Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውያት ህዝቢ!!

ብገዛኢ ኪዳነ እስከ ንስማዓዮ ናይ ህዝብና ድምጺ ኣውያት ኣሎ ካብ ርሑቕ ዝፋጺ፡ ኣድሕኑኒ’ዩ ዝብል ቃሉ ስምዕዎ ዓማጺ ንወግድ ህዝብና ክርህዎ።   እቲ ንዓና ዝወለደ ማህጸን ኤርትራና ኣድሕኑኒ ይብል ኣሎ ንኽፈቶ እዝንና፡ ንስማዓዮ ድምጹ ነስተውዕል ኣውያቱ ህዝብና ብምልኪ መሰሉ ተዘሚቱ።   ኣታ መን ኢኻ ኣብ ኣመሪካ ዘሎኻ ኣብ

ብገዛኢ ኪዳነ

እስከ ንስማዓዮ ናይ ህዝብና ድምጺ

ኣውያት ኣሎ ካብ ርሑቕ ዝፋጺ፡

ኣድሕኑኒ’ዩ ዝብል ቃሉ ስምዕዎ

ዓማጺ ንወግድ ህዝብና ክርህዎ።

 

እቲ ንዓና ዝወለደ ማህጸን ኤርትራና

ኣድሕኑኒ ይብል ኣሎ ንኽፈቶ እዝንና፡

ንስማዓዮ ድምጹ ነስተውዕል ኣውያቱ

ህዝብና ብምልኪ መሰሉ ተዘሚቱ።

 

ኣታ መን ኢኻ ኣብ ኣመሪካ ዘሎኻ

ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ስደት ዝበለኻ፡

ኣብ ኣውስትራልያ ርሑቕ ማዕዶ

ወዮ ህዝብና እምበር ረኸበ ጋዶ።

 

ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎኻ ኣብ ጎረበት

መንእሰይ ሃገር ኮይናቶ ዓቐበት፡

ሃገሩ ገዲፉ ኣብ ስደት ሰፊሩ

ሓርበኛ ህዝብና ተደፊሩ ክብሩ።

 

ኣድሕኑኒ ይብል ኣሎ ስምዕዎ እቲ ቃሉ

ወዮ ራህራህ ከርሱ ጨካናት ደቒሉ፡

ኣብ ውሽጢ ዘሎኻ ወዲ ህዝቢ

ኣካልካ ወፊኻ ዝሰኣንካ ዓስቢ።

 

ኣብ ወተሃደራዊ ጎድጉዲ ዘሎኻ

ፍትሒ ተሳኢኑ ኣብኡ ዝበለኻ፡

ስምዓዮ እቲ ኣውያት ናይ ዉጽዓት

ከም ማይ ዛርዩ ናይ ወለድና ንብዓት።

 

ወላዲት ከም ዘይወለደት መኺና

ማይ ዘቐብላ ዘዐንግላ ስኢና፡

ኤርትራዊ ወላዲ እቲ ጻዕራም ኣቦ

ውላዱ ስኢኑ ኣትይዎ ዓጸቦ።

 

ስምዕዎ እዚ ድምጺ ናይ ወላዲ

ሰላም ተሳኢኑ ባዲማ’ታ ዓዲ፡

ምልኪ ወኒኑዋ ፍትሒ ተሳኢኑ

ግፍዒ ህግደፍ ሓሊፉ ዓቐኑ።

 

 

ሃገር ከይባደመት ህዝባ ከይበረሰ

ኣድሕኑኒ’ዩ ቃላ ወዛ ከይፈረሰ፡

መልክዐይ ጠፊኡ ከርሰይ ከይነቐጸ

ምናምን ኮይነ ኣካለይ ከይተቖርጸ።

 

ኣድሕኑኒ ደቀይ ኣቱም ፍረ ከርሰይ

ወረ ከይሞተኩም ሓሚሙ’ሎ ነብሰይ፡

ድሓር ከይትጉህዩ ሕማም ከይተሕድሩ

ዝና ወለድኹም ታሪኽ ኣይተድፍሩ።

 

ስሞዑኒ’ዞም ደቀይ መልእኽተይ ተቐበሉ

ወዮ ዘዕበየኩም ከርሰይ በኒኑ’ቲ ፋሉ፡

ተስፋይ ጸልሚቱ ድንግርግር ኢሉኒ

ኣብራኸይ ደኺሙ ጠሊሙኒ ዓይኒ።

 

ፍረ ከርሰይ ውላደይ እንተበልኩ

መልሲ ስኢነሉ ካብ’ቶም ዘይሓንኩ፡

ውሉደይ ምባል ነውሪ ኮይኑ ሎሚ

ኣገልግሎት ይብሉ ሸፋፊኖም ስሚ።

 

ሕልናይ ደኺሙ ገጸይ’ውን መድዩ

መሬት ጸልሚታቶም ፍትሒ ዝምነዩ፡

እዉይ እንተበልካ ረዳኢ ዘይብሉ

ወዮ እንግድዓይ ነቒጹ ማሕዘሉ።

 

ኣታ ቀይሕ ባሕረይ ገለ አንዶ በል

በዳሊ ጎሓፈለይ በቲ ሓያል ማዕበል፡

ኣውያተይ ኣብጽሓለይ ናብ ኩሉ

ወላድ ኤርትራዊ ደኺሙ ኣካሉ።’

 

ዳዕሮ ሳግላ ዓበይቲ ጽላለይ

ንገሩለይ’ንዶ ተደይኑ ምስለይ፡

ኣንታ ነዊሕ ገረብ ዓርኮብኮባይ

ንገረለይ’ባ ተግባር ናይዚ ኣባይ።

 

ኣድሕኑኒ በለለይ ነቶም ደቀይ

ብሸፋቱ ህግደፍ ተዘሚተ ወርቀይ፡

ከብደይ ጠምዩ ዓሪቐ ክዳነይ

ካብ ዓለም ተነጺለ ተሪፈ ንበይነይ።

 

መሬት ኣኮለጉዛይ ምድሪ በለው ከለው

ኣዱልስ ቆሓይቶ ከስከሰ ምድሪ ኣበው፡

እምባ መጠራ መስቀል ምልክቱ

እምባ ሳይም መንጽር መጣምቱ።

 

ጎቦ እምባ ሰይራ’ሎ ንምብራቑ

ኣግራቡ በሪሱ ወጺኡ ዕራቑ፡

ኣብቲ እግሩ ጎልጎል ሽመጃና

መሬቱ ነቒጹ ፍትሒ ተሳኢና፡

እቲ ሰፊሕ ጎልጎል ናይ ሃዘሞ

እቲ ለዋህ ህዝቢ ምልኪ ዝጠለሞ።

 

ስግር መረብ ከተማ ቅናፍና

ከመይ’ሎ እቲ ለጋስ ህዝብና፡

ምዕራባዊ ገጽካ ኣብቲ ደብሪ

ምልኪ ጊህስዎ ናይ ህዝብና ክብሪ።

 

ኣታ ሰፊሕ ጎልጎል ናይ ተኸላ

ማይ ጻዕዳ መራጉዝ ዓዲኳላ፡

ጻዕዳ ጣፍካ መጸበቕ መኣዲ

እስከ ንገረና ከመይ’ሎ ዓዲ።

 

መንገዲ መረብ ቁልቁለት ዓዲ ኾተዮ

እስከ ንገረና ኩሉ’ቲ ዝረኣኻዮ

ኣብቲ ገማግምካ ዝወደቐ መድፍዕ

ቀይሩዎ ድዩ ናይ ግርማኻ መልክዕ።

 

ዓዲ በጊዖ ምስ ዳዕሮ ኩንዓት

እንታይ በሉ ህግደፍ ከዳዓት፡

ኣብቲ ቁልቁለት ዓበይቲ ደናጉላ

ዓዲ ክሳድ ዒቃ መረብ ከመይ ኣላ።

 

ኣብቲ ጎልጎል ወረዳ ዓይላ ጉንደት

ከመይ’ሎ ኣንዳማርያም ንግደት

ኣብቲ ምብራቕ በራቒት ቆሓይን

ዓዲ መዓር ጠስሚ ክረምትን ሓጋይን።

 

ማእከል ቆሓይን ከተማ ማይ ምነ

ከመይ’ሎ ዳጉሳ ፍትሒ ምስ ተሳእነ

ምህርቱ ጎዲሉ እወ ኣንቆልቂሉ

ሎሚ ተደፊሩ’ቲ ልዙብ ባህሉ።

 

ንሰሜኑ ኣብቲ ሩባ ሩባ ዑበል

ምልኩዕ ብተፈጥሮ ዓዲ ሓርሽ ገበል፡

ካብ ዑበል ወጺእካ ዝባን ደብሪ

ከመይ ኮነ ናይ ስዉኣትና ሕድሪ።

 

ስግር ሩባ ኣብቲ ዛይድ ኣኮሎም

እቲ ለጋስ ህዝቢ ዘይብሉ ቀልዓለም፡

ዓዲ መዓር ዓዲ ጠስሚ ሃብታም ቦታ

ወያ ለዋህ ኣደ ኣውዲቓ ንያታ።

 

ኣብቲ ምድሪ ወዲ ሰበራ ስቡሕ መሬት

መሊሱ ከፊኡ ናይ ህዝብና ምረት፡

ከተማ ዓረዛ ማይ ድማ ዓዲ ራእሲ

ዓዲ መዓር ጸባ ዓዲ ራሕሲ።

 

ህግደፍ ነዲሱ መሬቱ ነቒጹ

ሰላም ዘሪግዎ ህግደፍ ኣቕቢጹ፡

በዓል ባሃብላ ከሓዲ ማሕዘለይ

ዕልል እናበላ ተዃሲሑ ቁስለይ።

 

እቲ ማህጸነይ ከም ዘይዓንደራሉ

እቲ እንግድዓይ ከም ዘይተሓዘላሉ፡

ፍረ መሬተይ ከም ዘይጸገባሉ

ኣብቲ ማይ ቤተይ ከም ዘይዓበያሉ

ነቲ ወላድ ከርሰይ ኢለናኦ ኣሉ።

 

ኤህ ኢለ ረጊመ ንረጋሚ ሂበየን

ጸሎተይ ክዓርግ ሃየ በሉ ኣሚየን፡

ንምልኪ ኣሚነን ክንደይ ከይጥዕመን

ንዓይ ኪሒደን ምስ ምልኪ ኣዲመን።

 

ንዓይ ክሒዶም ምስ ህግደፍ ዝወገኑ

ጥሜት ህዝቢ ብከብዶም ዝመዝኑ፡

ድሓን እዋን ፍትሒ ኣሎ ኣብ ቀረባ

ፍትሒ ነጊሱ ክንፋሕ ናይ ሰላም ጥሩምባ።

 

ኣብቲ ቆላ ሰራየ ከተማ ዓረዛ

ኣብቲ እንዳ ራእሲ ታሪኻዊ ገዛ፡

ነጋሪት ራእሲ መቃልሒ ኣዋጅ

ደጋፊ ህግደፍ ይግበኦ’ዩ ኩርማጅ።

 

ኮምኡ ኢዩ ዝንበብ እቲ ታሪኸይ

ኮቶ ኣይነብርን ብህግደፍ ተመሊኸ፡

ኣንታ ዓቢ ደብሪ እንዳኣቡነመርቆርዮስ

ከመይ ገበረካ ምምሕዳር ኣርዮስ።

 

ኣብቲ ገዛ ቀላቲ ወረዳ ኩኖ ረዳእ

እቲ ለዋሃ ህዝቢ ፍጹም ዘይጓዳእ፡

ከተማ ማይድማ ዓቢ ዓዲ ምስያም

ግሉጽ ልቦና ዘይፈትቱ ምቅያም።

 

ወረዳ ደንበላስ ዓዲ ጅግና ህዝቢ

ተቐባላይ ጋሻ ናይ ባህሎም ደንቢ፡

ሃብታም መሬት ኩሉ ዘይሰኣኖ

ወረጃ ዕላሎም ፍጹም ዘይምኖ።

 

ደንበላስ ሓሊፍካ ናብ ቢንቢና

ዓዲ ፍራፍረ ዓዲ ጂግና፡

 

ከም ቀደሙ ምህርቱ ከይሓፍስ

ከይርህዎ ወረ ሰላም ከይነፍስ፡

 

ውግእ ወረ ውግእ እናውረዩ

ሩፍታ ሲኢኖም ሰላም ዝምነዩ

ክብሩ ተደፊሩ’ቲ ኤርትራውነቱ

መሬቱ ተሓዲጉ ተደፊሩ ክብረቱ።

 

ኣቱም ደገፍቲ ህግደፍ ጸረ ሰላም

ካን ፈሪድኩሙኒ ክነብር ኣብ ጸላም፡

ኣትን ኣንስቲ ሰብ ወርቂ ሰብ ገንዘብ

ኣቱም ካሕዳማት ዘይትፈልጡ ዓገብ።

 

ኣደ ሓሲሙዋ እትበልዖ ስኢና

እታ ንእሽቶ መጻወቲት ኮይና፡

ኣብ ወፍሪ ባርነት ኣሪጋ ብጓላ

ኣቦኡ ዘይፍለጥ ተሰኪማ ድቓላ።

 

ንቡር ተነፊጋ ከም ሓትነ ከም ኣደ

ህግደፍ ተፈጢሩ ስድራ ዘዋረደ፡

ኣብ ጸምጸም በረኻ ተደፊራ ክብራ

ኣብ ወፍሪ ባርነት ናይ ኣራዊት ናብራ።

 

በዓል ብሃብላ ኣትን ዓላሎ

ወጽዓ ዘይርድአክን ጽንጊላሎ፡

ወዮ ዝፈጠረክን ማህጸን ተዋሪዱ

ከዳዕ ህግደፍክን ንሰላም ሓንጊዱ።

 

ኣብ ውራያት ህግደፍ ክትስዕሰዓ

ወያ ዋዕሮ ሃገር ተገፊዓ

ደቅኽን ሓቚፍክን ኣብ ስደት

ናይ ደቅኽን ከተብዕላ ልደት።

 

ወያ ወላዲት ሓዚና ኣብ ሃገር

ወትሩ ናብራ ኮይኑዋ ሸገርገር፡

ንስኽን ቀይሕን ጸሊምን ክትበልዓ

እታ ውጽዕቲ ትነብር ተወጺዓ።

 

ኣብ ኣስመራ መጺክን ከተጋይጻ

ውጽዕቲ ሓሲሙዋ ተደይኑ ገጻ፡

ናይታ ወገንክን ዘይትረደኣ ጸገማ

ዝብላዕ ስኢና እናሓደረት ጾማ።

 

በል እስከ ተዛረብ በረኻ ሃገርና

ኣንታ ጎልጎል እምባ ዓቃቢ ስድራና፡

ሕጊ ኣልቦ ኮይኑ ፍትሒ ተሳኢኑ

ምስ ውጹዕ ዝኾኑ ዘይብሉ ደያኑ።

ኣብቲ ጎልጎል ማይ ወሰን ናይ እንጀሓይ

ናብራ ከመይ ኣሎ ሃበና እስከ ደሃይ፡

ኣብቲ ሰፊሕ ቦታ ዓሻ ጎልጎል

እስከ ንገረና ናይቲ ኩሉ በደል።

 

መሬት ዱሉክ ምስ ከተማ መንሱራ

ተንኮል ቀሪባ ኢያ ክትማሖ ሱራ፡

ኣብቲ ቆላ ሰራየ በረኻታት ለይቶ

መላሲ ስኢኑ ናይ ህዝብና ሕቶ።

 

ጎቦ እምብላላሕ ዓድታት ሕረተ ዑና

ኣሎኹምዶ ከም ቀደም ድሃይኩም ሃቡና፡

ዓዲ ፈለስቲ ምስ ዓዲ ባንብቆ

ደጀን ሰውራና ዓንዲ ሕቆ።

 

ጎሕ ጨዓ ሰምዓሰም ክሳድ ዳዕሮ

ዓዲ ጅግና ህዝቢ ሕሰም ዝመረሮ፡

ከመይ ገበረካ ናይ ህግደፍ ግፍዒ

ሓበን ናይ ሰውራና ዓዲ ጽጉብ ቀውዒ።

 

ወረዳ ሎጎ ጭዋ ጎልጎል ናይ ጽልማ

ኣታ እዛ ሃገር ሰናይ እንድዩ ሕልማ፡

እንታይ ደኣ እዛ ሃገር ሎሚ ተደፊራ

ጎበዝ ተሳኢኑ ዝሕሉ ንኽብራ።

 

መሬት ተእዊ ኣላ በደል በዚሕዋ

ካብ ኩሉ ተነጺላ ሰላም ሓሪሙዋ፡

መሬታ ነቒጹ ህዝቢ ሓሲሙዎ

ውላዱ ናብ ስደት ቤቱ ጸሙይዎ።

 

ኣቱም ልኡኻት ጥፍኣት ደገፍቲ ህግደፍ

ንምብራስ ሃገር እትብሉ ሃልከፍከፍ

ህግደፍ ቀሪቡ ኢዩ ደጊም ክጓሓፍ

ነጋሪት ክህረም ናይ ሰላም ምዕራፍ።

 

ኣኽራናት ኣዳል ደጀን ናይ ሰውራና

ኣኽራናት ተጎርባ መሰረት ዓወትና

ሓበና ናይ ሰውራና ተጎርባ ዓባይ

ሰላም ክሰፍን ኢዩ ክጓሓፍ’ዩ ኣባይ።

 

ጎቦታት ሳሕል ደጀን ናይ ቃልስና

ኣብኡ ተፋሒሱ ምህሳስ ናይ ክብረትና፡

ክንድይ በሊሕ ሓንጎል ብውሳይ ጠፍኣ

ህግደፍ ክገሃድ’ዩ ኩሉ’ቲ ክፋኣ።

 

ሩባታት ሳሕል መቓብር ምሁራት

ደጊም ቀሪቡ’ዩ ክወጽእ ምስጥራት፡

መሬት ሰንሒት ህዝቢ ቢለን

ወየን ኣደታት ዘየዕብራ ቃለን፡

ታሪኻዊ ቦታ ከተማ ከረን

ተቖነንቲ ሸሊል ዘየድፍራ ክብረን።

 

ጎቦ ላሉምባ ናይ ጀጋኑ ዕርዲ

ህግደፍ ነጊሱ ዝህውኽ ወላዲ፡

እቲ ልዙብ ባህልኻ ተደፊሩ

ውላድካ ጠፊኡ ዶብ ሰጊሩ።

 

ኣጆኻ ህዝበይ ቀሪቡ’ዩ እቲ እዋን

ፍትሒ ክነግስ ምስ ሰላምን ራህዋን፡

ህግደፍ ጥፍኣቶም ቀሪቡ ክስጎጉ

ጅግና ህዝብና ክፍጸም ኢዩ ባህጉ።

 

ደገፍቲ ህግደፍ በዓል ብሃብላ ምስ ቅጣው

መሬት ሓርቢታቶም ኣብዚሖም ምቕንዛው፡

ንሳ ኢያ ኢዱ ምስ ምልኪ ዘውደልደለ

ንውልቃዊ ረብሓ ህዝቢ ዝበደለ።

 

ኣንቲ ደጋፊት ህግደፍ ገበነኛ

ወጽዓ ዘይርደኣ ኣጋስስ መጽዓኛ፡

መንእሰይ ሃገሩ ገዲፉ ተሰዲዱ

ወላዲ ዝልእኮ ስኢኑ ተዋሪዱ።

 

ህዝቢ ፍትሒ ስኢኑ ሃገር እናባደመት

ምስ ህግደፍ ምሽራው ዓቢ ጥልመት፡

ክወግሕ’ዩ ደጊም ቀሪቡ’ዩ እቲ ለውጢ

ህዝብና ክሓልፈሉ ከኽትም’ዩ ጸቕጢ።

 

ኣቱም ደገፍቲ ህግደፍ ጸበብቲ ኣእሙሮ

ኣንትን ደገፍቲ ህግደፍ ተሰከምቲ ሕንኩሮ፡

በላ ህግደፍ ክጉሓፍ’ዩ ከምቶም ዝተጓሕፉ

ንህዝቦም በዲሎም ዓለም ዝሓለፉ።

 

ሕማቕ ታሪኽ’ዩ ንህዝቢ ተራፊ

ሎሚ ኣበይ’ሎ ዓርኽኹም ቀዛፊ፡

ብዝሓለፈ ተሞክሮ ዘይትማሃሩ

ዓቢ ትምህርቲ’ዩ ዝኾን ንሓዋሩ።

 

እንተኾነ ግዳ ኣእሙሮኹም ጸቢቡ

ምስ ህግደፍ ወጊንኩም ዓገብ ትዛረቡ፡

ብድሕሪ ሕግደፍ ጽባሕ ኣሎ ሕቶ

ታሪኽ ክንገር ኣብቲ ህዝባዊ ባይቶ።

 

በሉ ጽባሕ የራኽበና ኣብቲ ዓዲ

ውላዱ ክሓቁፍ ከዕርፍ ወላዲ፡

ኩልና ብናይ ሎሚ ታሪኽ ክንሕተት

ኣብዚ የብቅዕ ዘመነ ክተት

ሽዑ ኢዩ ዘሎ እቲ መጎት

ርእሲ ክደንን ኣእጋር ክጉተት።

 

እዚ ኢዩ እቲ ዝጽበየና ዘሎ

ደጋፊ ህግደፍ ክመስል ጸሎሎ

ደላይ ፍትሒ ጎረረኡ ክስሕሎ

ሕ.ሰብ ኤርትራ መሰሉ ክሕሎ።

 

ናይ ሎሚ ደገፍቲ ህግደፍ በዓል ካይላ

ኣብቲ ጽባሕ ዓወት ፍርዲ ተጻዊዳ’ያ ዘላ፡

ኣብኣ የራኽበና ኣብታ ባይቶ ፍትሒ

ሽዑ ክበርሃልኪ’ዩ ናይ በዓል ቅጣው ጉርሒ።

 

በዓል ቅጣው በዓል ምዕንጅሉ

ምስ ህግደፍ ኣሻርዮም ህዝቢ ዝበድሉ፡

ሽዑ’ዩ ዝገሃድ’ዚ ናይ ሎሚ በደል

ኣብኡ የራኽበና በሊ ኣንቲ ወደል።

 

ዓወት ንህዝብና

ውድቀት ንህግደፍን ኮራኹሩን!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT