Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደድሕሪ ዓጻዶ!

ኣይኮነን ወዲ ሰብ በሊሕ መስተውዓሊ እንስሳታት’ኳ ብዓል ኣድገ በቕሊ ኣብ ክንዲ ብበትሪ ገኒሕካ ብሓይሊ ገራሒ ዘድልዮም ብጥበብ ብዓቕሊ!   መጽዓኛውን’ኮ ሰኸም እንተ ኣብዚሑ ስድሪ ኣይስጉምን’ዩ ንስላዕ ፈሪሑ ጸላእቱ’ዩ ዘውድቕ በእጋሩ ረጊሑ እንታይ ደኣ ንስኻ ሓሞትካ *ገቢሑ     *ሰኪሑ፡ ፈጊዱ፡ ጃጂዩ ጎበዝዶ እኸይድ’ዩ ወትሩ ተገኒሑ ይሓልፍ እምበሪ

ኣይኮነን ወዲ ሰብ በሊሕ መስተውዓሊ

እንስሳታት’ኳ ብዓል ኣድገ በቕሊ

ኣብ ክንዲ ብበትሪ ገኒሕካ ብሓይሊ

ገራሒ ዘድልዮም ብጥበብ ብዓቕሊ!

 

መጽዓኛውን’ኮ ሰኸም እንተ ኣብዚሑ

ስድሪ ኣይስጉምን’ዩ ንስላዕ ፈሪሑ

ጸላእቱ’ዩ ዘውድቕ በእጋሩ ረጊሑ

እንታይ ደኣ ንስኻ ሓሞትካ *ገቢሑ     *ሰኪሑ፡ ፈጊዱ፡ ጃጂዩ

ጎበዝዶ እኸይድ’ዩ ወትሩ ተገኒሑ

ይሓልፍ እምበሪ *ሃጋይን ኣውጊሑ!     *ደልሃመት፡ ጸበባ፡ ወጥሪ

 

ኣይኮነን ወዲ ሰብ ዝሓስብ ዚዝቲ

ወዲ ላም ብዕራይውን በሃም ከሎ ከብቲ

ሩፍታ ተሲኢኑ ብሕሱም መግዛእቲ

ከኒቡ ዝዋጋእ ብዘለዎ ኣቕርንቲ

ፍጹም ዘይንብርከኽ ኣብ ትሕቲ ዓመጽቲ!

 

ንስኻ ደኣ’ሞ እንታይ እዩ’ቲ ጉድካ

ክሳዕ እትመውት ትጽበ ትም ኢልካ

እንታይ እዩ ሒዙዎ ሓሊኹ’ቲ ኢድካ

ኣትዩ እዩ’ቲ ቀውዒ ሰሓሎ ማዕጺድካ

ደድሕሪ ዓጻዶ ቀርሞ ግራትካ!

 

ንዳእትኻ ጉነኽ ኣእትዎ ናብ ዓዲ

ፍረኻ ክትሓፍስ ምህርቲ ካብ ዓውዲ

ቀላሳይ’ሞ ኹን ክስዕበካ መኼዲ

ፍረ ናይ ኣዝመራ ቀውዓዊ መኣዲ

ቀሲኑ ክምገብ ዉሉድ ምስ ወላዲ

ናብ ዋናኡ ስቐል እቲ ናይ ህዝቢ ዘውዲ!

 

መንእሰይ ኣይጥፋእ ሃጢሙ ድምጽኻ

ብገዛእ ሃገርካ መሬት ዓደ ኣቦኻ

ነዛ ህወይትካውን ውልቃዊት ነብስኻ

መዓስ ወኒንካያ መንእሰይ ባዕልኻ!

 

ከም ከልቢ ጸዊዖም ሓዞ እንተበሉኻ

ወትሩ ዘብዘብ ትብል ናብ ዚለኣኹኻ

ሓላዊ ዶብ ኢሎም እናጠበሩኻ

ስልጣኖም ንምውሓስ ሰፊርካ ኣብ በረኻ

ገንሸሎም ክትከዉን ክሳዕ መዓስ ኢኻ

ይኣክል ዘይትብሎም ምሽክዕላል ብኣኻ!

 

ኣባጽሕ እኮ’ዮም ከማኻ ኣፍለታት

ሕሰም ዝቐንጠጡ ናይ ነዊሕ ዓመታት፡

መንእሰያት’ወ በጃ ህዝቦም ክብሉ

ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ነብሶም ዘቃጸሉ

ከም ሽምዓ መኺኾም ተሰዊኦሙሉ

ኣፍደገ ሓርነት በሪ ኣርሔሙሉ!

 

ካብ ሓውኹም ተ/ማርያም ገረሱስ

16/01/2012

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT