Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ናብ ሰራዊት ኤርትራ

ጅግና ኔርካ ተቓላሳይ ተባዕ ኔርካ ተኳሳይ ኣብ ዓውዲ ኲናት ቀላሳይ ዘይተዋላዋላይ ንቕድሚት መራሻይ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ሓምባሳይ ንህይወትካ ዘይትንሕፍ ክሓልፍ በሃላይ ኣብ ክንዲ ብጻዩ ዝውፈ ዘላላይ      ታሪኽካ ተለዊጡኒ እንታይ’ዩ ወሪዱካ ሎሚ                ኩነታትካ ገሪሙኒ ጋህዲ ዲዩ ሕልሚ                  ርእስኻ ኣድኒንካ ፈዚዝካ ብጣዕሚ             መዐንዘዚ ዲዩ ተገይሩልካ ወይስ ዘልሚ   ተዳሂልካ

ጅግና ኔርካ ተቓላሳይ

ተባዕ ኔርካ ተኳሳይ

ኣብ ዓውዲ ኲናት ቀላሳይ

ዘይተዋላዋላይ ንቕድሚት መራሻይ

ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ሓምባሳይ

ንህይወትካ ዘይትንሕፍ ክሓልፍ በሃላይ

ኣብ ክንዲ ብጻዩ ዝውፈ ዘላላይ

     ታሪኽካ ተለዊጡኒ እንታይ’ዩ ወሪዱካ ሎሚ

               ኩነታትካ ገሪሙኒ ጋህዲ ዲዩ ሕልሚ

                 ርእስኻ ኣድኒንካ ፈዚዝካ ብጣዕሚ

            መዐንዘዚ ዲዩ ተገይሩልካ ወይስ ዘልሚ

  ተዳሂልካ ዲኻ ወይስ ሞይትካ ውሒጡካ ሰልሚ

       ደምበርበር እምበር ኢልካ ከም በዓል ጋህሚ

ሎሚ ድኣ እንታይ ኮንካ ሓሞትካ ፈሲሱ

መሰል መንነትካ ኩሉ ተጋሂሱ

መቕበሪ’ኳ ተነፊጉካ ንረያሱ

ንነጻነት ህዝቦም ዝተቓለሱ

ደሞም ከም ደም ከልቢ ንብላሽ ዲዩ ፈሲሱ??

ህዝብኻ ተሰዲዱ ዶባት ጠጥሒሱ

እንታይ ተሪፉዎ ክበሃል በሪሱ

ኣብ ባሕሪ ተደርቢዩ ምስ ትንፋሱ

ኣብ ሲናይ ተሪፉ ተደምሲሱ።

 

ጅግና፣ ከም ዘይተውልድካ ካብ ጀጋኑ ሰብ ስረ

        ንምንታይ ትንብርከኽ በዞም ጎቦጨረ

        መዓር ንዘልሓሶም ዘኾልሱ ዕረ።

 

 

 

      ህዝበይ፣ ክርዳድ ምርዳድ ኣልግስ ጸሃዮ ግራትካ

      ሓዊ ዓይና ወሪሩዎ መሸላኻ

      ስርናይ ዝራእ ካብ ሓፋሽ ህዝብኻ

       ማህሚኑ ከይተርፍ ወሎዶኻ

               ተላዓል ወላድ መኻን ከይትበሃል ኣዴኻ።

ሰራዊትና

 

ከቢዱካ ዲዩ ሓዳር ናብራ

ደቅኻ ከይሽገሩ ሰኢኖም እንጀራ

መዐንገሊ ከይስእኑ ኣምላኽ ዝፈጠራ

ናብ ባርያ ተለዊጥካ ብጠለምቲ ሓደራ፡

ኣሕዋትካ መንእሰያት እናተሓርዱ ብኻራ

ኮላሊቶም እናተሸጠ ኣብ ኣልቃህራ

ብመስዋእቲ ዘምጻእካያ ከይትኸውን ሕልማዊት ባንዴራ

ከይትምንዛዕ ብናይ ምልኪ ጭፍራ

ህዝብኻ ከይናፍቕ ናይ ሓርነት ጩራ

ኣብ ስቓይ ከይነብር ኣብ መከራ

ብጥሜት ከይምህምን ከየሕልፍ ከርፋሕ ናብራ

ተላዓል ገላግሎ ካብ ናይ ሕልሚ እንጀራ

ተመሃር ካብ ታሪኽ ኣንታ መምህር ሰውራ

ቅያኻ ኣይረሳዕኩዎን ሃገር ዝፈጠራ

ሕጂ ግን እንድዒ ኣጽቂጥካ ኣብ መሪራ

ተደኒሳ ኸላ ኤረይ ተሳቒላ

ኣብ ስግኣት ወዲቓ ብናይ ኢሳይያስ ዕንደራ

ኣብ ኣፍ-ሞት እንከሎ መዕነዊ ኤርትራ

ይምሕሕጸን ኣለኹ ከተልዕል ጭማራ።

 

እምበኣር ተመሃር! ካብ ሰራዊት ቱኒዝያ

ኣብሳሪ ዲሞክራሲ ናይ ለውጢ ሓዋርያ

ተመሃር! ተመሃር! ካብ ሊብያ

ካብቲ ተባዕ ህዝቢ፡ሰራሕ ቅያ

ተመሃር! ተመልከት’ውን  ሶርያ

እምቢ ንውልቀ-መላኺነት ዝበለ፡ኣይግዛእን ከም ባርያ

ስለዚ ንስኻ’ውን ተለዓል ወስኸሉ ጉያ

ዓምጽቲ ክፍረዱ ሃገርና ክርህዋ።

 

ተመሃር!  ኣብነት ይኹንካ ህዝቢ ምስሪ

ንልዑላዊነት ሕጊ፡ንዲሞክራሲ ዝመከተ ብትሪ

ንስኻውን ንመሰልካ ተበገስ ወስኸሉ ናህሪ

 

ናብ ርሑቕ ከይከድካ ተመሃር ካብ ሰንዓ

ዝወድቕ፣ዝስዋእ ዘሎ ሃገሩ ከቕንዓ

 

 

ሕድሪ ኣይትረስዕ ናይ ጀጋኑ

ጻዕሮም ከይተርፍ ባኺኑ

ታሪኾም ከይተርፍ ሓመድ ተደፊኑ

ሓላፍነትካ’ዩ ብሓጎስ ክቐስኑ

ሕጂ’ውን ከሓሶም ርሑቕ መዓስ ኮይኑ

ቀስቅሶም ነቶም ኣራእሶም ዘድነኑ

ሴፍካ ምላሕ ኣብቶም ዝጨከኑ

ሓርነት ኣውጀሉ ህዝብኻ ክነብር ቀሲኑ

ሕግን ዲሞክራስን ኣብ ሃገር ሰፊኑ

ክቕላዕ ታሪኽ ጀጋኑ: ዝነበረ ተሸፊኑ።

 

ኣንቱም ሰባት ጉድ እኮ’ዩ፣ ኣድጊ ናብ ሰውሒ   

                                            ፈረስ ናብ ከውሒ

                                             ወደባት ብፍርሒ

                       ባዕዳዊ ብትዕቢት ብነፍሒ

 

ህዝቢ ብራዕዲ

ኣብ ስቅያት ብዘይ ፍርዲ

ሽፍታ ንጉስ ኮይኑ ሓራዲ፡ጎማዲ

 

ኤረ እንታይ’ዩ ጉዱ

ህዝቢ ተዋሪዱ

ስደተኛ ኮይኑ ኣብ ዓዱ

ኣንጭዋ በረኻ ንኣንጭዋ ገዛ ተውጽኣ’ኮ ኮይኑ መንገዱ

መርገም ዲዩ ካብ ሰማይ ወሪዱ

መና ዝተጸበየ ህዝቢ፣ ክነብር ጥራይ ከብዱ

ኤረ ክሳብ መዓስ’ዩ ገመድ ኣብ ክሳዱ

ቅሳነት የብልካን ውልቀ-መላኺ ከይተበንቆሰ ካብ ሱሩ ከይተቖርጸ ጉንዱ።

 

ሰራዊትና!!

ህዝብኻ ይወርዶ’ዩ ዘሎ ግፍዒ በደል

እንታይ ኮለፈካ ‘’ዕፉን ከም ሰብኣይ የጭሕም’ሞ ከም ቆልዓ ይሕዘል’’

ብጅግንነት ሃገር ከም ዘየምጻእካ፡ተመሊስካ ናብ ማሕዘል

ይኣክል ጭቆና ዘይትብል ናይ ኢሳይያስ ፍሹል

ኣእምሮኡ ብሞስኪቶ ብኩል

ቅኑዕ ዘይሓስብ ብዘይካ እሰር፣ቅተል፣ቀንጽል

ብሕጊ ዘይቅየድ፣ብስርዓተ ኣልቦ ዘማሓድር ፋሉል።

 

የቐንየለይ ኣባላት ኣሰና፡

 

ከምቲ ንጉስ ዳዊት ዝበሎ ንኹሉ ግዜ ኣለዎ፣ ውልቀ-መላኺነት ድማ ዕምሩ ነዊሕ ኣይኮነን።

ኣጆኹም በርትዑ

 

ሓውኹም

መሓረናዝጊ መርሃዊ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • haki ytakeb March 4, 2012

    AYE!!!!!!!!EZI KAA KABTOM GELE ERITREA KEM LIBIAN SORIAN KTKOWN KEYDEKESE ZHADR ZELO KEYKONE AYTERFN EU.KAN KEM HTSAN….KICHA!!!!! ADDE KICHA!!!! ABO KICHA!!!!KICHA!!!!!!ENDALKA KTBEKI KNEBR.ENTAY EMO ATI SERAWIT KEMZI GBER EBLEKA EMBER NSKA KEMZI GBERU KTBL WEY KETELAAELO AKMI YEBLKAN.KABAKA NLALI ZHASBN ZEMERAMER NQUH SULTUNN SERAWIT EU .TETEFATIFU ZTEMELMELE HALAFNET ZSKEM NMETSAI AMADYU ZITMT SERAWIT EU DMA.KEMAKA HAMBERGER ANDASERNEQO WEY ENDA HANEQON AYKONEN ZSERH ZELO NHAGERU.ANTAKONE NNEBSKA GITMI ENDA GETEMKA ALKSELA.DAHAR SEKSELA SEB YELN HSEBELU.

  • Semhar March 4, 2012

    ምስ ሬሳ ዝበኣስ ንባዕሉ ሬሳ
    ባዕልኹም ፍረዱ ናይ ሽፍታ ኣበሳ
    ኣበየናይ ቦታና ኣበየናይ ቢሔር
    መንስከሎበሉ ዘየኽብር ነብሲሄር፧
    ናይ ህልዋት ተመንይዎስ ገደደ
    ይሕሾ ተበልኩምበር ዓበደ
    ሕሹኽ ዝብል ካብ ተሳእነ
    ኩሉ ብፍርሒ ካብ ተሓቕነ፡
    ሕጂ ብሬሳ ቅድም ብስንኩል
    እስከ ሕተቱ ንመን ይውክል፧
    ይኣክል! ደጊም ይኣክል!

  • habesha March 5, 2012

    amezing you yang peopel,you dont need change what is the problem with you,we eritreans in abrod if we don´t unite there will be no solution in our country,you are joking but it is allmost 21 years since our indipendenss but,still ther is no pease untill now. whay dont ask yourself………..you fulish guys the modern Eritrea is for you young people,your fathers are martierd for you in the last 40 years….. WE ERITREANS WE NEED CHANGE

  • berhe March 5, 2012

    TEGADELTI NAYBHAKI NNATSNET HZBI ZTEGADELE YEBLOMUN
    MKNIYATU EZI NIRIAO ZELENA EYU

  • berhe March 5, 2012

    KAB SUDAN

POST A COMMENT