝ ህብን ፋይሉ ብወግዒ ካብ ዘኣጹን ዳግም ነዚ ጉዳይ እዚ ክሪኦን ንፍትሑን ክሰረሕ ኣይከኣለን ዘሎ። ኣነ ብወገነይ እቲ ፍታሕ ቀሊል ክነሱ ብሓደ ኣካል ናይ ዘን ሲዒበን ዘለዎ ማለት ው.ሕ.ሃ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ ጠንቂ ኮይና ከምዘላ ንጹር ኮይኑ ይስማዓኒ። ስለዚ ነዚ ጠንቂ ወይ ጸገም ኩይኑ ዘሎ ነገራት ንኹነታቱ ከምቲ ዝድለ ተረዲእኻን ነቲ ጠንቂታት ብግቡእ ኣለሊኻ ንፍትሑ ምስራሕ የድሊ። እዚ ምስ ዘይኸዉን ግና ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን
    ንመዋእል ክፍታሕ ከምዘይከኣል ክንግንዘብ ይግበኣና በሃላይ እየ።

    ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍትሑ ዝወሃብ ብይን “ቀያዲ” ምኻኑ ንዝኾነ ሰብ ንጹር እዩ ጥራሕ ዘይኮነ ክልቲኤን ሃገራት ፈትየን ጸሊኤን ብዝኣተወኦ ዉዕል መሰረት ተቀይደን ሚኢቲ ብምኢቲ ተቐቢለንኦ እየን።

    እሞኸ ደኣ እቲ ጠንቂ ምስ መን እዩ ዘሎ? ንምታይ? ተሓታቲኡኸ መን እዩ?

    1. ው.ሕ.ሃ
    2. ኤርትራ
    3. ኢትዮጵያ

    አነ በወገነይ ከም ኤርትራዊ መጠን ንኤርትራ ክድግፍ ዘይኮነ ነቲ ሓቅን መፍትሒኡን
    ንዝብሎ ከምኡዉን መን እዩ ተሓታታይ ንዝብል ብትኽክል ከቐምጦ ምኻነይ ኣይጠራጠርን እየ። ምኽንያቱ መንግስታት ብናይ ዉልቃዊ ረብሓታቶም ንህዝቢ ከደናግርዎ ሕልናይ ፍጹም ስለዘይቕበሎ ንዝኾነ ስራሕ ክስራሕ እንተኾይኑን ፍታሕ ንኽትረኽበሉ እተተደልዩን በቲ ዝድለ ኣገባብን ሓንቀኛ ንዝኾነ መንገዱን ተኸቲልካ ጥራሕ ዝዕየ ምኻኑ ኣብ ዝብል እምነት ሰዘኣምን ነዚ ናይ ዶብ ምህንጻጽ ጠንቂ/ታት ኮይኑ ዘሎ ነገራት ኣብ ቀጻሊ ከቕርቦ ምኻነይ ክሕብር ይፎቱ። ምናልባት መንግስታት ይኹኑ ዉልቀሰባት ነዚ ናተይ ዘቕርቦ ሪኢቶ ወይ ባህ ከይብሎም ይኽእል ይኸዉን እዚ ግን ንዕዖም ጥራሕ እዩ ዝምልከት። ኣነ ዘገድሰኒ ናይ ዶብና ጉዳይ ብሕጋዊ ኣገባብ ፍታሕን መዕለብን ረኺቡ ብቀዳምነት ሕዝቢ ኤርትራ ብኻላይ ደረጃ ጎሬቤት ሃገርና ኢትዮጵያ ብሰላም ክንብሩ ጥራሕ እዩ ድሌተይን
    ትምኒተይን።

    “ሪኢቶኹም ወይ ሓሳባትኩም ክተፍስሱ ትደልዩ ሰባት መድረኽ ክፉት እዩ”

POST A COMMENT