Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጀኔቫ ሓቂ ፍረዲ

20/06/2015 ጀኔቫ ሓቂ ፍረዲ እንታይ ክ ኢዩ ጉዱ ገሪሙና ተጋጊና ዲና ሲኢና ጥዕና ዘይንሓስብ ስቓይ ናይ ደቅና እቶም ዝዕዘቡስ እንታይ ይብሉና ሙሉእ ዓለም ይዛረብ ብአና ካባና ርሒቑ እቲ ሕልና ክብረት ሲኢናላ መንነትና ከም ደርሆ ንጻወት ብደቅና። ተልእኾ ዘሎዎ እዚ እከይ ወዲ ሓዲግ መዲግ ገይርዋ እዛ ዓዲ ከይንስጉም

20/06/2015

ጀኔቫ ሓቂ ፍረዲ

እንታይ ክ ኢዩ ጉዱ ገሪሙና

ተጋጊና ዲና ሲኢና ጥዕና

ዘይንሓስብ ስቓይ ናይ ደቅና

እቶም ዝዕዘቡስ እንታይ ይብሉና

ሙሉእ ዓለም ይዛረብ ብአና

ካባና ርሒቑ እቲ ሕልና

ክብረት ሲኢናላ መንነትና

ከም ደርሆ ንጻወት ብደቅና።

ተልእኾ ዘሎዎ እዚ እከይ ወዲ

ሓዲግ መዲግ ገይርዋ እዛ ዓዲ

ከይንስጉም ዓጺና መገዲ

መቐጻዕ መልሓሱ ዝበተኸ ቀይዲ

ዓዲ ዘንጊ ኔራ ዓዲ ፍርዲ

ሕጊ አልቦ ኮይና ንኹሉ ከሓዲ

ለባማት ናይ ሃገር  ሕሰቡ ናይ ግዲ

ሻማ ሻማ ንበል ነድሕና እዛ ዓዲ።

እታ ወላዲት ውሉዳ ጸኒታ

ትሸዓተ ወርሒ አብ ከብዳ ጓሪታ

ምስ ተወልደ አጥዊባ ፈትፊታ

እንዳሰራሰረት አጻዊታ

ዘይትመንዎ ስዒማ ጠሚታ

እንተሓመመ ተጻልት ናብ ጎይታ

ደቃ ተዘሚታ መጠረሽታ

ተሓሚሱ ሙሉእ ሂወታ።

ንኢሳያስ ቡዙሕ ነማርሮ

ንሕና ኢና ወቓዕቲ ከበሮ

ብጣቒዒት ሕማቕ ዝገበሮ

ኤርትራዊ ምንባር ዝመረሮ

ክንደይ ዘይተሓነቐ ብጎሮሮ

ዝሓቐቐ አዲኡ ትቕጸሮ

ሃገር ብዘይ ህዝቢ እንታይ ክንገብሮ።

ቁሩብ ሕሰብሉ ተራቐቑ

አየ መራሒ ኢልኩም ትድነቑ

ንሓደ ሰብ ከምዚ ተሕንቅቑ

ንገሩና እንታይ ኢዩ ጽቡቑ

ብብቑሩብ ዘጋኹም ሓቒቑ።

ክንዲ ሓደ ሰብኣይ ትምጉቱ

ተመሊስኩም ነብስኹም ሕተቱ

ብዘይ ህልቂት እንታይ አበርኪቱ

ዝወለደ ደቁ ተዘሚቱ

እስከ ረአይዎ እቲ ትምክሕቱ

ምቾት ደልዮም ዝብሎም ንዝሞቱ

ዕድሚኡ ከናውሕ ብደም ተጻዊቱ

ዓለም ኒዒቕዎ ተመልከቱ።

እንታይ ገዲሽኩም ትሽበሩ

ክንዲ ሓደ ሰብአይ ተዕገርግሩ

ሕሰብሉ ነብስኹም መርምሩ

ወዲ ሰብ ነይነብር ንሓዋሩ

ኣብ ቅድሚ ዝህብኹም ከይትሓፍሩ

ደቂ ሃገር ኢኹም ምሳና ሕበሩ።

ቀዳመይቲ ነይራ ካብ አፍሪካ

ብጽሬታ ወይ ድማ ፋብሪካ

ዝመቸወት ዓዲ ደስ ትብለካ

ካብ ሚእቲ ዘይውሕዳ ነይሩና ፋብሪካ

ምስቲ ዘሎ ሃብቲ ወሳሲኽካ

ብሰላም ክትነብር ምኸአልካ

ድሕሪት መሊስካያ ደስ ይበልካ

ምስ ህዝብና ጽልኢ ከምዘለካ

ቀናእ ፍጡር ሓሳድ አይሃብካ።

ብጀካ ትምህርቲ ዘይተማህረ ቀለም

ብንዕቀት ትምክሕቲ ሪኢዋ ንዓለም

ናይ ማክያቨሊ መጽሓፍ ኢዩ ዝሳለም

ንስኻ ክትነብር ኤርትራ ትጥለም

ወዲ ሰብ ነይነብር ንዘልአለም

ሕጂስ ይአኽለካ ዘይብሉ ቀልዓለም።

የሕዝነካ ናይዘን ዝሓንከሳ

ሕቖኤን አብራኼን ዝተለውሰሳ

ካብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመልሳ

ብድምጺ ኢሳያስ ዝሕጎሳ

ጓይላ እንተበልወን ዝሙጉሳ

ድግድጊት ዓጢቐን ዝበገሳ

ምርኩሰን ደርቢየን ዝድንሳ

እንተተቐቢለን ዘይዕገሳ።

 

ዘልአለማዊ ዝኽሪ ንስውአትና

ክንድሺሕ ገብረዝጊ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Eyobel tewelde June 23, 2015

    Good job kindshih Gbrezghi Abey felitomo gidefom yetakiuU ezi buda bfetewtu eyu zijimr ketfiOm eyu hade hade ezom metakaEti,keribu eyu ajoki ajona.

POST A COMMENT