Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ይድንጒ’ምበር ኣድግስ ናይ ዝብኢ ኢያ”

“ይድንጒ’ምበር ኣድግስ ናይ ዝብኢ ኢያ”              18.06.15፡                                                                               ካልኣይ መርድእ፡ ካልኣይ ቀብርን ካልኣይ ሃገራዊ ሓዘንን። ሓደ ግዜስ ዝብኢ፡ ኣድጊ ንኣእዛና ከምዝጠዓማ የማነ-ጸጋም ከተወጣውጦ እንከላ ቀርኒ መሲልዎ ከብዱ ከይትብትብቶ ይፈ ርሃ ከምዝነበረ ኣውጊዐኩም ነይረ። ኣይደለየቶን’ምበር ብበሮኾዳኣ ገይራ’ውን ኣስናኑ ከይተርግፎ

“ይድንጒ’ምበር ኣድግስ ናይ ዝብኢ ኢያ”              18.06.15፡                                                                               ካልኣይ መርድእ፡ ካልኣይ ቀብርን ካልኣይ ሃገራዊ ሓዘንን

ሓደ ግዜስ ዝብኢ፡ ኣድጊ ንኣእዛና ከምዝጠዓማ የማነ-ጸጋም ከተወጣውጦ እንከላ ቀርኒ መሲልዎ ከብዱ ከይትብትብቶ ይፈ ርሃ ከምዝነበረ ኣውጊዐኩም ነይረ። ኣይደለየቶን’ምበር ብበሮኾዳኣ ገይራ’ውን ኣስናኑ ከይተርግፎ እሰግእ ነበረ። ሓንቲ መዓል ቲ ወዮ ዝብኢ ክቱር ጠምዩ ምማቱ ዘይተርፎ ምስመሰሎ፡ ንኣድጊ ወሰን-ወሰን ክሸብባ ጀመረ’ሞ ንሳድማ ከምዚ ናይ “ክንደ ይ ጎቦ ዘይጠረጥና” ዝዓይነቱ ኣእዛና እናኣወጣወጠትን፡ ናይ ፍርሂ ዲዩ ናይ ድፍረት ብዘይፈለዮ እናኣቑጨምጨመትን ከተን ከብክብ ርእዩ ብዝተረፈቶ ድፍረት ጠኒኑ ብኣተሓሕዛ ፈራህ ረቃቒቶኣ ዓትዓታ’ሞ፡ ግደፍ በቲ ርቡብ ኣስናና ክትብትብቶ ወ ይ ብበረኾዳኣ ከተላህሞን ብ’ኣቕርንታ’ ክትከራትሞንሲ ሃዲማ’ውን ነብሳ ከተናግፍ ዘይከኣለት ብፍጥረታ ድኽምቲ ኮይናት ሉ ምስኣውደቓ ኣሕዋቱ እናጸውዐ ክውሕጥ ጀመረ። ዕድሎታ ኮይኑ ምስመተት’ውን ከምቶም ካልኦት በላዕቲ ሳዕሪ ብሰብ ክትብላዕ ስለ ዘይተሓርየት ዋናታታ “ኣድጊስ ካብታ ምማታ’ታ ምጉታታ” እናመሰሉ ስለዝጉሕፉዋ ዝብኢ ሆየ ኣይሓረሰ ኣይ መሓሰ “ጉልቡብ ምርቓ” እናበለ’ዩ ዝሳሃላ። ስለኡ ይመስለኒ “ይድንጒ’ ምበር ኣድግስ ድራር ዝብኢ’ያ” ዝበሃል። በሉ ንቐጽል ’ሞ መሲለ እንታይ ከምዘምጻእኩ ኣብ መወዳእታይ ክትረኽብዎ ኢኹም።

ኣብ ዝሓለፈት ጽሑፍና “ናይ እዋን ሰውራ መንእሰይ ወለዶ ሓንሳብ ኣብቲ ሜዳ ምስ ተሰለፈ ንብረቱን ሂወቱን ይህገር ብድ ሕሪኡ ናይ ነብሱ ጎይታ ምዃኑ የብቅዕ” ክብል ጠቒሰ ነይረ። እዚ ምስቲ “ነብሱ ሓራ ዘየውጽአ መውጽኢ ሓራ” ክበሃል ትሰም ዕዎ ጥቕሲ ብከመይ ከምተጠዓዓምዎ ንዓኹም ገዲፈ ከምርኢቶይ ግዳ ግደፍ ሰውራስ ኣብ ዝኾነ ሓባራዊ ንጥፈት’ውን ምእን ቲ ሓባራዊ ዓላማ ውልቃዊ ናጽነት ከምዝውንዘፍ ከነስተውዕለሉ ይግባእ። ዘዛርብ እቲ ሓባራዊ ዓወት ምስተሓፍሰ ብውሑ ዳት ዓመጽቲ ክዝረፍ እንከሎ ምዃኑ እንተተረዳዲእና ኣብ ዝቕጽል ሃገራዊ ዕማማትና፡ እምነትና ኣጽኒዑ ሓድነትና ዘውሕስ መሰረትሐባባራዊ መረዳእታ ከምዘንጸፍና ዘይምዝንጋዕ።

ሰውራ ኤርትራስ ተጀሚሩ። ከምንፈልጦ ወያ ብተፈጥሮኣን ከምሰባን ናጽነት ዝግባኣ ሃገርና ናጻነታዊ መሰላ ምስተነፍገት’ዩ ሰውራ ዝተተኽለ። ሽዑ ተመኩሮና ሓድሽ፡ ብቕዓትና (ብዝሒ፡ ዓይነትን ትሕዝቱኡን) ትሑት፡ ገዛእትና ዓርሞሾሽ ደለይትና ብዙሓት ኣብ ዝዓይነቱ ኩነታት ብምንባርና ብሓፈሻ ንኩሉ ንቃለሲ ዝፈጠረን ዝተቓለሰን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ንጀ መርትን ስዒቦም ዝተጸንበርዎ ኣባላትን፡ ከምኡ’ውን ብከመይነቱ ከየድቀቕና ኣብ ቦታ መሪሕነት ደይቦም በታ ተዋጽእ ዝመሰ ለቶም ማለት ብቢሄራዊ፡ መታሕታዊ ኮነ ሃይማኖታዊ፡ ብከበሳውን ካልእ ናይ መተኣማመኒ ወይ መወደቢ መስሕብ ኮታ ኩ ሉ’ቲ መድሕን ኮይኑ ዝተራእዮም ጥበብ ነዛ ሃገር ክምክቱላ ንዝተዋደቑ ኩሎም፡ ዋላ ኣሉታን ዘይብቕዓትን ይንበሮም ስለቲ ሃገራዊ መንፈሶም ከነመጉሶምን ክንውድሶምን ይግባእ። ፍጻመ ምስ ግዜን ባይታን ስለዝልካዕ ሰውራ ድማ ከም ሓደ “ንኺድ ጥራይ” እናበለ ንኩሉ ዝገሓሕጥ ተጓናጺ ውሕጅ ክትምስልዎ ትኽእሉ። ውሒጅ ኣብ ምንጻፉ ከምዝጸሪ ሰውራ ከኣ ብኣምሳ ሉ ሸትኡን ምህርቱን ብምግንዛብ ይመጻረ። ኩሉ’ቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ንታሪኽ፡ ናይ ሎሚ ድማ ንጽባሕ ስለዘገድስ ክስነድን ክ ጽናዕን ግቡእ ኢዩ። ንኣንፈይ ዋላ’ኳ ኩልና ብፍኑው እንተጸሓፍና ሃገራዊ ታሪኽ ብንዕዑ ዝተመዘዙ ከምዝስነድ ኣይንረስዕ።

ማዕረ-ማዕረ እምቢታና ድማ እቲ ጸረ ሰውራዊ ዕዮታትብዝበኣሰ ከምዝሰወደ እንተዘኪርና ምግዳልን መስርሕ ሰውራን ከም ዋዛ ከምዘይተሰግረ ክትኮረሉ ይግባእ። ብኡ ጠመተ ኣገዳስነት ናይቶም ሰውራ ጠርኒፎም ዝመርሑና ሰባት ማዕረ ክንደይ ዕ ዙዝ ምንባሩ’ውን ኣይንስሕቶን። ደጊመ ጸበቐ ከፍአ መራሕትና ዘካየድዎ ቃልሲ እናኣመጎስኩ ኣብዚ ህሉው ኩነታትና ዝተመ ርኮሰ’ውን ብዓቕመይ ክዛረብ ከምዝኽእል መጠን፡ ንዝሓለፉ መንግስተ-ሰማያት ከዋርሶም እናተመነኹ ኣብ ናይዚ ብዓቢኡ  ዝወርደና ዘሎ ተግባር ናይዚ ብሂወቱ እናሃለወ ምስ ዝሓለፉ ዝጽብጸብ ፕረሲደንትና ንዝህልወና ወቐሳ ብሂወቱ እንከሎ ብዘ  የማትእ ኩነኔና ክንገልጸሉ ግቡእ ስለዝኾነ ናይ ብጋሕጋሑ ዕጥቂ ናይዚ ካብ ካልኦት መሰልቱ ብዝተፈለየ “ብደዉ ዝተዋረደ መላኺ” እናተመጻረየ ዝመጸ ፕረሲደንትና ሎሚ ብንጹር እንተተበሃሃልናሉ ንመጻኢ ውሕስነትና ኢዩ።

ንሱ ክስለፍ ሰውራ ድሮ ሓሙሽተ ዓመታ ገይራ ነይራ። ከምሓድሽ መጠን ኣይሓደሰቶን ‘ኳድኣ ንኣበርክቶኡ ትጽበ ከም ዝጸ ንሐት ከምማንም ተጋዳላይ ተመኩሮ ክይሰነቐን ብቕዓቱ ከይተፈተነን’ዩ ናብ ስልጣኑ ዝሓኾረ። ሰውራ ከምዳስ ጓይላ እንተ መሲልናያ ኣብኡ ዝግበር ንጥፈት ንዘይወዓለላ ኣይተቐላዒትን። ከምንቡር ዝኾነ ዳስ ዋናታትን ዝትከለሉ ዓላማን ከምኡ ድ ማ ደሞክራስያዊ ጠባይን ኣለዎ። ብከም “ተዓጣቒ፡ ኣባ-ጓይላ” ዝበሃሉ ኣካየድቲ ዳስ’ውን ይእለ። እቲ ዳስ ንሳዕስዒት እንተ ኾይኑ ተሳትፎ ሓፋሽ ንምምእካልን ዓላማ’ቲ ውራይ ንምዕዋትን ተራ ኣባ-ጓይላ ኣዝዩ ልዑል ኢዩ። ወናም ኣባ-ጓይላ ድግድጊ ት ተዓጢቑ ኣብታ ዕውድ-ዕውዶ በትሩ ዓቲሩ “ድሕር…..” ክብል ምስጀመረ ስነ-ስርዓት ይነግስ። ደርፉ፡ ጣቕዒቱ ምስ’ቶም ግራኘን ተውለን ዝትብትቡ ወቓዕቲ ከበሮን ክሳነ ንተሳታፊ ዘይነበሮም ዛርቲ ከምዝኽሽክሾም ናይ ምግባር ብቕዓት ኣለዎም። ጓለንስተይቲ ብደቂቕዶ ብፍሩይ እንተተቖነነት የመልካዓላ ኣይኮነን’ቲ ጽባቐ። ዘመልካዓላ’ሞ ልዕሊ ኣዋድቓ ቁኖኣስ ኣከማም ሳኣ’ዩ። ኣባ- ጓይላ’ውን ዳስ ትሰለም ትቀንጠጥ ጥራይ ብውሕልነት ከገርማ መን እንታይ ዓይነትን መዓስን ይስዕስዕ፡ መን መ ዓስ ከበሮኡ ይድስቕ፡ መን ቆለኡ ዝንተኣንፈርፊርዎ ብኸመይ ይሽረጥ፡ ኮታ ሂወት ናይታ ዳስ ኣብኢዱ ከምዘላ መጠን ከም ኡ ድማ ሂወት ናይቲ ውራይ ልዕሊ ቀረብ ብላዕዎስተ ኣብታ ዳስ ከምዝውሰን ትፈልጡዎ ኢኹም። ኣባ-ጓይላ ከም በዓል ሞ ያ መጠን ኣብ ዘዝተተኽለት ዳስ ከምዝሕረ ፈሊጡ መዓላ ዓቕሚ ሰቡ ብጉቡእ ክፈልጥን ክጥቀመሉን፡ ልዕሊ ኩሉ ንተጠቀ ምቲ ብዘይኣድልዎን ብስነ-ስርዓትን ክምእክልን ግቡኣቱ ምዃኑ ወናማት ኣዕሊሎሙና።

ምሕደራዊ ኩነት ዳስ ጓይላና ምስ’ዚ ብእዋኑ ንሜዳ ዝወረደ ኢሳይያስ ዝተዋሰበት ትመስለኒ። እቲ ተመስሪቱ ዝጸንሐ ሰውራ ከምዘይናቶም ፈሊጦም ኣብ ዓላ ናቶም ናብ ዝተኸሉ ከይዱ ክመስሎም እንከሎ’ውን ቅንዕቲ ልቢ እንኮላይ ዝንግዕቲ ኢያ’ሞ ኣመኑዎድኣ። እቲ ግዜ ናቱ ይነብር። ብዝነበሮ እኹል ሓበሬታታትን ካልእ ጉዝጓዝን ድማ ብዘይ ምድፍፋእን ጽቕጥቕቕጥን ን ኣሳልጦ ናጽነታዊ ስራሕ ክበሃል ማዕጾ ተራሕወሉ። ንሱ’ውን ኣይሰነፈን ብግርህና ብጾቱ ተሓጊዙ ሓንሳብ ምስነኸሰ ሓዳስ ው ድብ ናይ ብሕቱ ክትኮነሉ ቡኡ ንቡኡ ንጀመርቲ ወጊኑ ክቖጻጸሮም ከኣለ። ከምኡ ብምግባሩ ድማ ብሰዓብቱን ተጸበይቱን ከ ምሓደ ወሳኒ ስጉምቲ ተዘመረሉ። ሽዑ መቐረት ናይቲ “ወይ ጎቦ ምዃን ወይ ናብ ጎቦ ምጽጋዕ” ከይተስተማቐረ ኣይተርፍን።

መቸም ብዛዕባ ሰውራ እንዲና ንዛረብ ዘለና፡ ህዝብና ብዝሓደሮ ባህጊ ናጽነት ኩሉ እንትናኡ ንሃገሩ ከምዘወፈየ ፍሉጥ ነበረ። ብዋጋ ህዝቢ ዝናን ሽመትን ዝተመነየ ወሓለ መራሒ ሰውራ፡ ልክዕ ከም ሓደ ኣባ-ጓይላ ሃገር ብጉልባብ ናጽነት ክማረኽ ንህ ዝቢ’ውን ጅሆ ክሕዞ ነይርዎ። ከምኡ ክገብር ሰብ ኣድለዮ። ምስቲ ዋሕዚ ተሰለፍቲ ሰውራ’ውን ሰቡ ክቆጻጸር ግድን ብምን ባሩ ገና ካብ ክፍሊ ታዕሊም መንነት ተሰላፊ ክተሓዝ ነይርዎ። ነዚ ተሳልጥ ጉጅለ ሓይሊ ሰብ’ውን ተመስረተት። ኣብ ንቡር ኣመራርሓ ኣገዳስነት ምምቕራሕ ሓይሊ ሰብ ቅቡል ስራሕ ኢዩ። ንሱኸ ሓይሊ ሰቡ ንረብሓ ሃገር ጥራይ ድዩ ተጠቒምሉ?

ምቁጽጻር ሓይሊ ሰብ ንኣሳልጦ ስራሕ ምምቕራሑ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑስ ፈሊጥና። ግናኸ እቶም ተሓዝቲ መዝገብ መጀመር ታስ ንትርጉም ኣብቲ መዝገቦም ዘሎ ዓምድታት ብጉቡእ ይፈልጡዎ ኣይነበሩን። ጥራይ ምስ መዓልታዊ ንጥፈት ተጋድሎ ብ ዝተተሓሓዘ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ውግእ 50 ተሰዊኦም 100 ቆሲሎም ካብኦም ክንድዚ ቆራጻት፡ ክንድዚ ዕዉራት፡ ክንድዚ ድ ማ ሓደስቲ ንታዕሊም ወሪዶም….. ኢልካ ንምፍላይን ቆጽሪ ንምትኽኻእን ይመስሎም ነይሩ። ቀቀሊሉ፡ ብዓይኒ ኢሳይያስከ?

መራሒ ሰውራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ምስተመዝገቡ ጥራይ ዘይኮነ ገና ከይተሰለፉ ኣትሒዙ መዓላ ሰቡ ዝፈልጥ ጥንቁቕ ኣመሓዳሪ ሓይሊ ሰብ ኢዩ። ኣብቲ ዓምድታት ተመዝገብቲ መንነት ዝመሚ ደቂቕ ዓምድታት ኣሎ። መን ኢዩ ወዲ-መን? መን’ዩ ኣበይን ብከመይን ዝዓበየ? መን’ዩ እንታይ ተማሂሩን ሰሪሑን፡ ብከመይ ይነብር ነይሩን? መን’ዩ ኣኽ ራሪ ሃይማኖት ወይ ሃገራውነት ክኸውን ዝኽእል፡ መን’ዩኸ መፈጠሩ ጉራማለ ወይ ጉራጉራ ኮይኑ ዝተባህሎ ዝገብር?…..

ሓጢያት ፖለቲከኛ ጉድ ኢዩ! መብዛሕትና ወዲኣውራጃና፡ ሃይማኖትና፡ ቤተ-ሰብና ኮታ ወገንና ኮይኑ ንዝተሰማዓና ብሓለፋ ዝሓልየልናን ዝሓልፈልናን መሲልና ክምረጸልና ንዋደቕ። ከምሓቂ ግና ፖለቲከኛ ሕቡር ድምጺ ኩሉ’ምበር ኩሉ’ቲ ዝመስለ ና ጸጸቢቡ የብሉን። እሞ ወዲ ኣፎም ድማ ንሕብረተሰብና ኣጸቢ ቑ ከምዝፈለጣ መጠን ትጽቢት ኩላትና እናሰረቐ ኣስተዋጽ ኦና መመጽዩ ክስንድወናን ብድኽመታትና እናኣጋጨወ ከተፋንነናን ከዳቕቐናን ጸሓይ ዓሪባቶ ጉድ ኮይኑ። ኢደቤዛኡ ኮይኖ ም ክሰርሑ ንዝኽእሉ ካብ ኣተዓባብያኦም፡ ዝንባላኦም፡ ደርባውን መበቆላውን መንነቶም ኣረጋጊጹ’ዩ ናብታ ስውርቲ ዳስ ሕ ቡኣን (ሰልፊ) ዘእትዎም ዝነበረ። ኣብኡ ኣባልነት ብማሕላ ኢዩ ዝጸድቕ። ንዝተኣዘዝካዮ ምግባር ውፉይነት፡ ሕልና ገዚእካ እንተኣቢኻ ሞት ከምዝጽበየካ ቆራጽ መምርሒ ኣባልነት ሰልፊ ኢዩ። በዚ ቀይዲ ዝዓንተረ ሓደ መራሒ ጥራይ ነይሩ። ትእዛ ዙ ሰማያዊት ቃሉ ነጎዳዊት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “ንከለ ቅተሎ ግን ኣነ ኣይበልኩኻን” ክብል ምስኣዘዘ፡ ተኣዛዚ ድሮ ምስጢር ብምፍላጡ ወይ በታ ተካሊት መዓልቲ ብዝኣተዋ ማሕላ ኣንጻር ሕልናኡ ክቐትል ወይ ትእዛዝ ብዘይምፍጻሙ ክቕተል ስለ ዝኾነት ዕድሉ እንታይ ይግበር? “ወይዛ ክላል መዓልቲ” በለት ዝሰሓተት! “እከለ ካድር’ዩ’ሞ ሓራይ በልዮ” እንተተባሂላኸ?

ኣስተውዕሉ፡ ኣቐዲመ ሰብ ክጋደል ምስ ወጸ ኣብ ዝተመደቦ ክሰርሕ ግዱድ ምንባሩ ስለዘብራህኩ ንኣባላት ሰልፊ ነበር ይወቅ ስ የለኹን። ግና ኣብ ጓይላ ዘዝኣተወ ገሊኡ ብሉጽ መኹደዲ፡ ገለ’ውን ገርዛም ከምዝኾነ ኩሉ፡ ብጾትና ድማ ሕልናኦምን ትእ ዛዝን ከምተራጸሞም እሙንን ብቀንዱ ንውዲት ስዉርቲ ሰልፎም ብቃልዕ ብምብዳሆምን ነበረ ንዕድመ ይፍታሕ ዝተሓየሩ።

ዓምዲ ኣባልነት ሰልፊ ከምኡ ትመስል ካብ ነበረት፡ ዓምዲ ዝንቡላትከ?

ኣብዚ ዓምዲ ዝምደቡ እቶም ናይ ምግባርን እምቢታን ዓቕሚ ዝነበሮም ምዃኖም ምንም ዘጠራጥር ኣይነበሮን። ከምዚ ናይ እንስሳታት ዕላመት (ፍሉይ ምልክት) ድማ ዝተፈላለየ ናይ መለለይ መጸውዕታት ይወሃብ ነበረ። ንበል ነቶም ክዳቐቑ ዝተደ ልዩ ንገሊኦም ከም ንጸጋም ዝዘዘዉ ‘መናክዕ’፡ መስፍናዊ ቆለታት ንየማን ዘዘንብሎም ‘የሚን’፡ “ወዲ-ኣይተ” ንዝበለ ዘይጸዓ ድ ኣርሓ ‘ኣንነታዊ’፡ ብትምህርትን ሞያን ዘዝጸብለሉንኣሽቱን ዓበይትን ቡርጅዋዊ ዝንባለታት”፡…… ኮታ’ቲ ቁንቁኛ ክንደይ ክበሃል። ሓንቲ ሓቂ ንምግላጽ ኩሉ’ቲ ዝተጠቕሰ ሰብ ጸገሙ ምስ ተነግሮ ነበረ ምዝንባሉ ክቕበል ወይ ዕጭ ክነቁት ዝፍተን ዝነበረ። እዚ ማለት ግና ምስቲ ሓባራዊ ጉዕዞ ዘይሳነ ድኽመታት ኣይነበረናን ማለተይ ዘይኮነ ናይ መራሒና መምዘኒት ድኽ መት ብሱሩ ኩሉ’ቲ ናይ ምግባር ዓቒሚ ንዘለዎ ዘበለ ብፍብሩኽ ክስታት እናጠቓቐንካ ናይ ምብራስ ፖሊሲኡ ብእዋኑ ከም ተተሓሓዞ መጠን እንሆ ሎሚ’ውን ክሳብ ታሕቲ ወሪዱ ይቕጽሎ ብምህላዉ ዓቕሚ ሰብና ስለዝማህመነ’የ ዘእዊ ዘለኹ።

‘ተኣረም’ ተባሂሉ ስለዘይመሰሎ ዕጭ ዝነቖተኸ እንታይ ይስዕቦ? ብዙሕ ነይሩ ናይ ‘መአረሚ’ ብልሓታት ነይሩ። ካብ እንዳ ቦይ ተዓገስ ምድርጋሙ ክሳብ ብቀጣን ትእዛዝ ብትሕዞ ‘ወገንቲ’ ምውጋኑ እንታይ የጸግሞ ንወዲ ወርቂ ማህጸን!!

ነገር ምልክቱ እናተራእየ፡ ዝብድሁ እናበዝሑ ምስከዱ ኢሳይያስ ድማ ኣጸቢቑ ክሽፈን ስለዝነበሮ ኣብ ውሽጢ ሕብእቲ ሰልፊ ዝተሓብአት ካልእ ሕብእቲ ሰልፊ መስረተ። ንካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ እናተዳለና መብዛሕትኦም ካብቶ ብ’ወዲ-ኣይተ’ ዝፍለ ጡ ከምእኒ ወዲፍላንሳ፡ ዓፋን መሰላቶምን ድሮ ተወጊኖም ነበሩ። ኢሳይያስ ጎስጓስ ሓለፋታት ክገብር እንከሎ ድማ ነቶም ዝተረፍዎ ዘዳኽምን ኣብ መስርዕ ከምዝነበሩ ዝሕብርን ነበረ። ኣይደንጎየን፡ ድሕሪ ጉባኤ’ውን ከምናይእኒ ጉብጣንን ዓሊ ኢ ብራሂምን ክውረ ጀመረ። ከምኡ ምባለይ ገበን እንተመሲልኩም ከምኡ ስለዝጠዓመኒ ሓራይ “ገበነኛ” በሉኒ። ወፍፍፍፍ……

ድሕሪ ናጽነት ዝነበረ ወዘልዘል ካብቲ ናይ በረኻ ዝከፍአ’ኳ እንተኾነ መብዛሕትና ዝራአናዮ ኢዩ ዝነበረ። ከምቲ ልሙድ ም ቁጽጻር ዓቕሚ ሰብ ምእንቲ ክጥዕም “ብቑዕ ሰብ ኣብ ኣድላይ ቦታ” (The right man on the right place ) ብዝብል ጭር ሖ ሓይሊ ዕማም ተመስሪታ’ኳ እንተነበረት ብስዉር ትእዛዝ ኢሳይያስ ከምተራእየ ግና ቀንዲ ስራሕ ናይዛ ኣሃዱ ናብ ስራሕ ምውፋር ዘይኮነ ናብ ብፍላይ ኣባላት ቃልሲ ዝነበሩ ምውጋን ተቐየረ። ኮሚተ ምጥያስ ከምዝነበረት’ውን ንዝክር። ምጽልጻል ን ክባኽኑ ንዝነበሮም ከምዚ ናይ ማይ ሓባር ኣኪብካ ንሓደጋ ምግላጽን ድማ (ዝበዝሑ ስንኩላን ክሳብ ገሊኦምሲ ካታሎግ ሙሉእ ዓይነት መቀያየሪ መኪና ኣብሓንጎሎም ዘጽንዑ ክኢላታትን ውፉያት ሰራሕተኛታትን ብሓላፍነት ዝሰርሑን ከምዘይ ነበሩ ብስም ስንክልና ማይ ሓባር ኣኪብካ “ሰሪሖም ኣይፈልጡን” ተባሂሎም ከምተወንጀሉን ተረሸኑን) ተራእየ።

እቲ ዝገፍሐ ዓምዲ ናይዛ ሓይሊ ዕማም ሰደቓታት ዘይጸሮ ሰሌዳ ድስኩላት ነበረ። እቲ ዝኸፍአን ምስጢራውን ግና’ታ ብው ሳነ ፕረሲደንትና ትእዘዝ መስርሕ ምውጋን ነበረት። ምውጋን እናሓደረት ብዘየማትእ ሂወት ምጥፋእ ምንባራ እናተቓልዐት መጺኣ። እንተኾነስ ከምቲ ናይ በረኻ መሸፈኒ ዝኸውን ወተሃደራዊ ነውጺ ስለዝተደለየ፡ ኢሉ ኢሉ ናብቲ ዝወዓልኩሞ ረጽ ሚ ኣምርሐ። ኣብ’ቲ ብረብሓ ሃገር ኣሳቢብካ ዝተወልዐ ውግእ ዝሰዓበ ጅምላዊ ጥፍኣት ስለዘየዕገቦ’ውን ጸኒሑስ ዓይነት መ መሪጽካ ኣዝዮም ቡቑዓት ሞያዊያን፡ ደረፍቲ፡ ደረስቲ፡……… ሃለቑ። እስከ ነዚ ዝስዕብ ጭላፍ መልክዕ ሕልፈት ተዓዘቡ፡-

“ተጸሊኣቶ ኣብዛ ሕክምና ሓይሊ ኣየር ምስ ኣተወ ብሃንደበት ዓሪፉ። ኣብ ጉዕዞ እንከሎ ከምገለ ልቡ ተወቲፋቶ ዘልሓጥ ም ስበለ ኣየምለሰን። ምስቲ ምቕያር ንፋስ ሳናቡኡ ተዓቢሱ ኣዒንቱ ገልቢጡ ምስ ዓፈረ ኣይተላወበን። ብሓባር እናተጓዕዙ ምስ ማኪናኦም እንታይ ከምዝደኩዖም እንድዒ! እታ ማኪና ሒዛቶም ምስተኸንበለት መላስ ኣውያት’ዃ ኣይተረፎምን። ብዘይፍ ሉጥ ወንጀል ተታሒዙ ብዘይ ፍርድን መሰል ምክልኻል ነብስን ኣብታ መዓሙቕ ጸልማት ምስዳጎንዎ ኣኸለ! ምስ ኣመሪካ ተ መሻጢሩ ኣብ መሸጣን ምስግጋርን ሰባት ኣትዩ ምስተበላሸወ ነብሱ ቀቲሉ። ብደምና ንዝተኸልናዮ መንግስቲ ክዓሉ” ……….

ኣማስያኡ ዕጫ መንእሰያትና ናብዚ ንሪኦ ወዲቑ። ዘለናዮ ኩነት ከየሕሰቦምሲ ዝተኸልዎ መንግስቲ ከይዕሎ ሰጊኦም! ጽባሕ’ ዚ ብዘይንቡርነቱ ዝተጎልበበ መስዋእቲ ምስተቐልዐ ካልኣይ መርድእ፡ ካልኣይ ቀብርን ካልኣይ ሃገራዊ ሓዘንን ክህልወና’ዩ

ወዲ ኣፎም ዓቕሚ ሰብና ከብርስ ኩሉ ዓይነት ኲናት’ኳ እንተገበረ መወዳእታስ ተሰነፈድኣ። ሎሚ’ሞ ንርእሱ መተካእታ ስለ ዝረኸቡሉን ብኣውራኡ ድማ ከምፈላጥ ምስጢርን ንሱ’ውን ክውገን ኢዩ። እንተ’ቶም መጋበርያኡ ድማ ንህዝብኹም ኣይተ ኸላኸልኩም ንነብስኹም ኩሉኹም ሽሻይ ጓኖት። ለካ ብከምኡ ኢዩ “ይነውሕ’ምበር ኣድግስ ድራር ዝብኢ ኢያ” ዝተባህለት!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንእዉኣትና!

ናብ “ሰብን ዕንጨትን ተሰባሪ’ዩ” ዝብል ኣርእስቲ ንቀጽል።

ጎደፋ፡

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Niguse June 18, 2015

    Writer,

    I can’t possibly make head or tail of your writing. Is it me or everyone is having the same reaction. First of, I am tired of reading articles written under pen-names given the person who is sending the articles is not currently in Eritrea. Second, I would say, it would be prudent if Assenna make it a guiding principle not to accept articles with pen-names.

    • SilefitHi June 18, 2015

      Niguse
      The article is very clear, unless you are not comfortable with its contents. And there is nothing wrong about “pen name” what matters is the content. Maybe disappointed? Take it easy man!

    • samuel June 19, 2015

      ኣቶ ንጉሰ እቲ ኮይኑ እቲ ፡ እቲ ዘገድስ ን ወዲ መድህን በራድ ምውራድ እዩ ።

  • Dala Ksha June 19, 2015

    Niguse
    Godefa is one of the best writers we have in assena ,his grammar in tigryna is good he select good words.I think you need to read more books in tigryna..

  • Hailes June 19, 2015

    If we focus on contents rather than the person, it would help learn from each other better I think.

  • Ketema June 19, 2015

    Higdefites try to target the messenger, whenever they feel uncomfortable with the content of his/her article. Who is he ? is their first question. Then they use different means to silence him/her.

  • samuel June 19, 2015

    ኣንታ እንታይ ድኣ ዩ ክ መሲይሉ ስብኣይ ኣሪጉ መጅሪጉ ቀሪቡ እዩ ጋሕ ኪብል ወዲ መበለት ።

POST A COMMENT