Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስሙር ድምጺ ሃገርና ንምድሓን

እታ ልሳን ህግደፍ ዝኾነት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ብ20 ሰነ 2015, “ትሕዝቶን ተኣማንነትን ዘይብሉ ጸብጻባት ‘ኣጻራዪ ኮሚሽን’ ውድብ ሕቡራት ሃገራት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝቀረበ

እታ ልሳን ህግደፍ ዝኾነት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ብ20 ሰነ 2015, “ትሕዝቶን ተኣማንነትን ዘይብሉ ጸብጻባት ‘ኣጻራዪ ኮሚሽን’ ውድብ ሕቡራት ሃገራት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝቀረበ ክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከነኣእሶን ዘይመልክዑ ከትሕዞን ፈቲኑ። ምዕልባጥን ዓበድበድን ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብሕቡእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርዶ ዝጸንሐ ኣረሜናዊ ተግባራት ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ዛዕባ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብግህዶ ስለዝተቃልዐ ኢዩ። እታ ጋዜጣ ንጸብጻብ ኣጻራዪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪታ፡ “ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቀኛ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዘይውክልን ዘየንጸባርቅን ዝምቡዕ ትንተና ዝሓዘ ጸብጻባት ኢዩ፡ ዕደና ኩባንያታት ዝሃብኦ ርእይቶ ኣብቲ ጸብጻብ ኣይቀረበን፡ ኣንጻር ኤርትራ ዝቀንዐ ሕቡእ መንግስቲ ናይ ምቅያር ኣጀንዳ’ዩ፡ ኣገባብ ምእካብ ሓበሬታ ቅኑዕ ኣይነበረን” ዝብሉ ቀይናናት ጉዳያት ዘርዚራ፡፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቅታት ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ብርግጽ ነዚ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኮራኩሩን ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓቂ ድዩ ሓሶት ንኤርትራውያን  ካብ ደገ መረጋገጺ ዘድልዮ ኣይኮነን። ኤርትራውያን እንተስ ብፍርሒ እንተስ ብጥቅሚ፡ ጉዳይና ባዕልና ክንፈትሕ ስለዘይክኣልና ግን፡ እቲ ንዓለም ተኸዊሉ ዝጸንሐ ጸገማትና ሎሚ ኣብ ቅርዓት ወጺኡ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ዋላ’ኳ ወትሩ ብጹእ እንተዘይኮነ፡ ካብ ዜሮ ነቂሉ ኣይኮነን ንመንግስቲ ኤርትራ ብገበን ተሓታቲ ዝገብሮ ዘሎ። ብዙሕ ከይተዛረብና፡ እቶም ምእንቲ ፍትሒ ድምጾም ዘስምዑ ጉጅለ 15፡ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ዜጋታትን ኣበይ ኣለዉ? ኩሎም እሱራት ገበን እንተለዎም ስለምንታይ ኣብ ፍርዲ ዘይቀርቡ? ስለምንታይ ስድራቤቶም ክበጽሕዎም ዘይፍቀሰሎም? ስለምንታይ’ከ ኣብ ክቱር ቁርን ጸሓይን ሰባት ክነብርሉ ዘይክእሉ ኩነታት ይዳጎኑ? ነዚን ካልእ ተመሳሳሊ ሕቶታትን፡ እቲ ኣበሳ የብለይን ኢሉ መሬትን ሰማይን ከጣብቅን ከደናግርን ዘህቅን ዘሎ ህግደፍ ክምልሶ ይግባእ።                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                 ተስፋ ብምቁራጽን ሰላም ሓሪምዎን ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ ምድራበዳን ባሕርን ዝጠፍእ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ጠንቂ ምብትታን ስድራቤታት፡ ሞት፡ ውርደትን ስደትን  ኤርትራውያን፡ ስርዓት ህግደፍ እምበር ናይ ደገ ሓይሊ ወይ ማሕበረሰብ ዓለም ኣይኮነን። ኣብ ጎዳጉዲን መኸዘኒ ኣቁሑን (containers) ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዒራዒሮ፡ ኣስመራን ከባቢኡን፡ ዓዲዃላ፡ ምዕጥር፡ ገልዓሎ፡ ከባቢ ሳዋ፡ ከባቢ ደቀምሓረ፡ ዓዲ ኣብየቶን ካልኦት ምስጢራውያን ቦታታትን ተኣሲሮም ዝቅጥቀጡ፡ ዝሞቱ፡ ብስእነት መድሃኒትን መግብን ብሕማም ዝተደነሱን ኤርትራውያን፡ ሃንዳሲኡን ፈጻሚኡን ህግደፍ ስለዝኾነ ተሓታቲ’ውን ንሱ’ዩ፡፡ ህግደፍ ኣበራቱ ቀቢሩ፡ ብናይ ግዳም ሓይልታት ዝተጠጅአ ተንኮል’ዩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንምቅያር ዝተወጠነ’ዩ እንተበለ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕን’ዩ።  ስርዓት ህግደፍ፡ ብንግሁኡ ህዝቢ እንተዝሓቁፍ፡ ትርግታ ልብን መረረን ኤርትራዊ እንትዝሰምዕ፡ ተሓታትነት  ዘለዎን ብህዝቢ ዝተመርጸን መንግስቲ ክምስረት እንተዘፍቅድ፡ ዝተለጉማ ልሳናትን ዝተኣስራ ኣእዳውን እንተዝፈትሕ እዚ ኹሉ ጣጣ ኣይምመጸን። ህግደፍ፡ “ኤርትራ ሓዳስ ሃገር’ያ፡ ብኢትዮጵያ ዝተታሕዘ መሬትና ስለዘይተመልሰ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቅጽል’ዩ፡ ንሰላምናን ምዕባለናን ክቆጽዩ ዝምነዩ ወገናት ኣለዉ” ብዝብላ ሓረጋት ከደናግርን ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ክጉልብብ ዕድል ክወሃቦን የብሉን።  ምስ ህግደፍ ቁጠባዊ ፖለቲካውን ምትእስሳር ዘለዎም ገለ ገለ መንግስታት፡ ትካላት ዕደና; ማዕከናት ዜናን ውልቀሰባትን መዝሙር ስርዓት ህግደፍ ክደግሙ እንተመሪጾም’ ውን፡ ዘገርም ኣይኮነን። ረብሓታቶም ከይጎድሎምን ካብቲ ዋና ዘይብሉ ሃገር ወይ ብብልሽውና ዝተቆማጥዐ ህግደፍ ዝረኽብዎ ጉንዖ ከይሕደጉን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነት  ብልክዕ ክገልጹ ኣይክእሉን’ዮም ንመንግስቲ ኤርትራ ዝነቅፍ ሓበሬታ ከቅርቡ’ውን ኣይንጽበን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን፡ ገለ ኤርትራውያን እንተላይ ምሁራት ኢና ዝብሉ መሳርሒ ህግደፍን ተበለጽትን፡ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት የለን፡ ናይ ግዳም ጸለመ’ዩ” ኢሎም ዓይኒ ሰብ ከንቁሩ ምፍታኖም’ዩ። እዚ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ  ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ግን፡ ንኹልና ንኤርትራውያን ዓቢ ዕዮ ገዛ’ዩ። ቀዳማይ ዕዮ ገዛ ነቲ ዘሎ ክውንነት ምቅባልን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ስቃይ ምድሓንን፡ እቲ ካልኣይ ድማ ምስ ሓራዲ ህዝብና ህግደፍ ተጸምቢርካን ሓቂ ቀቢርካን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይቅረ ዘይብሃሎ ጥልመትን በደልን ምፍጻምን ኣብ ደልሃመት ክነብር ምፍራድን’ዩ’። እንታይን መንን’ዩ ምንጪ ጸገምናን መፍቲሒኡን፡ ቀንዲ መመይቱን ተግበርቱን ኤርትራውያን እምበር ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማና ክወሃበና ኣይንጸበ። ኤርትራውያን፡ ሽግርና ከብቅዕን ሃገርና ካብ ጥፍኣት ከነድሕንን እንተኾይንና፡ ህግደፍ ዕምሩ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ተንኮለኛ ሜላታት ምፍላጥን  ብሓንቲ ድምጺ ኣንጻሩ ምምካትን’ዩ።

                 ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሰነ 22, 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • semie belay June 23, 2015

    emrka kihaxir eyu edmeka murlue n HGDEF ktragem? imber abey emri higdef ketehxir dea niska? ab zitmkean zimchiakan koff ilka tium enabelaekan sdrabetka mulue ab muchot asfirkas ya,e edme higdef ketehxir? ezi tblo zeloka zeysnkas huxa kortumolu eyu imo hawna? mejemerta etom kulom sdrabetkan nskan imo ethiopia atika tekales shue edmeka wey edme HGDEF kihaxir niro? ember bimelhasn bimergemnssi? beal Ahmed Naser, Abdela Edris,SOLOmon Abera, Wedi vakaro,Meles Zenawi(merahi nay Agame zinebere)—-etc Fekirom Girom but at the last emrom haxirom!!!!!!!!!! silezi bihaki Eritrewi intekonka ezi report nay COI bizeyka ni agamen(weyane) leaktomn ni welahade eritrawian zerbih aykonen?silezi milbam yihsheka eye zibleka kab misweyane mitkae? chifra Agame haxir eyu edmia wala bi miwela hayalan testenfs intehalewet bi hailitat miklkalna hansab hikoa mistesebret terekumsha terifa eya? slezi hangira asmara ketebxhaka aytxebe!!!!!!!!! wedhanka ab kexali!!!

POST A COMMENT