Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ ሐበሬታ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ

ብመሰረት ዉድብ ሕብራት ሃገራት ዝመዘዞ መርማሪ ኮሚሽን ዘቅረቦ፡ንሓቀኛ መከራን ስቃይን ንሓቀኛ ምስልን ወጸዓን ህዝቢኤርትራ ዝገልጽ ጸብጻብ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዕብድብድ ኣእቲዩሉ ይርከብ። ነቲ ጸልማት ትጎልቢቡን ብሚስጥርን ብቃጻን ብሽርበት መልክዕን ክፍጽሞ ዝጽነሐ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ጨካን አረመናዊ ገበናት፡ እነሆ

ብመሰረት ዉድብ ሕብራት ሃገራት ዝመዘዞ መርማሪ ኮሚሽን ዘቅረቦ፡ንሓቀኛ መከራን ስቃይን ንሓቀኛ ምስልን ወጸዓን ህዝቢኤርትራ ዝገልጽ ጸብጻብ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዕብድብድ ኣእቲዩሉ ይርከብ።

ነቲ ጸልማት ትጎልቢቡን ብሚስጥርን ብቃጻን ብሽርበት መልክዕን ክፍጽሞ ዝጽነሐ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ጨካን አረመናዊ ገበናት፡ እነሆ ሕጂከም ጸሓይ ቀትሪ ቦጣዕጣዕ ኢሉ፡ከዊልካ ዘይክወል፡ ሽፊንካ ዘይ ሽፈን፡ኣመኽኒኻ ዘይሕለፍ አብ ጸቢብ ማሕንቆ ተቅርቂሩ፡ህዝቢ ኤርትራ ድማ ምስ ህግደፍ ብሕጊ ዓለም ኣብዝጥማጠመሉን፡ ወጸዕኡ ዝጽባጸበሉን፡ብውርኡ ካኣ ካብ እዚ እቡሽ ስርዓት እዚ ንገላግለሉ መድረኽ በጺሕና ንርከብ።

እንተኾነ ንዕለት 22/06/2015 ስርዓት ህግደፍ ነቲዘስካሕክሕ ንዓለም ዘሰምበደን ዘደንጸወን፡ጨካን ቅትለትን መርሽንትን፡ኣይዋዕሎን፡ነቲ ጨካንመግረፍትን ስቅያትን፡ አይዋዕሎን ፡ነቲ ንህዝብና ዘጓሃየ ዘሰንበረን ብዘይ ክስን ፍርድን ማእሰርቲ፡ዕበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ሚኒስተራትን

ጋዘጠኛታትን፡ ተጋደልትን ምሁራትን አቦታትን  አዴታትን፡መንእሰያት፡ጓራዙን መርዑትን ህጻናትን፡ኣይዋዓሎን ክትብሉ።

ንመርሽንቲ ስንኩላን ማይ ሓባር፡ንመርሽንቲ ዓዲ አበይቶን ጨካን ማእሰርቲ ኣብ ኮንተነራትን ነቲ ልዕሊ360 ዛአክል ሕቡአት ኣብይተ ማእሰርቲን አብኡ ዝፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ ገበናትን ስቃይን እቲ አብኡ ለም ኢሉ ዘሎ መቃብራትን እቶም ካብኡ ከቢድ ስንካለ ኣጥርዮም ዝወጹ አሕዋትን አሐትን ብምረት እናመስከሩ።ነዚ ሓቂ ዚ ዓይንኹም ሰም አቢልኩም ሓሶት ክትብሉ ንሰላማዊ ሰልፊ ትዕደሙ አለኹም።

እረ ነቲ ኮነ ብተባሂሉ ዝተገብረ ምዕጻው ፡ወደባት ዩኒቨስቲ፡ምዕዳል መሬት ፍቃድ ዋንነት፡ ምዕናው ኣገድስቲ ዝባሃሉ ትካላት ህዝብን መንግስትን፡ምፍራስ ኣባይትን ጉዱድ ወታሃደራዊ ኣገልግሎትን፡ግፋን ጭውያን ብሳዕቢዮኑ ዝመጸ ህድማ መንእሰያትን አብ መንገዶም ዘጋጥም ዘስካሕክሕ ሞትን ህልቂን አብ ወለዲ ዝወርድ ዘሎ፡ ዕዳን ዉርደትን፡አብ ህዝብና አሽካዕሊሉ ዘሎ ጥምየትን ድኽነትን ጸላምን ጽምኢን ነዚኸኣ የለ ሐሶት እዩ ኢልኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ህዝቢን ብሓሶት ክትምስክሩ ትዕደሙ ኣለኹም። እምባር ኣብዚ ናይ መርገምን ሓጥያትን ሩጉም መዓልቲ እዚ ነቲ በዚ ስርዓት እዚ ዝወሓዘ ደምን ንብዓትን ፡መሪር ጓህን መሪር ሐዘንን ብምዝካር ምስ ሕልናኸም ተማኺርኩም፡ኢደ እግሩኹም ኣኪብኩም ክትዉዕሉ ብስም እቲ ዉጹዕ ህዝብና ኣምሪርና ንምሕጸነኩም።

እዚ ስርዓት ህግደፍ ሕብራት ሃገራት ቅድም ወጺዑና እዩ እሞ ሕጂወን ኩውጽኩም እዩ፡ ኣይትስምዕዎ

ወጸዓ ብወጽዓኡ ኣነ እንተ ወጽዕኩኹም ይሕሽኩም እዩ ዝብለና ዘሎ እንተኾነ ወጽዓ ወጽዓ እዩ መለሳ የብሉን ።ሕጂ ከፊኡና ዘሎ ወጸዓ ህግደፍ ዳኣምበር ወጽዓ ሕብራት ሃገራት ኣይኮነን።

እንተ እቲ ከምሶማል፡ከም ኢርቅ፡ ከም ልብያ፡ ወዘተ ክትኮኑ ኢኹም ዝብል መፍራርሂ ግን ንልቦና ህዝብና ዝግደፍ ዓቢ ዕማም ዳምበር ፡ሕልሚ ፈርህካ ካይደቀስካ ዘሕድር ጉዳይ ኣይኮነን።ህዝብና ድማ ጥራይ ካብዚ ሰጣናዊ ሰርዓት እዚ ይገላገል እምበር ካብ ተመኩሩኡ እናተማሕረን እናተማዓዓደን ክማሓደርሉ ዝይካለለ ምኽንያት የልቦን።

ሰንበት

ወዲ ኤርትራ

18/06/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ertra n ertrawyan June 20, 2015

    Hiji nabzi nay elet 22 geneva zikedu ertrawyan eyom kitiblom aytikieln eka. sikay hizbi ertra tsebtsibka ziwidae aykonen. nezi tsebtsibka zeywidae sikay hizbi ertra hgdef zewredo eyu. ezi enda reaka mengistina wey hgdef zbedele yeblun kitibl ab eti nay elet 22 geneba endihiri terekibka ab kidmieka himak ember tsibuk kitsenhaka aytitsebe asbi eti aremenawi hilinaka wey hilinaki aremeninet eyu. hgdef abzi hiji ewan amawituni eyu zibl zelo. ane tray aykonkun fetsimeyo eti geben slezi geben mekafilti kununi eyu ziblena zelo slezi ab eta mamuk gezana kof elna entewealna kabti hatyat ndihin. slezi nnkah netom nfithi zikalesu zelewu ahatnan ahwatnan entezey hagezenayoms ab gezana kof elna entewealna kab mergem hizbi ndihin. slezi hidrikum hidrikin ab sikay hizbi etra aynisaesie. sik zkelana slezeyele sik nmrets etom nhigdef kindigif zitsenahna. Ane nbaeley fithi zideli seb eye koynu gina ab gibri ab deleyti fithi tewedibe yserh yelekun. gna ab kemzi aynet dankera hgdef keyisatef nnebsey agideya aleku sik ele gezay kiwiel eye. ab elet 26 geneva mikedku gina n ertra slezimelales ember mkedku b genzebey gna ydigifom aleku n deleyti fithi meniseyat ertra. slezi wey bigibri nhagizom nezom nfithi tebegisom zelewu meniseyat wey dima b genzebn hilinan nhagizom nmeniseyatna. slezi hizbi ertra aynigerah. Hgdef seb enda ketele zinebir widib neana netom selemawyan sebat misiu tihateti kigebrena yeblun.

  • merhawit June 20, 2015

    ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ጸማም እዝኒ ሂብኩም:ንመራሒ ጉጅለ ህግደፍን ቁንጣሮ ናይ ገበን ተሓባበርቱን ንመቐነዪ ዝኾኖም ትንፋስ እንተረኸቡ: ኣብ ጀነቭ ኬድኩም “ንመንግስትና ንድግፍ ኢና!” እናበልኩም ክትድብሉሉ ተዋዲድኩም ዘለኹም፥ ንውሳኔኹም ዳግማይ ግምት ግበሩሉ። ይኣክል: ኣብ ቅርዓት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ወጺእኩም ህዝብኹም ንዘበሳብስ ዘሎ ገበነኛ ኣይተዳኽሩሉ። ንሃገርኩም መስሓቕን መላገጽን ዓለም ኣይትግበሩዋ። ጉጅለ ህግደፍ እንተኾነ: ሕጂስ ፈጺማ ዕርቃና ወጺኣ: ጥቢቆኣ ንመርፍእ መውግኢ:ንፈትሊ መሕለፊ ዝኸውን ጥዕይ ዝበለ ቦታ’ኳ የብላን። ንጀነቭ ብምኻድ ከም ሊፕስቲክ ኴንኩም ክተቑንጅዉዋ እንተፈተንኩምን ሕቒቕ እንተበልኩምላን:መርኣያ ዘይብላ ሕንጉጉ ከምዝኾነት ዓለም ብዘየወላውል ኣገባብ ኣቃሊዑዋ ስለዝኾነ:መፍኮሲኹምን ንመጻኢ መነባብሮኹም መሕሰሚን እንተዘይኮይኑ:ተምጽኡዎ ለውጢ ፍጹም የለን። ሎሚ:ኩሎም ኣረሜናዊ ገበናት ላዕለዋይ ሓላፊ ህግደፍን ጭፍርኡን ምስ ምሉእ መርትዖታቶም ኣብ ዓለማዊ ዓውደ-ሓቂ ተዘርጊሖም ኢዮም።
    ንምዃኑ፥ ኣሕሉቕ ህግደፍ ገበነኛታት ኣይኮንናን: ንጹሃት ከም ፒላቱስ ኢና ዝብሉ እንተኮይኖም:ስለምንታይ ንመርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ ንኸይትኣቱ ዕጭ-እምብለይ ኢሎም ዘሐለሉዋ? እስከ በጃኻትኩም ከምኡ ኢልኩም ሕተቱዎም። ዶስ ካብቲ ፍርሒ ኣይተናገፍኩምን: ጌና ኣብ ኤውሮፓ’ውን እንተኾነ ኣርኪብልኩም’ዩ ዘሎ? ስለምንታይከ ኢኹም ነዚ ገበነኛ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ተውደኽድኹሉ? ዓዲ ኣይትበጽሑን ዲኹም:ኣዝማድ የብልኩምን ድዮም? ከተማታትናን ቁሸታትናን ፋብሪካታትናን ዓንዮም:ወደባታትና ባዲመን:እንኮ ዝነበረት:ብገዛእቲ እተመስረተት ዩኒቨርሲቲ ዓጽዩ:ድንቁርናን ሕሰምን ከም መሳርሒ ጨካን ኣገዛዝኣኡ ዝጥቀም:ነገራት ንኽዕረዩ ዋላ ንእሽቶ ድምጺ ንዘስመዐ ብዘይምሕረት ዝቐትልን ዝምቁሕን ጉጅለ: ይኹነን እምበር ብከመይ ኣገባብ ይውደስ?
    ኣብ ሃገርና ጸልሚታ ዘላ ጸሓይ ብዝገደደ ናብ ቀውታ ለይቲ ክትቅጽል እንተዘይኮይኑ: ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ህግደፍ ክሳዕ ዘላ: ኣብ ኤርትራ እትበርቕ ጸሓይ ብፍጹም የላን። ዝሓለፉ 20 ዓመታት:ብፍላይ ድማ ዝሓለፉ ኣስታት 14 ዓመታት ግዝኣተ-ጸልማት እኹላት መረርቲ ተሞክሮ ኢዮም።

    ፓርላማ ጀርመን: ኣብ ልዕሊ’ቶም ብጋህዲን ስዉርን ምስ ገበነኛ ስርዓት ህግደፍ ተማሻጢሮም ዝንቀሳቐሱ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ዕቱብ ምክትታል ክግበር ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። ዋላ’ቶም ንስርዓተ-ዲሞክራሲ ኣኽቢሮም:ንስርዓተ-ሕጊ ተማእዚዞም ክነብሩ ከምዝኾኑ ምሒሎም ዜግነት ዝወሰዱ ሰባት:ምስ ሓደ ንዲሞክራሲ ዘቋሽሽ:ንመሰረታዊ መሰላት ዜጋታት ረጊጹ ብዓይኒ’ብለይ ስኒ’ብለይ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ምምሽጣርን ናቱ መጋበርያ ምዃንን ብገበናዊ ሕጊ ዘሕትቶምን ንዘወሰዱዎ ዜግነት ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱን ከምዝኾነ ክስሕቱዎ የብሎምን።ኣብኡ ደረጃ ምስተበጽሐ ዋይ-ዋይ ምባል ትርጉም የብሉን።ኣብኡ ንከይብጻሕ ግን ሓንጎልና ነስፍሕ:ልብና ነረስርስ።
    ውድቀት ንጉጅለ ህግደፍ:ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

    ካብ መርሃዊት ተስፋይ- ጀርመን

POST A COMMENT