Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ ብስቕታ ዳግም ክቅጻዕ የብሉን!

ንማሕበረሰብ ዓለምን ንውልቀ ሃገራትን ዝቅየድ ሕግታትን ዝግባእ መሰላትን ጸዲቁ ኣብ ተግባር ክስርሓሉ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። ብዘይካ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብሰብኣዊ ገበናት ዝተፈልጣ ሒደት ሃገራት ድማ፡ መብዛሕትአን ሃገራት ብመሰረት ኣህጉራውን ውሽጣውን ሕግታት፡ ሰብኣዊ መሰላትን

ንማሕበረሰብ ዓለምን ንውልቀ ሃገራትን ዝቅየድ ሕግታትን ዝግባእ መሰላትን ጸዲቁ ኣብ ተግባር ክስርሓሉ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። ብዘይካ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብሰብኣዊ ገበናት ዝተፈልጣ ሒደት ሃገራት ድማ፡ መብዛሕትአን ሃገራት ብመሰረት ኣህጉራውን ውሽጣውን ሕግታት፡ ሰብኣዊ መሰላትን ሓድሕድ ምክብባርን ክትግብራ ግዴታ ኣለወን። ኣህጉራዊ ሕግታት ዕሽሽ ምስ ዝብላን ሰብኣዊ መሰላት ምስዝረግጻን ከኣ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘድሊ ስጉምቲ ይወስደለን። ይኹን እምበር  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብፖለቲካዊ መርገጺ ሓያላት ሃገራት ስለዝጽሎን ሕግታቱ ምሉእ ብምሉእ ከተግብር ዓቅምታት ስለዝሓጽሮን ኣሰራርሕኡ ሓላፍ ዘላፍን ድኻማትን ኣለዎ። ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ፍሽለታትን ስቅታን ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝያዳ’ዩ ጎሊሑ ዘንጸባርቅ። ንኣብነት ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ድሌቱ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክቁረንን ንኽብሩን መሬቱን ልዑል መስዋእቲ ክኸፍል ዝተቀሰበን ብሰንኪ ዘይፍትሓዊ ብይን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ስቅታን’ዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ በደል ማሕበረ ሰብ ዓለም ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዓስቢ መስዋእቱን ድኻሙን ፡ ሰላም፡ ሰብኣዊ መሰልን ብልጽግናን ተሓሪምዎ ብስርዓት ህግደፍ እናተጨፍለቅን እናጸነተን እንከሎ ዳግማይ ብስቅታ ይዕዘብ ምህላዉ’ዩ።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ድሕሪ ናጽነት ጥራይ ብግሁድን ስዉርን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም ውሑድ መዳርግቲ ዘለዎ ፖለቲካዊ ቁጠባውን ሰብኣውን ገበናይ ይጽፍም ከምዘሎን ከምሳዕቤኑ ድማ ኤርትራዊ ዜጋ  ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብጥሜት ተስፋ ምቁራጽ፡ ከምዓባስን እሱርን ብራዕዲ ተዋሒጡ ይነብር ኣሎ። ካብ ህግደፍ ከምልጥ ዕድል ዝረከበ ድማ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ህይወቱ ይስእን፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሰብኣዊ ክብሩን መንነቱን ይግሃስ፡ ብስነኣእምሮኣዊ ጭንቀት ሕማምን ይሳቀ’ሎ። እቲ ብ8 ሰነ መርማሪ ኮሚሽን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝቀረበ  ክስን ጸብጻብን ድማ ንሓቀኛ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ዝገልጽ ጭቡጥ መርትዖ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበንን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ዕንወትን  ምጽናትን፡ ወትሩ ካብ ሓቂ ክሃድም ከዕለብጥን ኣሉ ቀጣን ክብልን’ዩ ዝርአ። እንተኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ኣውያትን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ክሰምዕን ዕቱብ ስጉምቲ ክወስድን ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነት ኣለዎ። ማሕበረ ሰብ ዓለም ከም ናይ ዝሓለፈ ኣሉታዊ ተሞኩሮኡ፡ ነዚ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኩሉ ዓይነት መቅጻዕቲ ብስቅታ ክሓልፎ እንተመሪጹ ግን፡ ንህግደፍ ኣረሜናዊ ተግባራቱ ክቅጽሎ ከም ምትብባዕ’ዩ ዝቁጸር። ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ክንዲ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ግብረሽበራ(ኣልሸባብ) ርክብ ኣለዎ ወይ ኣጽዋር የቀብል ኣሎ ኢልካ ንሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ዘኽርርን ንህግደፍ ዘይቀጽዕ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን እገዳታት ምክያድን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ወፈራ ቅትለት፡ ማእሰርትን ግዱድ ዕስክርና፡ ጊላነትን ንኽኽውል ምሕጋዝን፡ ንፈጸምቲ ገበን ኣብ ፍርዲ ኣቅሪቡ ክቀጽዖም ይግባእ።  ብተወሳኺ፡ ኩለን ምስ ስርዓት ህግደፍ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ዝምድናታት ዘለወን ሃገራትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን፡ ሽርክነተን ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ የብእስ ምህላዉ ተገንዚበን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ክብላ ኣለወን።

እንተ’ቶም ኢደ ቤዛን ኣፈኛታትን ሃጸይ ኢሳያስ ዝኾኑ ገለ ገለ ኤርትራውያን፡ “ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበን ኣይፈጸመን፡ ክሲ ማሕበረሰብ ዓለም መሰረት የብሉን” ኢሎም ዝህብዎ ዓቅሊ ጽበታውን ዓይኒ ዘንቁር ሓሶታትን ግን፡ ምናልባት ነብሶምን ስድራቤቶምን ሓለንጊ ህግደፍ ኣየርከበሎም ወይ ድማ ካብ ህግደፍ ዝረኽብዎ ረብሓታትን ስልጣንን መታን ከይጎድሎም፡  ንጸልማት ብርሃን ኢሎም’ዮም ዝካትዑ ዘለዉ። ኣብ ዓለም ኩሎም ውልቀ መለኽትን ገበነኛታትን ውዒሎም ሓዲሮም ብማዕበል ህዝቢ ኣብ ጉሓፍ ከምዝድርበዩ ክግንዘብዎን ኣንጻር ወገኖም ምስላፍን ሓጥያት ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ። ዝጠፍእ ዘሎ ህይወት፡ ዝፈስስ ዘሎ ደም፡ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ሕሰምን ንጹሃት ኤርትራውያን ድማ መሬት ምስጽሓየ ክሓቶም’ዩ።

                       ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሰነ 12, 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Mehret June 16, 2015

    Sheila Keetharuth, will appear on Aljezeera, The Stream tonight. Let us tweet and call to support her as she is standing for our human rights!!!!

  • Aida June 16, 2015

    we escape like rats from our land and we want be free no way,we have to go to field to fight we only talk and talk,were is the really brave man,,, what we waiting for Wadi Medhn Berade he joke with us and destroy our motherland, and we stil we talk a lot with out result,and talk kkkkk help nothnig be unity and go fight to the Evil Isias Wadi Medhn Berade,this is the only our solution

  • keshi mars June 16, 2015

    Yes, we have to stand united to solve our problem but we don’t need to fight it with weapons on the streets of our cities. That is the worst nightmare I ever to have. Tu tu belio Aida. Well for Tsilal Kab America, except the word “Hatsey” I agree with what you write but that word irritates me like no other.

  • Mehret June 16, 2015

    Today’s Aljezeera, The stream Program was so hot! Shameless young PFDJ’s lied about the national service. Not only that One of them who is a students in the USA claimed to know what life in Eritrea is. the other also claimed that national service is now limited time. How low could they go!

  • ሳረል ኣምያፕ June 16, 2015

    ክቡራት ደለይቲ ፍትሒ፡
    ህግደፍ ንዝመጽእ ዕለት 22-06-2015 ኣብ ጀነቫ ንዝገብሮ ሰልፊ፡ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ናይ ካመራ ክእለት ዘለና ነቲ ሰልፊ ብዚያዳ ነቶም ሰልፈኛታት ንጹር ዝኾነ ስእልታት ብምስኣል ተሓባበሩና፡ ኣብ ጉዳይና ነጻነትን ማዕርነትን ሰላምን ከምጽእ እንገብሮ ጉዳይና ዓቢ ሓገዝ ስለዝገብረልና፡፡ ስእልታትኩም ናብ ዝስዕብ ኢሜይል ክትሰዱ ንምሕጸን። ወዲ ኤረ ጪደድ። wedi.ere.chided@gmail.com
    ብምትሕብባርኩም ኣቐዲምና ነመስግን።
    ናጽነትና ብደምናን ረሃጽናን ኪትመጽእ እያ።
    ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና።

  • my people June 16, 2015

    i hope it ends soon ,my people have suffered enough.

    • ንጉሰ June 17, 2015

      change is coming soon

POST A COMMENT