[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/07/ምንዳፍን-ምፍራስን-ቅዋም-1.pdf"]
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/07/ምንዳፍን-ምፍራስን-ቅዋም-1.pdf"]
ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ነዛ ሓጻር ዓንቀጽ በጃኻትኩም ኣንቢብኩም ናብ ዘይኣንበባ ኣሳግርዋ፡፡ ኣይትንዓቕዋ ዝእረም ወይ ዝንቀፍ እንተለዋ ወስኹላ ኣርምዋ፡፡ ሓላፍነት ናይዛ ጽሕፍቲ ተሓታቲ ባዕለይ ኢየ። ብዛዕባቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዕለት 26 ኣብ ከተማ ጀነቫ ዝተኻየደ ድሙቕ ሰለማዊ ሰልፊ ብባህር ጋዜጠይና ኣማኑኤል ኢያሱን ብሰፊሑ ብስእልን ቪድዮን ተተንቲኑ። ኣብ
ሓድነት ትካላት መርበብ ሓበሬታ ደምበ ተቃውሞ! ሕጂ!!! ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ሓድነት ኣብ ሓደ መስርሕን ክውን ነገርን ዘለዎ ጥቕሚ ብምግላጽ ‘ዬ ዝጅምር። እስኪ ሓድነት ኣብ ስድራቤት ዘለዎ ጥቅሚ ንርአ። ስድራቤት ምስሊ ናይ መንግስቲ እዩ። ኣላይ ስድራ ኣቦ ኣደ ዓቢ ሓዊ ወዘተ እንዳበለ ዝወርድ ሰንሰለታዊ መስርሕ ‘ዩ። ሓድነት
ኣንታ እንታይ ተረኽበ ኣዬ ዓቕሊዶ ጸበበ ላዕልን ታሕትንዶ ኮነ መሸንቆቓ ዶ ጸቢባ ዘድምዕ ጊዜ ምስባኸነ ህዝቢ ምስ ምስተበታተነ ለባማት ደቂ ሃገርና ድጋጊሞም ሚዒዶም ዝሰምዕ ምስተሳእነ እዋይ ሕማቕ ዕድል ኣየ ህዝብና እዚዶ ትፍደ ከም ብደው ዝዓወነ ብገርማዕ ወዲ ገርማዕ ምስተማሓደረት ሃገር ክህሎቶም ዝበነነ ዓለም ካባና ትማሃር ኣላ አንዳበሉ ዝጭድሩ ከም ሰብ
ንመስከረም ዶት ነት ዓገብ ክብል እደሊ። ከም ሽም እቲ ዝዓበየ ተቃዋማይ መርበብ ሓበሬታ ስያመ ተዋሂብዎ ‘ሎ። ተቃዋማይ ዝብል ሽም። ብግብሪ ግን ኣይከምሽሙን። ተቃዋማይ እንተኾንካ እኮ ክህልወካ ዘለዎ ዕላማታት ንጹርን ፍሉጥን እዩ። ብሽም ተቃዋማይ ግን ከኣ ደጋፋይ ኮንካ ምቅራብ ኣይግድን። ንዝበልሐ መጉደሚ ኮንካ ከምቅራብ እዩ። ኣብ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/07/PFDJ-DESPERATE-ACT.pdf"]
https://www.youtube.com/watch?v=4U1hYHJnvrs
"እቲ ምርጫ ንጹር እዩ። ወይ ምስ ሕቡራት ሃገራት ወይ ምስ ሃገርካ ምውጋን።" "ሎሚኸ፡ ንካልኣይ ግዜ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብሕቡራት መንግስታትክውሰን?" "እንተ ብፍላጥ፡ እንተ ብዘይፍላጥ: መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብሕቡራትመንግስታት ንኽውሰን ዘተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቭ።" "ሬድዮ ወያኔ ሬድዮ ወጋሕታ ዘቕረቦ ጸበጻብ ሰላማዊ ሰልፍታት
ብቀዳምነት ሰላምታና ነቐርብ። ቀጺልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ እንድያናፖሊስን ከባቤአን ነቲ ተወንዚፉ ዝጸንሐ ዓመታዊ ጉባኤና ንምዝዛምን ንምስልሳልን ንዕለት 07/11/2015 ከነካይድ ስለዝኮንና ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ፡ ጉዳይና ስለዝኮነ ጻዊዕትናን ዕድሜናን ኣክቢርኩም ብሳዓትኩም ክትርከቡልና ብትሕትና ንምሕጸን፡፡ ነዚ መደብ’ዚከኣ ንዘይ ሰማዑ ጉድሳት ሰባት ንምሕባር ኣብ ጎስጎስ ነብሲ ወከፍ ክትተሓባበሩና ኣሰናዳዊት ሽማግለ ማሕበር
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/07/AGM-Invitation_london.pdf"]
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/07/TRUTH-ENDS-IN-DARKNESS.pdf"]
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/06/ኣብ-ጀነቫ-እንታይ-ከምድራአናዶ፡.pdf"]
ኣገናዕ ጀነቭ ዝወዓልካ ሕልናኻ ኣቕሲንካ Tesfamariame Wel. 30/06/2015 Norway ህዝቢ ተላዒሉ ከካብ ዝነብረለን ሃገራት ብዘይ ተጽዕኖ ብሕልና ምእንተ ዉጹዓት ተወዲኡዎ ኣስተንቲኑ ብናይ ህዝቡ ምረት ቃሉ ከስምዕ ኣብ ቅድሚ ሕቡራት ሃገራት ሰናይ ዘመን ኮነ ጠጥዕሙ ዘበስር ንደላይ ፍትሒ ቃል ኪዳን ዘተኣሳስር ኣብ ሓደ መኣዲ ተጠርኒፍና ክንመክር ህዝብና ስኒትና ሰሚዑ ተስፋ ክገብር ቀሪቡዩ ሕጂ ክውዳእ ሽግር ናይ ህዝብና ብሳላ ጽንዓት
ጳጳስ ኣመሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣባ ሲኖዳ ካብ ናይ ኣመሪካን ካናዳን ካብ ናይ ጵጵስና ሓላፍነት ስራሕ ተገሊፎም። ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ ጉጅለ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዑደት ይገብር ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ሰነ 26, 2015 ኣብ ከተማ ፊላደልፍያ ዝተኣካቡ ኣባላት ቤተ ክርስቲያናት ኣብ ዘለውዎ፥ ኣባ ሲኖዳ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/07/Ab-Zekemetkayo-Znebr.pdf"]
ውዕሎ ጀነቫ 26 ሰነ 2015 እቲ ፍሕሹው ገጽ ተጋዳላይ፡ ዳግማይ ኣብ ጀነቫ ርእየዮ ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም 29/06/2015 ድሕረ ባይታ፡ - ዝኽትምና ዝብል ቃል ኣብ ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝውቱር ኢዩ። ኣቡኡን ኣዲኡን ወይ ሓዲኦም ዝሞቱዎ ቆልዓ፡ ግቡእ ሓልዮት ናይ ወለዲ ስለ ዝጎድሎ ዘኽታም ይበሃል። ዝዘኽተመ ቆልዓ፡ ክሳብ ዓቕመ- ኣዳም ዝበጽሕ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/07/ኤርትራ-ኣብ-ቓራና-1.pdf"]
ንወ/ሮ መድህን..! ህግደፍ ተጨኒቑ ፍጹም ኣዕወንዊኑ ልዕሊ እምባሶይራ በሪኹ ገበኑ ካብ ሰብ ከይክዉሎ ገለ ሸፋፊኑ ክፉኡ ዝኸድን ዓለባ ስኢኑ ኣደድ ክፉእ ትርኢት ወጺኡ ዕርቃኑ! እታ ምኽኒት ሓሶት መሰንቖ ባድመ ዓለም ብቕኒታ ወትሩ እናጸመመ እዚ ዓማጺ ጉጅለ ሕድሪ ዝጠለመ መብጽዓ ሰማእታት ስለ ዘይፈጸመ ህዝብን ሰራዊትን ኢዱ እናሰለመ ይበታትን ኣሎ ከም ደበና ግመ! ብስም እዛ ሃገር ህዝቢ ኣደናጊሩ ኣብ ስልጣን
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/06/Geneva_teklesenbet.pdf"]
ኣለኹ ምሳኻ ብመንፈስ : ደላይ ፍትሒ ንስለይ ትቃለስ ኣውያተይ ከተስምዕ:ብለይቲ ብቐትሪ ትግስግስ ዝተረገጠ ማዕጾ ክትኹሕኩሖ ይርኣየኒ’ሎ መሬት ከተውግሖ:: ይሰምዖ’ለኹ መቓልሕካ ድቁስ ዘበራብር ሓያል ቀላጽምካ ኣርዑት ምልኪ ዝሰብር:: ኣብ ዒላዒሮ ተመቁሐ ኣፈይ እንተ ተዓብሰ ትሕተ መሬት ኣደልሰር ስጋይ እንተበስበሰ ኣሎኹ ብመንፈስ ምሳኻ ይዕልል ተመቁሐ ኣእጋረይ ብተስፋ ይዘልል:: ረስኒ ዊዓ ናኹራ ገላዕሎ ቆርበተይ ቀሊጡ ስጋይ እንተቖሎ ኣለኹ ሳላ ዝበልካኒ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/06/ጀነቫ፡-ሓመድ-ድበ-ስርዓት-ህግደፍ።.pdf"]
እታ ልሳን ህግደፍ ዝኾነት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ብ20 ሰነ 2015, “ትሕዝቶን ተኣማንነትን ዘይብሉ ጸብጻባት ‘ኣጻራዪ ኮሚሽን’ ውድብ ሕቡራት ሃገራት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝቀረበ ክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከነኣእሶን ዘይመልክዑ ከትሕዞን ፈቲኑ። ምዕልባጥን ዓበድበድን
ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኽና ምስ እንውከስ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ዳርጋ ሚእቲ ዓመታት መዋእል ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ወራርትን ገዛእትን እናተዳህከ’ዩ መጺኡ። ንኹሉ ወራራት’ውን በብዞኑኡ እናመከተ ኣፍሺልዎ። ምዕራባውያን ንእንዱስትሪያዊ ምዕብልናታቶም ዝኸውን ጥረ ሃብቲ ንምንዳይ ንኣፍሪቃ ቈራሪሶም ተኻፊሎማ። ኤርትራ ሃገርናውን ግዳይ ናይዚ ምዕራባውያን ውጥን ብምዃን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ
ኣማኑኤል ሳህለ ኣብቲ ነዊሕ ናይ ህይወት ጕዕዞ፡ ንስኻ ወይ ድማ እቲ ኣከባቢኻ (environment) ከይተለወጠ ስለ ዘይተርፍ፡ ወይ ንስኻ ክትብድሆ ኢኻ ወይ ከኣ ንሱ ኪብድሃካ እዩ። ወይ ንስኻ ክትልውጦ ኢኻ ወይ ድማ ንሱ ኪልውጠካ እዩ። ተጠማሚትካ ደው ምባል የልቦን። ክትዕወት እንተ ኾንካ ድማ፡ ወይ ነቲ ኣከባቢኻ ምሰል/ተመሳሰል፡
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/06/Un-reports-torture-on-eritrea-1.pdf"]
ፈውሲ መርዚ ገበል ሓድነት። እዝክረካ’ወ ንቑሕ ዉፉይ ንጉስ በረኻ፡ ቆራጽነትካ ዘፍትሔ ዕጥቂ ጸላእትኻ፡ ዓወት ንሓፋሽ ዝነበረ ስንብታኻ፡ ህይውትካ ዝኸፈልካ ንዕላማኻ፡ ነቕንቃ’ስከ ንዋዕሮ ሳሕል ብጸይትኻ፡ ከዘንትወልኩም ሕሰም ናይ ህዝብኻ። ኣቦኻ ተጸቢዮም ነይሮም ክላበውኻ፡ ናፍቖት መሊኻ መገሻ ኣርሒቖም ክደልዩኻ። ኣደኻ”ስ ደቅኻ ከጽንሓልካ ሃቂነን፡ ክመርዓው ያኢ ሓድጊ ክገድፉለን፡ ተካል ማህጸን ግን ሕሹኽ ኢላተን፡ እዚ ዝሰምዔት ዘይተጻዋሪት ልቢ ጠሊማተን። ድኽነትን ዝኽትምናን በዲሆም
ጀጋኑና ፍሥሓየ መብራህቱ ጀጋኑ ኤርትራ ኣቱም ነጋውሠ መስዋዕትኹም ክዝክር ሎሚ ኣሓዲሸ መንነትኩም ክዝርዝር ሞያኹም ጠቒሸ ዝኽሪ ጨጓር ዳንጋ ጡና ዝጠሓሰ ዝኽሪ ንኡስ ጓሳ ገና ዘየግዓሰ ዝኽሪ ደፋእ ድንኵል ሕዳድ ዝሓረሰ ዝኽሪ ናይ ሸቃላይ ለይቲ ዝገስገሰ ዝኽሪ ተማሃራይ ደብተር ዝዳህሰሰ ዝኽሪ ሊቅ ምሁርና መጽሓፍ ዝደረሰ ዝኽሪ በዓል ሞያ መሬት ዝሃንደሰ ዝኽሪ ሓካይምና ሕማማት ዘልገሰ ዝኽሪ ጓለ’ንስተይቲ ቃልሳ ዘይንኣሰ ኣኃታ ኪወርሳ
ብመሰረት ዉድብ ሕብራት ሃገራት ዝመዘዞ መርማሪ ኮሚሽን ዘቅረቦ፡ንሓቀኛ መከራን ስቃይን ንሓቀኛ ምስልን ወጸዓን ህዝቢኤርትራ ዝገልጽ ጸብጻብ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዕብድብድ ኣእቲዩሉ ይርከብ። ነቲ ጸልማት ትጎልቢቡን ብሚስጥርን ብቃጻን ብሽርበት መልክዕን ክፍጽሞ ዝጽነሐ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ጨካን አረመናዊ ገበናት፡ እነሆ ሕጂከም ጸሓይ ቀትሪ ቦጣዕጣዕ ኢሉ፡ከዊልካ ዘይክወል፡ ሽፊንካ ዘይ ሽፈን፡ኣመኽኒኻ ዘይሕለፍ
ትርጉም ዘይብሉ ጉዕዞ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ንጀነቭ ኣብ ዓዲ-ዲሞክራሲ ኰይንካ ንዲሞክራሲ ምቀዋም? ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ፡ጨቋንን ተጨቋንን ዘለዎ ስርዓት፡ ተቓዋምን ደጋፍን ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ። አብቲ ናይ መጀመርታ መድረኽ እቶም ተቓወምቲ ውሑዳት ኢዮም። እቲ ቅኑዕ ዓላማ ስለ ዝተዓጥቁ ግን እና በዝሑን እናሓየሉን ይኸዱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ዓወቶም
ጅግንነትን ቆራጽነትን ብልሕን መስዋእትን ተሓኤ ዓቢ ግናዕ ናጽነት ኤርትራ’ዩ። ሃገራዊ ቃልስና ካብ ዝቀጻጸል ኣትሒዙ፡ ተጻብኦታቱ ዋላ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ይደይብ፡ ሳላ’ቲ ውሁብ ሓቅነቱ ንኽምክት ህዝባዊ ግርማ ስለ ዝነበሮን፡ ካብ ዕለት ንዕለት ቅያታት ዘይተፍልዮ መስተንክር መስዋእቱ እንዳኣተርንዐ ዓወት ክጓናጸፍ ክኢሉ’ዩ። እቲ ተቓላሲ ባህርን መኸተን ህዝብና፡ ብቐንዱ እቲ
ህልዋት እናቐተልካ ስውኣት ከተኽብር ብኸመይ መገዲ…..? ናጽነት ኤርትራ ፍረ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት እያ፡፡ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ: ንኹሎም እቶም ንስለ ናጽነት ህይወቶም በጃ ዝኸፈሉ ጀጋኑና ብፍሉይ እንዝክረላ: መብጽዓና እነሓድሰላ: ክብርቲ ዕለት ስለ ዝኾነት፡፡ እቲ ምንታይ ጀጋኑና ንሞት እናተቐዳደሙ ግንባሮም እንተዘይህቡ፡ ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ስዓብ
ጡረታ ጌርኩሞ! ወዲ ሰብ ከም ዓሳ ካብ ጐልጎል ክትገፉ ኣሪግኩም ቆንቊንኩም እንካብ ትስነፉ ኣቱም *እምሄዋትና ሎምስ'ባ ኣዕርፉ *ኣባሓጎታትና ክሳዕ ግዜ ሞትኩም ስልጣን ከይትገድፉ መብጽዓ ኣሎኩምድዩ ናይቶም ዝሓለፉ!? ክሳዕ እትወድቁ'ወ ብሕማም ሰንኪልኩም ኣብ ኰረሻ ስልጣን ክትነብሩ ኣራጢጥኩም እቲ ዝፋን ናይ ህዝቢ ኪኸውን ደሞዝኩም ጡረታ ጌርኩሞ ዓስቢ ምግዳልኩም ነዚድዮም ስውኣት ሓደራ ኢለሙኹም!? ስልጣንኩም ዘይድሩት ከም ኣልፋን ኦሜጋን ህዝቢ እናኣታለልኩም
20/06/2015 ጀኔቫ ሓቂ ፍረዲ እንታይ ክ ኢዩ ጉዱ ገሪሙና ተጋጊና ዲና ሲኢና ጥዕና ዘይንሓስብ ስቓይ ናይ ደቅና እቶም ዝዕዘቡስ እንታይ ይብሉና ሙሉእ ዓለም ይዛረብ ብአና ካባና ርሒቑ እቲ ሕልና ክብረት ሲኢናላ መንነትና ከም ደርሆ ንጻወት ብደቅና። ተልእኾ ዘሎዎ እዚ እከይ ወዲ ሓዲግ መዲግ ገይርዋ እዛ ዓዲ ከይንስጉም ዓጺና መገዲ መቐጻዕ መልሓሱ ዝበተኸ ቀይዲ ዓዲ ዘንጊ ኔራ ዓዲ ፍርዲ ሕጊ አልቦ
“ይድንጒ’ምበር ኣድግስ ናይ ዝብኢ ኢያ” 18.06.15፡ ካልኣይ መርድእ፡ ካልኣይ ቀብርን ካልኣይ ሃገራዊ ሓዘንን። ሓደ ግዜስ ዝብኢ፡ ኣድጊ ንኣእዛና ከምዝጠዓማ የማነ-ጸጋም ከተወጣውጦ እንከላ ቀርኒ መሲልዎ ከብዱ ከይትብትብቶ ይፈ ርሃ ከምዝነበረ ኣውጊዐኩም ነይረ። ኣይደለየቶን’ምበር ብበሮኾዳኣ ገይራ’ውን ኣስናኑ ከይተርግፎ እሰግእ ነበረ። ሓንቲ መዓል ቲ ወዮ ዝብኢ ክቱር ጠምዩ ምማቱ
ቅድሚ 23 ዓመት ተጋዳሊት መምህር ግደይ ነጋሽ: ኣብ ሕዳር 1978 ብሰራዊት ደርግ ተማሪኻ:: ኣብቲ ደርግ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ኣእላፍ ሰራዊት ኣሰሊፉ ዝኸፈቶ ናይ ሰሜን ግንባር: ህዝባዊ ሰራዊት ብጅግንነት መኪቱ ሰብን ንብረትን የውጽእ ነበረ:: ተጋዳሊት መምህር ግደይ ነጋሽ ኣብ ብርጌድ 23 ተሰሊፋ ኣብቲ ኣብ ዒላበርዕድ ዝተገብረ ናይ
ዓመት መጸ 20 ሰነ፡ ሰማእታትና ንምዝካር፡ ሽምዓን ጥዋፍን ብምብራህ፡ ኣግራብ ብምትካል፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን ብምጽላይ፡ ስድራቤቶም ብምሕጋዝን ካልእ ንጥፈታት ብምክያድን ክቡር ሞያኦም ንዝክሮ። ኣብ ዓለም ንህዝብኻን ሃገርካን ህይወትካ ምውፋይ፡ እቲ ዝኸበረን ዝዓዘዘን ህያብ’ዩ። ስውኣትና ዝኸፈልዎ ልዑል ህይወት፡ ዋጋን ትርጉምን ንኽህልዎ ግን፡ ኣብቲ ደሞም ዝፈሰሶን
ንማሕበረሰብ ዓለምን ንውልቀ ሃገራትን ዝቅየድ ሕግታትን ዝግባእ መሰላትን ጸዲቁ ኣብ ተግባር ክስርሓሉ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። ብዘይካ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብሰብኣዊ ገበናት ዝተፈልጣ ሒደት ሃገራት ድማ፡ መብዛሕትአን ሃገራት ብመሰረት ኣህጉራውን ውሽጣውን ሕግታት፡ ሰብኣዊ መሰላትን ሓድሕድ ምክብባርን ክትግብራ ግዴታ ኣለወን። ኣህጉራዊ ሕግታት ዕሽሽ ምስ ዝብላን
ይዝከረኒ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና ኣብ ዓውደ ኩናት ዝተማረኹ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ስርዓት ደርግ “ዝተማረኹ ወተሃደራት የብለይን’’ ኢሉ ህላወ ወተሃደራቱ ክኽሕድን ብሳልሳይ ኣካል ነጻ ዝተለቁ ምሩዃቱ ምቅባል ክሕሰምን። እዚ ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ መወዳድርቲ ዘይብሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ማእሰርትን ስቃይን ውራየይ ኢሉ ከይተተሓሓዞ
ዳግማይ ጅር ገደላ። 14.06.15፡ ኣብ ዝሓለፈት ሰሙን “ዳስ ሓውያ” ኣብ ትብል ኣርእስትና ኣብ ዝቐረበ ጽሑፍ፡ ታሪኽ ብሉይ ጅር ገደላ ቆናጢርናዮ’ኳ እን ተነበርና እቶም መፈጸምታ ሂወት ናይ ሽዑ ጅር ገደላ ክትፈልጡ ዝደለኹም ኣይትተሃወኹ። ብዛዕባኡ’ሞ ብዙሓት ተወለድ ቲ ኮኑ ካልኦት ለባማት ስለዘለዉና ጸሓይና መሊኣ ምስ በረቐት ብዝበለጸ ክትርኹልና