እቲ ብሰንበት 3 ሓምለ ኣብ መሪት ካሌጅ ዝጀመረ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኤርትራውያን ሰሜን ኣሜሪካ ሰኑይ፣ ሰሉስን ሮብዑን ማዓልታት’ውን ኣብ ኢስት በይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ስፖርት ቀጺሉ ድሕሪ ሙውዓሉ እተን ቡሉጻት ሸሞንታ ጋንታታት ናብቲ ሓሙስ ዝግበር ርብዒ ፍጻመ ሓለፋ።
እቲ ብሰንበት 3 ሓምለ ኣብ መሪት ካሌጅ ዝጀመረ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኤርትራውያን ሰሜን ኣሜሪካ ሰኑይ፣ ሰሉስን ሮብዑን ማዓልታት’ውን ኣብ ኢስት በይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ስፖርት ቀጺሉ ድሕሪ ሙውዓሉ እተን ቡሉጻት ሸሞንታ ጋንታታት ናብቲ ሓሙስ ዝግበር ርብዒ ፍጻመ ሓለፋ።
ጓል 23 ዓመት ኤርትራዊት ካናዳዊት ኣትለት ለምለም ዑቕባስላሰ ኣብ ቫንኩቨር፡ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ Harry Jerome International Track Classic ቅድድም 800 ሜትሮ ድሕሪ ምዕዋታ ናብ ኣህጉራዊ ሻምፕዮና ተቋምት ምህላዋ The Province ዝተባህለ ጋዜጣ ብኣድናቖት ይገልጽ።
ብመጀመርያ ቅድሚ ናብ ጸብጻብ ምኻደይ ድምጺ ኣሰና ንዓና ንሰማዕታ ንምሕጓስ ገጻታ ኣስፊሓ ዓምድታት ኣርቢሓ ስለዝመጸት፥ ንኹልና ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ፈተውታን ሰማዕታን ኣሰየ ኣሰና እንቋዕ ሓጎሰና ክብል ይደሊ።
ናይ ሓባር መግለጺ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራን ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጥን ብምኽንያት ውድድር ኩዕሶ ኣግሪ ሰሜን ኣሜሪካ
በየነ ዘርኣይ በራኺ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣትሌት፡ ትማሊ ሰንበት 25 ሚያዝያ ኣብ ሃምበርግ (ጀርመን) ኣብ ዝተኻየደ 16 ሽሕ ተቐዳደምቲ ዝተሳተፉዎ ዓመታዊ ውድድር ጉያ ፡ ሳልሳይ ብምውጻእ ተሸሊሙ።
ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ ሎሚ 11 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ተሸሊሙ።
ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ ሎሚ 11 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ተሸሊሙ።
ብሃር ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ሎሚ 12 ጥቅምቲ ኣብ ሪዮ ዲ ጀኔሮ፡ ብራዚል፡ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ንሳልሳይ ግዜ ናይ ፍርቂ ማራቶን ሽምፕዮን ዝተዓወተ ቀዳማይ ወዲ ተባዕታይ ብምዃን ከኣ ታሪኽ ሰሪሑ።
ዳም” ክሳተፍ
ከምዘይከኣለ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ሎሚ ሰንበት (30 መጋቢት) ኣብ ኢደንብራ፡ ስኮትላድ ኣብ ዝተኻየደ ጉያ መሮር ሳልሳይ ወጺኡ።
በሃር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ኢድንብራ (ዓዲ እንግሊዝ) ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 9.3 ኪ.ሜ ሃገር ኣቋራጭ ውድድር ጉያ (Bupa) (cross-country championship ) ዝነኣድ ቅድድም ብምክያድ ካልኣይ ደረጃ ወጺኡ።
ሓበን ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝኾነ ጅግና ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ኡዳይን (ጥልያን) ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ተወዳዲሩ ወርቂ ማዳልያ ብምዕታር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዓወቱ ዓቂቡ።
ኤርትራዊ ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ዋና ከተማ ኣልጀርያ ኣልጀሪስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቅድድም ጉያ 10 ሽሕ ሜትሮ ‘ኦል ኣፍሪካን ገይምስ’ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ዓቲሩ።