Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውሑዳት ክትረብሑ!

ሃዋርያት ናይ ሓሶት እሕሕ እንተበሉ ከተጣቕዕሎም ኣእዳውኩም ትስሕሉ፡ ስለዚ ንሳቶም እንታይ ዘይገበሩ ጉድለቶም ነቒፍካ ክንዲ ዝመሃሩ ወትሩ *ብንሕዳኹም እናተጠበሩ!                              *ብከይብሉኒ ዚብል ስክፍታኹም ሓፋሽ እንክውጻዕ ውሑዳት ክትረብሑ ሕደጉ ወደስቲ ስቓይና ኣይተንውሑ ትፈልጡዎ ምስጢር ኣብ እዋኑ *ኣንጒሑ   *በልሉ እታ ፍርዲ ከይመጸት ጸላምና ወጊሑ ደሓር ካብ ምጥዓስ

ሃዋርያት ናይ ሓሶት እሕሕ እንተበሉ
ከተጣቕዕሎም ኣእዳውኩም ትስሕሉ፡
ስለዚ ንሳቶም እንታይ ዘይገበሩ
ጉድለቶም ነቒፍካ ክንዲ ዝመሃሩ
ወትሩ *ብንሕዳኹም እናተጠበሩ!                              *ብከይብሉኒ ዚብል ስክፍታኹም
ሓፋሽ እንክውጻዕ ውሑዳት ክትረብሑ
ሕደጉ ወደስቲ ስቓይና ኣይተንውሑ
ትፈልጡዎ ምስጢር ኣብ እዋኑ *ኣንጒሑ   *በልሉ
እታ ፍርዲ ከይመጸት ጸላምና ወጊሑ
ደሓር ካብ ምጥዓስ ሕጂ ተናስሑ!
ሕግን ፍትሕን ተሎ ከምቲ እትብልዎ
ህዝቢ ካብ ሃገሩ እንታይ ኣውጺእዎ?
ናብ በረኻን ባሕርን እንታይ ኣእትዩዎ?
ሃገር ጽቡቕ ተላ’ወ ከምቲ እትብልዎ
እንታይ ደኣ ካብ ስደት እተማዕድውዎ?
ኣብ ውሽጡ ኣቲኹም ዘይተስተማቕርዎ!
ወረ ደሓን ይኹን ከምቲ ትገልጽዎ
ህዝቢ ሓሊፉሉ ንበሎ ርህይዎ
              ግን፡ ዕስራ ዓመት ዝግኒ እንተ ደኣ ኣጽሊእዎ
ቅያር ተሓተተ ናይ ጾም ቃሕ ኢሉዎ
ዘእስር ዘግርፍ እንታይ ኣበሳ ኣለዎ?
ኣብ ሽግር መከራ ከም ዘሎ’ዚ ህዝቢ
መዓስ ጠፊኡኩም ሰብ ክልተ ልቢ
ዉልቃዊ ረብሓኹም ካብ ሃገርዶ ይዓቢ
ነዚ መርዛም ዕኮት እትብልዎ ንህቢ!
ናብራ ናይዚ ህዝቢ ከምኣ ኢላ እንድያ ዘላ
ዝጠመየት ከብዱስ መዓስ ተዓንጊላ
ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዘስፈያ ነጸላ
ቅያር ከይረኸበት ኣብ ዝባኑ ኸላ
መሮር እናውዓለ ከናዲ *ደገላ           *ኣብ መሮር ዝበቊል ዓነት ዳጒሻ
ሓሊፍሉ ትብል ወይልኻ ጒሒላ
መሬት ክትርሁ’ያ ጽባሕ ንእኡ ኢላ!
ነዛ ሓንቲ ደቂቕ ወረ ንካልኢት
ካብ *ዘውጊ’ሞ ዉጹ ካብ ስምዒት                          *ምሽራው
ሓሲብኩም ወስኑ ቅድሚ’ቲ ጣቕዒት
ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ከይኮኖ ጽፍዒት!
ወትሩ *እናውረረየ ጥምየት ተኻኢሉ      *ኪበልዕ ሃረር እናበለ (እናጐምጀወ)
ኣብ ከብዱ ኣቲኹም ጸጊቡ’ሎ ትብሉ።
መንከ ወኪሉኩም *ክትሽሕጡ ብስሙ       *ክተቀባጥሩ
ዕድል ዘይትህብዎ ክገልጽ ጸገሙ!
ካብ ሓውኹም ተ/ማርያም ገረሱስ 01-02-2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Dani February 1, 2012

    Just stupid and very shame.Because of what they are doing,with the great God very far our country free from the bloody dictator.

    • Abdi February 2, 2012

      God doesn’t like liars,you will remain Servants of the Agames! In the contrary God helped us to unveil the lies fabricated against us and our gov’t, so God helps the hard working Eritreans and their govt not weshalkh who works for their own benefits.

  • zemen beraki February 1, 2012

    Tesfamariam, u r simply great!! ur words are more powerful than swords! keep it man!!!!!

  • Daniel Teclegiorgis February 2, 2012

    ኣቶ ተስፋማርያም! ክትሰምዖን ከተንብቦን ዝበሃግ ንኡድ ኣበሃህላ።

POST A COMMENT